ኣምነስቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረግ ገበን ፈጺሞም ክብል ከሲሱ

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ኣገዲዳካ ምድፋር ዝርከቦ ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረግ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ።

ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓምለ 2013 (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣትሒዙ ተቖጻጺሩዎ ኣብ ዝነበረ ኣከባቢ ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረግን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ዝኽእልን ገበናት ምፍጻሞም ዘመሳኽሩ መረዳእታ ብብዝሒ ይወጽእ ምህላው ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ሪፖርት ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ'ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፋስ መውጫ ኣብ ትብሃል ከተማ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጸታዊ ዓመጽ፣ ስርቅን ኣካላዊ መጥቃዕትን ከም ዝፈጸሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ ነይሩ።

ሓልታት ትግራይ ብዛዕባ እዚ ናይ ሎሚ ክሲ ዛጊት ዝሃብዎ ምላሽ የለን። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ግን ሓይልታቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ግፍዕታት ምፍጻሞም ንዝገልጽ ብኣምነስቲ ንዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ እቲ ኣምነስቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደሉ መገዲ ''ብርሑቕ ኣብ ዝተገበረ ናይ ቪድዮ ቃለ መሕተትን ንባዕሎም ዝረብሕ ኣብ ዝዛረቡ ናይ ክልልን ፌደራልን ሰበስልጣን ምስክርነት'' ዝተመስረተ ግጉይ ኣካይዳ'ዩ ክብሉ ነጺጎሞ፡፡

ቅድሚ 15 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ኵናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ልዑል ሰብኣውን ንዋታውን ቀውሲ ኣኸቲሉ'ዩ።

ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ሰራዊት ፈደራል: ሓይልታት ኣምሓራ: ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ህወሓትን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተትቲ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ጸብጻብ እንታይ'ዩ ዝብል

አምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ሓያሎ ከተማታት ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ብፍላጥ ከምዝቐተሉን ደቀንስትዮን መንእሰያትን ኣገዲዶም ብጉጅለ ከምዝደፈሩን ከምኡ'ውን ናይ ውልቅን ናይ ህዝብን ንብረት ከምዘዕነው እቲ ሪፖርት ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ፡ ካብ ነሓሰ 2013 ክሳብ መፋርቕ መስከረም 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዝነበረ ግዜ ምስ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ዕጡቓት ኣብ ከተማታት ጭናን ቆቦን ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ከተማታት መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ እቶም ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ሰባት ናይ ቅትለት ምፍርራሕ ዓሌት ጠቀስ ጸርፍን ምንእኣስን ከም ዘጋጠመ'ውን ገሊጹ።

ኣምነስቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ቆቦ ካብ ዕጡቓትን ነበርትን ምሊሻን ንዘጋጠሞም ተቓውሞ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ናይ ሕነ ስጉምቲ ይወስዱ ነይሮም ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ኣምነስቲ ሓላፊት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ምክትል ዳይሬክተር ሳራ ጃክሰን ሓይልታት ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ (ኣገዲድካ ምድፋር) ቅትለትን ካብ ሆስፒታል ከይተረፈ ዝምታን ከምዝፈጸሙ ሓቢራ።

እታ ምክትል ዳይሬክተር መራሕቲ ህወሓት ኣብዚ ገበን ተሳቲፎም ክኸኑ ንዝኽእሉ ካብቲ ሰራዊት ንክኣልዩዎ ሓቲታ።

ኣብ ቆቦ ዝተፈጸመ ምርሻን

አምነስቲ ኢተርናሺናል፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ከተማ ቆቦ ንዝወረዶም ስዕረት ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ምሊሻን ሓይልታት ኣምሓራን ዕጡቓትን ሓረስቶትን ሲቭልን ብፍላጥ ሰባት ቀቲሎም ኢሉ።

እቲ ትካል ን27 ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ካብቲ መጥቃዕቲ ንዝደሓኑ ግዳያት ከምዘዘራረበ ገሊጹ። ካብቶም መሰኻኽር 10 ነበርቲ ናይታ ከተማ: ሓይልታት ህወሓት ብ4 ጳጉሜ 2013 (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ንኣዝማዶምን ጎረባብቶምን ከካብ መንበሪ ቤቶም ኣውጺኦም ከምዝረሸኑዎም ነጊሮሙኒ ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

