እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ናይቲ ክልል ጠቕላይ ቤተ ክህነት መስሪቶም
ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ንህልው ኩነታት ትግራይን ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣመልኪቶም ክዝትዩ ዝቐነዩ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ጠቕላይ ቤተ ክህነት ከም ዘጣየሹ ኣፍሊጦም።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ዘስዓቦ ዕንወትን ካብ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ተፈልዮም ርእሱ ዝኽኣለ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ክምስርቱ ከም ዝወሰኑ ገሊጾም።
ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ትግራይ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና ዘዘራረበቶም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ "ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ እንትበጽሕ ትም ኢሉን እዩ" ብዝብል ናይ ባዕሎም ቤተ ክህነት ከጣይሹ ከም ዝተገደዱ ተዛሪቦም።
ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።
እታ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት 43% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እተቕውም ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝዓበየን ጽልዋ ዘለዋ ሃይማኖታዊት ትካል እያ። ይኹን እምበር ሕጂ እቲ ግጭት ንመብዛሕትኦም ኣመንታ ከፋፊልዎም እዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ኣክሱም ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣብያተ እምነትን ቅርስታቶምን ዝምታን ዕንወትን ክፍጸም እንከሎ ኣቕሽሽቲ፣ ዲያቆናትን መዘምራንን ዝርከቡዎም ኣመንቲ ተቐቲሎም'ዮም።
ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ብቪድዮ ኣብ ዝተቐድሐ መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ ኣብቲ ዝቕጽል ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቕትለት መናእሰይ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ተፈጺሙ ዝበሉዎ መጥቃዕቲ ኮኒኖም'ዮም።
''ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ገዳም ደብረዳሞ መድፍዕ ተተኲሱ፤ መንበሪ መነኮሳት ፈሪሱን ሓደ ኣቦ ተቐቲሎምን። ቤተ ክርስቲያን ኣክሱም ከይትውረር ዝሕልው ዝነበሩ ከም ቖጽሊ ረጊፎም'ዮም" ብምባል ቃሎም ንከስምዑ ተኸልኪሎም ምጽንሖም ጠቒሶም ነይሮም።
ፕሮግራም ወጻኢ ኤውሮጳ ምስ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ "ወተሃደራት ኤርትራ ናብቲ ብ6 ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ገዳም ደብረዳሞ ብምድያብ ጥንታዊ ናይ ኢድ ጽሑፋትን ሃብትታትን ዘሚቶም" ክብል እንከሎ ኣብ ውቕሮ ንዝርከብ መስጂድ ኣል ነጃሺ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ቦታታት'ውን ብርክት ዝበሉ ኣብያተ እምነት ዕንወት በጺሑዎም ኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ወርሒ ጥሪ'ውን፡ በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ውቕሮ ናብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝወስድ ከባቢ ፍሉሽ ስሙ ነጋሽ ዝርከብ ጥንታዊ መስጂድ ኣል ነጃሺ ከምኡ'ውን ቤተክርስትያን ኣማኑኤል ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጹ'ዩ።
ተጋሩ ፈለስቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ካብ ጎረቤት ሃገር ብዝመጹ ወተሃደራት ኤርትራ ተደጊፉ ኣብ ትግራይ ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ኣስታት 325 መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ'ውን ካብ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ከም ዝቐተሉን ኣብቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፈላሚ ኵናት ኣብ ልዕሊ 12 ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጾም'ዮም።
መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ስለ ዝጠለመና ናይ ትግራይ ክነጣይሽ ተገዲድና ኢና፤ ህዝቢ ትግራይ ክመውት እንከሎ እውን ኣይኾነኑን . . . ግደፉ ኣይበሉን፤ ኣብ እዋን ጥምየትን ኲናትን ዘይሕግዙና፣ ኣበይ ኣለኹም ዘይብሉና እንተኾይኖም ድማ ርእስና ክኢልና ክንነብር ኢና" ኢሎም።
እቲ ሓድሽ ዝጣየሽ ዘሎ ቤተ ክህነት ትግራይ፡ ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንክህልዎም፣ በቲ ኲናት ዝዓነዉ ትካላት እምነት ንምሕላውን ህዝቢ ንምጽንናዕን ከም ዝሰርሕ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣመልኪቶም።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃገራት ኣመሪካ፣ ካናዳን ኤውሮጳን ከምኡ'ውን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያውያን ተፈልዮም ዝግልገሉሎም ኣብያተ ክርስቲያናት ክኸፍቱ ተራእዮም'ዮም።
እቲ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓሙ ኣብ ናይ እምነት ትካላት ዕንወት ክበጽሕ ተራእዩ'ዩ።
በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።
እዚ ሰፊሕ ምፍንቓልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።
ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ፈቲሖም ነቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።