እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ቅትለት ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ጽጌረዳ ግርማይ እንታይ ንፈልጥ?
ንተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ጽጌረዳ ግርማይ ብምቕታል ዝጠርጠረ ውልቀ ሰብ ቤት ፈርዲ ቀሪቡ፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ናይ ሆቴልን ቱሪዝምን ማነጅመንት ተምሃሪት ካልኣይ ዓመት ንዝነበረት ጽጌረዳ ግርማይ ብበሊሕ ነገር ወጊኡ ዝቐተላ ውልቀ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ፡ ቢቢሲ ካብ ፖሊስ ከተማ ኣርባ ምንጭን እቲ ዩኒቨርሲቲን ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ተምሃራይ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾነ ተጠርጣርን ካልኦት ክልተ ተምሃሮን ምስ ቅትለት ተምሃሪት ጽጌረዳ ብዝተሓሓዝ ብሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ኣርባ ምንጭ ዝቐረቡ ኮይኖም፡ ናይ 15 መዓልቲ ቆጸራ ተዋሂብዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ከምዝተገበረ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ኣቶ በድሩ ኢሪጎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ጽጌረዳ ግርማይ ሰኑይ 23 ጥሪ 2014 ዓ/ም ብግምት ከባቢ 5 ሰዓት ምሸት ኣብ ጥቓ ቤተ መጻሕፍቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብበሊሕ ነገር ብዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ከምዝሞተት ኣብ ዞባ ጋሞ ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኮማንደር ኣዳነ ኦኬ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ብሹተል ዝተፈጸመ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ጡባን ጎናን ብተደጋጋሚ ከምዝተወገአትን ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣርባምንጭ ተወሲዳ ህይወታ ክተርፍ ከምዘይከአለን ገሊጹ፡፡
ብዛዕባ እቲ ቅትለት ካብ ፖሊስን እቲ ዩኒቨርሲቲን ዝተረኸበ ሓበሬታ
እቲ ብበሊሕ ነገር ወጊኡ ከምዝቐተላ ዝተገለጸ ተጠርጣሪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ሶሽዮሎጂ ኮይኑ ምስ ጽጌረዳ ብዛዕባ ዝነበሮም ርክብ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ይስምዑ ከምዘለዉ ኣቶ በድሩ ተዛሪቡ፡፡
ጽጌሬዳ ቅድም ክብል ምስቲ ተጠርጣሪ ርክብ ከምዝነበራን ነቲ ርክብ ብምቁራጻን ዝተፈጠረ እዩ ዝብሉ፡ ከምኡ ድማ እቲ ተጠርጣሪ ንፍቕራዊ ርክብ ሓቲትዋ ፍቓደኛ ስለዘይኮነት እምቢታኣ ብኣሉታ ብምውሳድ ብበሊሕ ነገር ወጊእዋ ዝብል ሓበሬታ ኣኪቦም ኣለዉ፡፡
ምስኣ ኣብ ሓደ መደቀሲ (ዶርም) እትነብር መሓዛኣ ብምጥቃስ ኣቶ በድሩ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ እቲ ተጠርጣሪ ንፍቕራዊ ርክብ ከምዝደልያ ምስነገራ ጽጌረዳ ድማ ኣይፋል ኢላቶ፡፡ ድሕሪኡ እውን ዝኾነ ዓይነት መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይነበረትን፡፡
ቢቢሲ ካብ ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ድማ ጽጌረዳን እቲ ተጠርጣርን ፍቕራዊ ርክብ ከምዝነበሮም ይሕብር፡፡
ጽጌረዳ እቲ ተጠርጣሪ ስልኪ እንትድውለላ ከምዘየተልዕልን መልሲ ከምዘይትህብን ሓበሬታ ከምዝረኸበ እዩ ኣቶ በድሩ ዝገልጽ፡፡
ኣብቲ ቅትለት ዝፈጸመሉ ምሸት፡ እቲ ተጠርጣሪ ጻውዒት ስልኩ ስለዘይተቐበለቶ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓት ኣብ ዘሎ እዋን ብኽልተ እትፈልጦም ተባዕትዮ ተምሃሮ ኣጸዊዕዋ፡፡
ጽጌረዳ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዝርከብ ጥቓ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርቲሲ ወይ ላይብረሪ ከምእትመጽእ ገይሩ፡፡
ኣብቲ ከባቢ ምስበጸሐት ነቶም ክልተ ተምሃሮ ‘‘ዘለና ፍልልይ ብውልቀና ክንፈትሖ ኢና’’ ዝብል ምኽንያት ሂቡ ቁሩብ ክርሕቑ ከምዝገበሮም ኣቶ በድሩ ይገልጽ፡፡
ብዙሕ እንተይጸንሐ ጽጌረዳ ኣውያት ከምዘስመዐትን በቲ ዝሓዞ በሊሕ ነገር ከምዝወገኣን ሓቢሩ፡፡ ሽዑ እቶም ተምሃሮ ተጓይዮም ከምዝመጹን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣባላት ድሕነትን ፖሊስን እውን ኣብቲ ከባቢ ከምዝበጽሑን ወሲኹ ገሊጹ፡፡
