ኲናት ኢትዮጵያ፡ “ሪፈረንደም ህዝቢ ትግራይ ናብ ደርድር ዝኣትው ኣይኮነን”- ዶ/ር ደብረጽዮን

መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል መሰል ዓርሰ ውሳነ (ሪፈረንደም) ህዝቢ ትግራይ ናብ ድርድር ዝኣቱ ኣይኮነን ኢሉ።

ንሱ፡ መበል 47 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ንጋዜጠኛታት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ ነቲ መርገጺ ሓቢሩ ዘሎ።

"መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ፡ ሪፈረንደም ናይ ህዝቢ ትግራይ ደርድር የብሉን. . . ቀጻሊ ጉዕዞኡ ክውስን ኣለዎ" ኢሉ።

መሰረታዊ ዝበሃል ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ናብ ድርድር ዝቐርብ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ካልኦት "እንካን ሃባን ዘይብሎም" ዝበሎም ነጥቢታት እውን ጠቒሱ።

"ትግራይ በዓል ሰራዊት እዩ፤ ኣብ ሰራዊትና ኣይንደራደርን" ብምባል እቲ ቅድሚ ሕዚ ብገለ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተገለጸ ህወሓት ዕጥቁ ፈቲሑ ምስ መንግስቲ ፌደራል ክዛተ ከምዝኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ እውን ውዱቕ ገይሩዎ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ትሕቲ እቲ ክልል ዝነበሩ ከባቢታት ናብ ትግራይ ክምለሱ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹን ተሓታትነት ገበናትን ዝብሉ ነጥቢታት እውን ንድርድር ከምዘይቐርቡ ገሊጹ።

ንሰልሰተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ድሕሪ እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ኲናት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር "ግበረ ሽበራዊ" ተባሂሉ ተበይኑ እዩ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ብዛዕባ ዘይደራደሩሎም ነጥቢታት ይዛረብ እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ምስ ህወሓት ይዘራረብ ብዛዕባ ምህላዉ ዝሃቦ ዕላዊ መግለጺ የለን።

ቅድሚ ኣዋርሕ ህወሓት ኣብ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይዶ መጥቃዕቲ ደው እንተኣቢሉን ሕጋውነት መንግስቲ ፌደራል እንተተቐቢሉን ምስ መንግስቲ ፌደራል ክዛተ ከምዝኽእል ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምግላጹ ይዝከር።

ብዛዕባዘተ ሰላም እንታይ ኢሉ?

መራሒ ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ዘተ ሰላም ክመጹ ንምግባር ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ "ናይ ተስፋ ምልክት ኣለዎ" ኢሉ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኬንያን ኣመሪካን ካብቶም ጻዕሪ ዝገብሩ ኣካላት ከምዝኾኑ እውን ጠቒሱ።

እንተኾነ "ኮነ ኢሎም የጓትትዎ ኣለዉ" ክብል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወቐሰ ኮይኑ ሐዚ እውን ሰራዊት ይውድቡን ኣጽዋር ይሽምቱን ምህላዎም ብምግላጽ ከሲሱ።

ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስኣተዉ፡ መንግስቲ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ከምዘይኣትዉ ምግላጹ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብኣወንታ ተቐቢልዎ እዩ።

ምስ ህወሓት ዘተ ሰላም ተጀሚሩ እንተኾይኑ ትማሊ ቢቢሲ ዝሓተቶ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግና ምስ ህወሓት ተጀሚሩ ብዛዕባ ዝበሃል ዘተ ሰላም ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ።

"ኣነ ብዛዕባ ምስ ህወሓት ዝካየድ ድርድር ኣይሰማዕኩን። ከምኡ ዝበሃል ድርድር የለን፡ ከምኡ ዝበሃል ሓበሬታ'ውን የለን" ኢሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደት ምክትል ዋና-ጸሓፊት ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ 9 ለካቲት 2022 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ልዝብ ይቕጽል ምህላዉ ገሊጻ ነይራ።

ንሳ ናብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ብምብጻሕ ነቲ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዝተዓዘበት ኮይና ናይ ሰላም ተስፋ ከምዘሎ ጠቒሳ እያ።

"ብርግጽ ካብቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበረ ግጭታት ዝወሓደ'ዩ" ብምባል እውን ከምሓደ ምዕባለ እቲ ዘተ ሰላም ከምዝኾነ ምጥቃሳ ይዝከር።

ሰብኣዊ ቅልውላው እቲ ኵናት

እቲ ካብ ዝጅመር ኣስታት 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትኦጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ'ሎ።

ዛጊድ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝግመት ኮይኑ ሚልዮናት ንጥምየትን ምፍንቓልን ተቓሊዖም ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ ነበርቲ ብሕጽረት ምግቢ፣ መድሓኒትን መሰረታዊ ቀረባትን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።