ሎተሪ፡ 148 ሚልዮን ሎተሪ ብምዕዋት ኣብ ሓደ ለይቲ ሚልዮነር ዝኾነ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ሰብ 109.9 ሚልዮን ፓውንድ (148.8 ሚልዮን ዶላር) ሎተሪ ብምዕዋት ኣብ ሓደ ማዓልቲ ኣብ መስርዕ ሚልዮነራት ኣትዩ።
እዚ ‘ኢሮ ሚልዮንስ ጃክፓት’ ዝብሃል ጸወታ ኣቐዲምካ ትኬት ብምቁራጽ ዝግበር ጸወታ ኾይኑ፡ ተዓዋቲ ክሳብ ዝርከብ እቲ መጠን ትዕወቶ እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ።
እተን መዐወትቲ ቁጽርታት 3, 25, 38, 43, 49 ኮይነን፡ እተን ናይ ዕድል ቁጽርታት [lucky star numbers] ተባሂለን ዝጽውዓ ንመጠን ትረኽቦ ሰልዲ ዝያዳ ከዛይድኦ ዝኽእላ ኸኣ 3 ከምኡ’ውን 7 እየን ነይረን።
እዚ ብሪጣንያዊ ተጻዋቲ እቲ ሎተሪ፡ ሸውዓቲኤን ቁጽርታት ኣብታ ንሱ ዝዓደጋ ትኬት ስለዝተረኸባ ዕውት እዚ ሚልዮናት ዶላራት ክኸውን ክኢሉ።
£170mBritain's richest ever lottery winner stayed anonymous after their win in October 2019.
£161mColin and Chris Weir (pictured) from North Ayrshire, Scotland in 2011.
£148mAdrian and Gillian Bayford, from Suffolk, in 2012.
£123mAnonymous UK ticket-holder in June 2019.
£122mAnonymous UK ticket-holder in April 2021.
ሓደ ምስዘን ቁጽርታት ማዕረ ዝኾና ትኬት ዝዓደገ ሰብ ከምዘሎ ዝፈለጡ እዞም ኣካየድቲ እቲ ውድድር፡ ኩሎም እቶም ትኬት ዓዲጎም ዘለዎ ሰባት ትኬቶም ብምርኣይ ተዓዊቶም ከይኮኑ ከረጋግጹ ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ኣብ ጥቅምቲ 2019’ውን ሓደ ብሪጣንያዊ 170 ሚልዮን ፓውንድ (230 ሚልዮን ዶላር)ክዕወት ክኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣንዲ ካርተር ኣብ ሃገራዊ ሎተሪ ኣማኻሪ ሚልዮናት ናይ ዝዕወቱ ውልቀሰባት እዩ “ኣዝዩ ዘደንቕ ምሽት እዩ፡ ዕዉት እዚ ሎተሪ ብሓደ ለይቲ 148.8 ሚልዮን ዶላር’ዩ ክግሕጥ” ድሕሪ ምባል “ካልኦት ዕውታትን’ውን ኣብ ኢዶም ዘሎ ትኬት ርእዮም ዝተዓወትዎ ከፍልጡና ንምሕጸን” ኢሉ።
እዚ ዕዉት እዚ ሚልዮናት ዶላር ናብ ኣካየድቲ እቲ ሎተሪ ቀሪቡ ሰልዱ ክርከብ ናይ 180 መዓልታት ዕድል ኣለዎ።
እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 170 ሚልዮን ፓውንድ (230 ሚልዮን ዶላር) ዝተዓተ ብሪጣንያዊ ስሙ ክዕቐበሉ ነቶም ኣካየድቲ ብምሕባሩ ክሳብ ሎሚ መን ምዃኑ ኣይተፈለጠን ዘሎ።
እቶም መንነቶም ተገሊጹ ኣብ 2011 ዝልዓለ ሰልዲ ዝተዓወቱ ኮሊን ከምኡ’ውን ክሪስ ወይር ካብ ሰሜን ኣይሻየር ኮይኖም 161 ሚልዮን ፓውንድ (217 ሚልዮን ዶላር) ተዓዊቶም።
እዚ ‘ኢሮሚልዮንስ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሎተሪ ሰሙናዊ ሰሉስን ዓርብን ዝወድቕ ዕጫ ኮይኑ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣውሮጳ ይጽወት።




![123456 ምስጢራዊ ቃል [ፓስወርድ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/0B55/production/_119310920_b3c7f10f-4e51-43c1-aaf9-7f6979df627c.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







