እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዳላዊት ዋንጫ ኣፍሪቃ ካሜሩን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ
ኣዳላዊት ጽዋዕ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ካሜሩን ብፍጹም ቅላዕ ንቡርኪናፋሶ ብምስዓር ሳልሳይ ኮይና ውድድራ ዛዚማ፡፡
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ግጥም ካሜሩን ብቡርኪናፋሶ 3 ን 0 እናተመረሐት ጸኒሓ፡ 3 ሸቶታት ብምምዝጋባ ብፍጹም ቅላዕ ክፈላለያ ተገይሩ፡፡ ካሜሩን ድማ ተዓዋቲት ኮይና፡፡
ስቲቭ ያጎ፣ ጂብሪል ኦታራን ካሜሩናዊ ኣንድሬ ኦናና ናብ ናይ ባዕሉ ልዳት፣ ብዘእተዉወን ሸቶታት ቡርኪናፋሶ 3 ን 0 እናመረሐት ነይራ፡፡
ኮይኑ ግና ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ዝተጻወተት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን፡ ስቴቨን ባሆከንን ብዘቑጸራ ሓንቲ ሽቶን ብናይ ቪንሰንት ኣቡበከር ክልተ ሸቶታትን ማዕረ ክትከውን ክኢላ፡፡
ስሩዕ ናይ 90 ደቒቓ ጸወታ ምስተዛዘመ፡ እተን ጋንታታት ብዘይ ተወሳኺ ሰዓት ብፍጹም ቅላዕ ክፈላለያ ተገይሩ፡፡
እቲ ፍጻመ ነቶም ን49 ደቓይቕ ነቲ ጸወታ ቀሊሶም ዝጸንሑ ተጻወትቲ ቡርኪናፋሶ ዘሕዝን ነይሩ፡፡
ናይ ሓሙሽተ ግዘ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ካሜሩን ኩለን ፍጹም ቅላዓት ናብ ሸቶ ብምቕያር ነቲ ውድድር ሳልሰይቲ ኮይና ዛዚማቶ ኣላ፡፡
ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ኣብ ሸውዓተ ግጥማት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ዝሓዘት ግብጺ ምስ ሰኔጋል ክትጻወት እያ፡፡