ኢትዮጵያዊት ሓታቲት ዕቑባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣገልግሎት ሕክምና 'ዳያለሲስ' ተኸልኪላ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነበር ኣለም ኦርሲዶ፡ ብምኽንያት ሕቶ ዕቑባ፡ መድሕን ህይወት ዝኾነ ኣገልግሎት ሕክምና ኵሊት ከይትረክብ ከም ዝተኸልአት'ያ ትዛረብ።

ብሰንኪ ዘጋጠማ ሕማም ኩሊት፡ ነቲ ኣገልግሎት ሕክምና ክተረክብ ዝጸንሐት ኣለም፡ ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ እትረኽቦ ዝነበረት ሕክምና ዳያለሲስ [ሕጽበት ኩላሊት] ክቋረጽ ኪኢሉ።

ጠበቓ ኣለም "እዚ ሞት ፍርዲ" እዩ ክትብል ነቲ ውሳነ ተቓዊማ።

ሓካይም፡ ምስ ሕቶ ዕቑባ ብዝተሓሓዝ ነቲ ትረኽቦ ዝነበረት ሕክምና ከቋርጹ ከም ዝተገደዱ ቅድሚ ኣዋርሕ ንኣለም ሓቢሮማ ነይሮም።

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ምቁራጽ በዚ ምኽንያት ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነን ይብል።

እቲ ጉዳይ ከመይ ጀሚሩ?

ኣለም ኣብ ፈላማ 2019፡ ብሕማም ኵሊት ክትሳቐ ጀሚራ። ጠበቐኣ ከም ዝበሎ ድማ፡ ኣለም ክሳብ መተካእታ ኩሊት ትረክብ፡ ኣገልግሎት ዳያለሲስ [ሕጽበት ኩላሊት] ክግበረላ ከምዝተወሰ ትዛረብ።

እታ ጓል 36 ዓመት ኢትዮጵያዊት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ-ጆሃንስበርግ ሆስፒታል ሄለን ጆሰፍ ሕክምና ክትረክብ ጀሚራ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግን እቲ ኣገልግሎት ክቋረጽ ምዃኑ ዝሕብሩ ክልተ ደብዳበታት ተቀቢላ።

ሽዑ እቲ ሆስፒታል "ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣይኮንክን፤ ሕጋዊ ናይ ስደተኛ ወረቐት ወይ'ውን ቀዋሚ ዜግነት የብልክን" ዝብል ምኽንያት'ዩ ኣቐሪቡላ።

ቢቢሲ ዝረኣዮ ደብዳበ ድማ ሕጽረት'ቲ ኣገልግሎት ሕክምና ዝወሃበሎም ናውት ከም ዘሎን "ቁጽሪ ሕክምና ሕጽበት ኩላሊት ዘድልዮም ሰባት ምውሳኹን" የረድእ።

ሕክምናን ዕቑባን እንታይ ኣራኸቦም?

ኣለም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ ትሸዓት ዓመት ተቐሚጣ። ዘቕረበቶ ሕቶ ዕቑባ ውድቂ እንተኾነ'ኳ፡ ሰነድ ስደተኛ ንምርካብ ተስፋ ብምግባር ትጽበይ ኣላ።

ጠበቕኣ ጀሲካ ላውረንስ ንቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣለም ነቲ ሕክምና ክትኽላእ ዝኸኣለት፡ ሓተትቲ ዕቑባ ኣገልግሎት ሕክምና ሕጽበት ኮላሊት ዝኽልክል ፖሊሲ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ።

እዚ ፖሊሲ ግን ህጹጽን ኣገዳስን ኣገልግሎት ሕክምና ንዘድልዮም ሕማማት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ትብል እታ ጠበቓ።

"ንሳ ሕክምና ምትካእ ኩሊት ክግበረላ ኣለዎ፤ ይኹን'ምበር ሓተትቲ ዕቑባ ነዚ ሕክምና ክረኽቡ ኣይፍቀደሎምን" ትብል። ብደረጃ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፍቓድ ክወሃብ ግድን ምዃኑ'ውን ትሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሆስፒታል፡ ብምኽንያት ሕጽረት ናውቲ ሕክምና ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንዘይኮኑ ዜጋታትን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድን ንዘይብሎም ሰባት ኣገልግሎት ክህብ ከም ዘይክልእ ኣረዲኡ ነይሩ።

ንሓተትቲ ዕቑባ ዘግለለ ውሳነ ከም ዘይኮነ ዝገለጸ ዳኛ ደቡብ ኣፍሪቃ "ዜጋ ካልእ ሃገር ስለዝኾነት ኣይኮነን ካብቲ ሕክምና ተኸልኪላ" ኢሉ።

ጠበቕኣ ግን እቲ ኩነታታ ምስ ጉዳይ ምሕታት ዕቑባ ከም ዝተሓሓዝ ትዛረብ።

ዘላትሉ ኩነታት

ኣለም ነቲ ኣገልግሎት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጀሚራ ካብ እተቋርጽ ንደሓር "ብጣዕሚ ትደክም" ከም ዘላ ጠበቕኣ ጀሲካ ገሊጻ።

መሓዝኣ ዝኾነት ሃና ኣቤዶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኣለም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘይትርከብ ሓቢራ።

"እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ሕጋዊ ወረቐት ብዘይምሓዛ ከም ዝኾነ ዳኛ ተዛሪቡ። እቲ ኣገልግሎት ንኸይቋረጽ ንዶክተር ለሚንናዮ ኢና። ግን ክሰምዓናን ከዛርበናን ኣይከኣለን" ትብል ሃና።

ናብ ሆስፒታል ብዙሕ ግዜ ምስ ኣለም ትኸይድ ከም ዝነበረት ትዛረብ። "ሽዑ እቲ ዶክተር ናብ ዓዳ ክትኸይድ ይነግራ ነይሩ" ኢላ።

ንጉዳይ ኣለም ዝሓዙ ሰብ ሞያ ሕጊ ሕክምና ንክትቕጽል ዘኽእላ ገንዘብ ከተኣኻኽቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ነቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ንምቕራብን ምድላው ይገብሩ ዘለዉ ኮይኖም፡ ህክምና ምትካልእ ኩላሊት እትረኽበሉ ፍቓድ ላዕለዎት ሰበስልጣን ንምርካብ'ውን እናሰርሑ እዮም።