"ፈለማ ኣብ ልዕሊ ሓወይ ታደሰ ተኲሶም . . . ኣብታ ዝሃረሙዎ ሞይቱ። እቲ ካልኣይ ሓወይን ሓማተይን ክሃድሙ ምስ ፈተኑ ብሕቖኦም ተሃሪሞም ተቐቲሎም. . . ንዓይ እውን ጸጋማይ መንኩበይ ሃሪሞሙኒ። ዝሞትኩ መሲለ ወዲቐ [ኣጽቂጠ]" ብምባል ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ምትራፉ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ።

ካልኦት 12 ነበርቲ ከተማ ቆቦን ከባቢኣን ናይ ዕለት ሰራሕተኛታትን ኣስከሬናት ምርካቦም ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።

እቶም ነበርቲ ዝረኸቡዎ ኣስከሬን: ምርሻን ብዝመስል ማህረምቲ ገሊኦም ኣብ ርእሶም ገሊኦም ኣብ ሕቖኦም ካልኦት ከኣ ኣፍልቦም ብጥይት ከምዝተሃርሙ ገሊጾም።

ብተወሳኺ አእዳዎም ንድሕሪት ተኣሲሮም ዝተቐትሉ ሬሳታት ከምዘልዓሉ ሓቢሮም።

አምነስቲ ናይ ሳተላይት ስእልታት ብምርኣይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ቅዱስ ሚካኤልን ከምዝተቐብሩ ኣረጋጊጸ ኢሉ። እዚ ሓበሬታ ምስቲ እቶም ነበርቲ ኣብ ቃለ መሕትት ዝሃቡዎ ምስክርነት ከምዝመሳሰል ኣምነስቲ ሓቢሩ።

ሲቪልን ዝተማረኹ እሱራትን፡ ከምኡ'ውን ኢዶም ዝሃቡ ወይ ዝቖሰሉ መተሃደራት ምቕታል ምስ ገበናት ኵናት ከምዝዳረግ ምናልባትም ኣብ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ገበን ክኸውን ከምዝኽእል ኣምነስቲ ኣብ ሪፖርቱ ኣመልኪቱ።

ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ጭና

ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ሓምለ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ጭናን ከባቢኣን ደቂ 14 ዝኾና መንእሰያት ደቀንስትዮ ዝርከቡዎን ሓያሎ ኣንስቲ ኣገዲዶም ከምዝደፈሩን ብግዴታ መግቢ ንከብስሉለን ከምዝቐሰቡወንን ናይ ኣምነስቲ ሪፖርት የረድእ።

ኣምነስቲ ዘዘራረበን 14 ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ግዳያት ገሊአን ብጉጅለ ገሊአን ኣብ ቅድሚ ደቀን ከምዝተደፍራ ሓቢረን።

ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ተማሃሪት ሻብዓይ ክፍሊ ምስ ኣዲኣ ኣብ ኣፍደገ ገዝአን ብሓይልታት ትግራይ ከምዝተዓመጻ ንኣምነስቲ ሓቢራ።

ጓል 29 ዓመት ሰላም'ውን ኣብ 15 ሰዓታት 4 ወተሃደራት ትግራይ ብኸመይ ኣገዲዶም ከምዝደፈሩዋ ንኣምኒስት ኣረዲኣ።

ዝምታ ንብረት

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ቆቦን ጭናን ናይ ውልቅን መንግስትን ንብረት ከምዝዘመቱን ከምዘዕነውን ነበርቲ ነጊሮሙና ክብል ኣምኒስት ኣብ ሪፖርት ኣስፊሩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝበጽሐ ዕንወትን ዝምታን: ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ደቂኣንስትዮን ካልእ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎም ሰባትን ሕክምናዊ ረድኤት ንከይረኽቡ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ ክብል ኣምነስቲ ሓቢሩ።