ድሕሪ እቲ ክስተት እቲ ተጠርጣርን እቶም ስልኪ ደዊሎም ዝጸውዕዋ ተምሃሮን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ካብ ኣቶ በድሩ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብቲ እዋን ጽጌረዳ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ኣርባ ምንጭ ክትውሰድ እኳ እንተተገበረ ሕክምና እናተገበረላ ህይወቷ ሓሊፉ፡፡
ሬሳኣ ብጽባሒቱ 24 ጥሪ 2014 ዓ/ም ናብ ትውልዲ ዓዳ ወልቃይት ከተማ ዓዲ ረመጽ ተላኢኹ፡፡
ቁሩብ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ተጠርጣሪ
በቲ ቅትለት ዝተጠርጠረ ካብ ደብረ ብርሃን ዝመጸ ተምሃራይ፡ ቅድሚ ሕዚ ናይ ስነ ምግባር ጉድለት ከምዝነበሮ ቢቢሲ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ የፈራረሐና እዩ ኢለን ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተዛረባን ‘‘ኣጸጋሚ’’ ዝበሃል ባህርያት ከምዝበሮን ኣቶ በድሩ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ተምህራይ ካብቲ ተግባሩ ክቑጠብ ምኽርን መጠንቀቕታን ተዋሂብዎ ነይሩ፡፡
ተደጋጋሚ ናይ ስነ ምግባር ጸገም እንተነይሩዎ ንምንታይ ስጉምቲ ኣይተወሰደሉን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ በድሩ ‘‘ተደጋጋሚ ኣይኮነን፡፡ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ግዘ እዩ ቅረታ ቀሪቡ፡፡ ጽጌሬዳ እውን የፋራረሐኒ እዩ፤ ሓለዋ ይገበረለይ ዝብል ክሲ ኣየቕረበትን’’ ኢሉ፡፡
እቲ ቅትለት ምስ ዓሌት ዝተሓሓዝ ድዩ?
ቅትለት ጽጌረዳ ምስ ብሄር ዘተሓሕዙ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ማሕበራዊ ሚድያ ብምጥቃስ ንኣቶ በድሩ ሓቲትናዮ፡፡
‘‘እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ እኳ እንተዘይኮነ ፖለቲካዊ ትርጉም ክህብዎ ዝፍትኑ ይህልዉ እዮም’’ ዝብል ኣቶ በድሩ እዚ ትርጉም መሰረት የብሉን ይብል፡፡
እቲ ተጠርጣሪ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ጥቕዓት ፈጺሙ እንተዝኸውን ከምመልዓሊ ምተወሰደ ነይሩ ዝብል ኣቶ በድሩ እንተኾነ ጠባይ እቲ ተጠርጣሪ ካብዚ ዝረሓቐ ከምዝኾነ የረድእ፡፡
‘‘ምስ ብሄር ዝተተሓሓዘ እዩ ዘብል ዝኾነ ጠንካራ ምኽንያት የለን፡፡ ነዚ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ንምሃብ ዝግበር ፈተነ ግቡእ ኣይኮነን’’ ብምባል እቲ ኣብታ ግዳይ ዝተፈጸመ ተግባር ኣብ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ከጋጥም ዝኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡
እታ ተምሃሪት ኣብ ዝተቐተለትሉ እዋን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝጠቐዖ መግለጺ ሓዘን ‘‘ሃንደበታዊ ሞት’’ ኢሉ ምጽሓፉ ግቡእ ድዩ ዝብል ሕቶ እውን ቀሪቡሉ ነይሩ፡፡
‘‘ብሃንደበት እያ ሞይታ፤ ሓደጋ ይኹን ቅትለት ዘይተሓሰበ ስለዝኾነ ኢና ሃንደበታዊ ኢልና፡፡ ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተገለጸ ነቲ ክስተት ትኹረት ብዘይምሃብ ወይ ናታ ፍትሒ ንምጉዳል ወይ ነቲ ገበነኛ ንምሕጋዝ ኣይኮነን፡፡ ነቲ ገበነኛ ኣብ ቀይዲ ዘውዓሎ ድሕነት ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ እዩ፡፡’’
ብተወሳኺ ‘‘ናትና ተምሃሪት እያ፡፡ ንኹሎም ብማዕረ ኢና ንርእዮም፡፡ ብናታ ሞት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዓሚዩቕ ሓዘን እዩ ተሰሚዕዎ’’ ብምባል ከምዚ ዓይነት ቅትለት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተፈጺሙ ከምዘይፈልጥ ኣቶ በድሩ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ሞት እታ ተምሃሪት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓዘን፡ ጽጌረዳ ናይ መሰናደኦ ትምህርታ ኣብ ወልቃይት ቤት ትምህርቲ ጌታቸው ኣዘናው ድሕሪ ምክትታላ፡ መስከረም 2012 ናብ ኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ከምዝተመደበትን ናይ ሆቴልን ቱሪዝምን ማነጅመንት ተምሃሪት ካልኣይ ዓመት ከምዝነበረትን ኣመልኪቱ፡፡
ተምሃሪት ጽጌረዳ ግርማይ ካብ ኣቦኣ ኣቶ ግርማይ ገብረመድህንን ኣዲኣ ወ/ሮ ያበሻ ያዘዘውን ኣብ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ዓዲ ረመጽ ኣብ 1993 ዓ/ም ከምዝተወለደት ታሪኽ ህይወታ የመልክት፡፡