እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢጣልያ ብምርባሕ ኣጣል እትፍለጥ ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ተቐቲላ ተረኺባ
ኣብ ኢጣልያ ብምርባሕ ኣጣልን ኣጅቦ ብምድላውን እትፍለጥን ኣብ መሰላት ስደተኛታት እትነጥፍን ስምይቲ ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ኣጊቱ ጉደታ ኣብ መንበሪ ገዛኣ ሞይታ ከምዝተረኽበት፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ሰራሕተኛ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ'ቲ ኢምባሲ ዝኾነ ኣይተ ደሳላኝ መኮንን፡ ከምዝበሎ፡ እቲ ተግባር ምስተፈጸመ፡ ፖሊስ ብዝገበሮ ምጽራይ፡ ምሳኣ ተቖጺሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ጥርጡር ስደተኛ፡ እቲ ቅትለት ምፍጻሙ ኣሚኑ።
እቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ብዝበጽሐ ጉድኣት ሓዘኑ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ገበን ግቡእ ምጽራይ ክግበረሉ፡ እቲ ቅትለት ዝፈጸመ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ፍርዲ ክረክብን፡ ከምኡ ድማ እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ንህዝቢ ኣብ እዋኑ ዕላዊ ንምግባር፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኮይኑ ከምዝሰርሕ'ውን ቃል ኣትዩ።
ሞት ናይታ ንኢትዮጵያውያን ኮነ ንካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምሕላቕ እትፍለጥ ኣጊቱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስተደኛታት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጣልያውን'ውን ከቢድ ስንባደ [ድንጋጸ] ከምዝፈጠረ እቲ ዲፕሎማሰኛ ተዛሪቡ።
ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ከተማ ትሬንቲኖ፡ ፍሉይ ስሙ ፍራሲሎንጎ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዘኣ ኣብ ርእሳ ጉድኣት በጺሑዋ ሞይታ እያ ተረኺባ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ዝገለጸ ፖሊስ፡ እቲ ቅትለት ብማርቴሎ ዝተፈጸመ ገበን ከይኮነ ኣይተርፍን ኢሉ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ናብ ኢጣልያዝኣተወት ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓደ ጥሪ: ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2021፡ 43 ዓመታ ክትመልእ ነይሩዋ።
ኣብታ ንዓመታት ዝነበረትላ፡ እንባታት ዝበዝሓን ምስ ጀርመን እትዳወብን ዞባ ትሬንቶ፡ ኣብ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት የጋጥምዋ ከምዝነበሩ ንፖሊስ ኣፍሊጣ ነይራ ተባሂሉ።
ገለገሊኦም፡ ካብ ሕብሪ ቆርበታ ተበጊሶም፡ " 'ክፍእቲ ጸላም' እናበሉ ይጸርፉኒ ነይሮም፤ እቲ ዝነብረሉ ዓደይ ከምዘይኮነ'ውን ይነግሩኒ ነይሮም" ብማለት ብግልጺ፡ ዘጓንፍዋ ዝነበሩ ዓሌታዊ መጥቃዕቲታት ተቃልዕ ነይራ።
እንተኾነ፡ 'ላ ሪፓብሊክ' ዝተብሃለ ጋዜጣ ከምዝጸብጸቦ፡ ፖሊስ እቲ ገበን ብዝምልከት ኣብ ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ጥራይ እዩ ኣተኲሩ።
እቲ ምሳኣ ዝሰርሕ ዝነበረ ጥርጡር ስደተኛ መንእሰይ ካብቶም ቅድሚ ሕዚ ዘፈራርሕዋ ዝነበሩ ሰባት ከምዘይኮነ፡ እንተኾነ፡ ምስ ገንዘብ ተዛሚዱ ዘይምርድዳእ ክነብሮም ከምዝኽእል እዩ ዝግመት ዘሎ።
ፕረዚደንት እታ ግዝኣት፡ ኡጎ ሮሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣጊቱ ዘጓንፍ ዝነበረ 'ዓሌታዊነት' ተቓዊሙ ኣብ ጎና ጠጠው ኢሉ ከምዝነበረ'ውን ተጸብጺቡ።
"ኣጊቱ ስደተኛ ኮይና፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣትና እንስሳታት ኣብ ምርባሕ ምንጣፋ፡ ተቐባልነት ንጋሻ ደጋፊነትን ህዝቢ ትሬንቲኖ እዩ ዘመላኽት" እውን ኢሉ ነይሩ።
ንሳ፡ ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ፡ ኣብ ምቕሃም ዝነበሩ ዓሌት ኣጣል እናራበሐት፡ ካብ ጸባአን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውጽኢታት ብምፍራይ ተፈላጥነት ኣትሪፋ ነይራ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣጊቱ ጉደታ ንስደት ዝተቓለዐት፡ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ምስ ዝነበረ ውራ መሬት ተኣሳሲሩ፡ ብዝወሃቡ ርእይቶታት፡ ናይ ቅትለት ምፍርራሓት ይበጽሓ ስለዝነበረ እዩ ተባሂሉ።
ኣጊቱ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ መንግስቲ ዝበጽሓ ዝነበረ ጽዕንቶ ፈሪሓ ብምህዳም ኣብ ጣልያን ምስኣተወት፡ ናይ ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ረኺባ፡ ኣብ ፍርያት ጸባ ተዋፊራ ዕውትቲ ብምዃን ንካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣብነት ኮይና ነይራ።