ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ንምስፋን ዝቐውም ኮሚሽን ዝመርሑ ሕጹያት ውልቀሰባት ተፈሊጦም

ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዘሳልጥ ሃገራዊ ናይ ልዝብ ኮሚሽን ዝመርሑ 42 ሰባት መን ምዃኖም ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ርእይቶታት ክህበሎም ድማ እቲ ባይቶ ጸዊዑ'ሎ።

ነቲ ኮሚሽን ዝመርሑ ውልቀሰባት ንምርካብ ኣስማት ናይ ምርቋሕ መስርሕ ከም ዝተኻየደ ይዝከር።

በዚ መሰረት፡ 632 ህጹያት ካብ ህዝቢ ከም ዝቐረቡን፡ ነቲ ኮሚሽን ንምምስራት ዝወጸ ኣዋጅ ዝደንገጎ ቅጥዕታት ኣብ ግምት ብምእው ክምረጹ ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ።

ደረጃ ትምህርቲን ተመክሮን ዝርከብዎም ረቛሒታት መሰረት ብምግባር ንኣማኸርቲ ብምውካስን እዞም 42 ተመሪጾም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝተፈጥረ ምትፍናን ናብ ግጭት ብምምርሑ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኲናት ትግራይ ንባዕሉ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ናብ ዘሳተፈ ሰፊሕ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ ይርከብ።

መንግስቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ፡ ንሃገራዊ ዘተን ምርድዳእን ንምስፋን ብዝብል፡ ኣቶ ጀዋር መሓመድን መራሒን መስራትን ህወሓት ነበር ኣቶ ስብሓት ነጋን ዝርከብዎም እሱራት ፖለቲካ "ብምሕረት" ምፍትሑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ዝበዝሑ ካብቶም ነቲ ሃገራዊ ዘተ ክመርሑ ተሓጽዮም ዘለዉ ኣብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ንነዊሕ ዓመታት ብምምህርና ዘገልገሉን፡ ከምኡ'ውን ገለ ኣመሓደርቲ ክልላት ዝነበሩ ፖለቲከኛታትን ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ቅድሚ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ምቕረቡ ድማ ህዝቢ ኣብዞም ተሓጽዮም ዘለዉ ውልቀሰባት ዘለዎ ርእይቶ ከካፍል ዕድል ተዋሂቡ'ሎ።

ብደረጃ ትምህርቶምን ተሞክሮታቶምን ዝተሰነየ ናይ ኩሎም ኣስማት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ባይቶ ወጺኡ'ሎ።

እቶም 42 ሕጹያት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ሎሬት ኣፈወርቅ ጥሩሰው ተፈራ
  • ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ በቀለ ስመኝ
  • ፕሮፌሰር ጥላሁን ተሾመ
  • ፕሮፌሰር ባዮ ይማም
  • ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ
  • ፕሮፌሰር ያእቆብ ኣርሳኖ
  • ፕሮፌሰር ካሰሁን ብርሃኑ ኣለሙ
  • ፕሮፌሰር ህዝቅያስ ኣሰፋ
  • ፕሮፌሰር በቀለጉተማ ጀቤሳ
  • ፕሮፌሰር ዳንኤል ቅጣው
  • ፕሮፌሰር ዘካርያስ ቀነኣ ተስገራ
  • ፕሮፌሰር ክፍሌ ወልደሚካኤል ሓጀቶ
  • ዶክተር በድሉ ዋቅጅታ
  • ዶክተር ሰሚር የሱፍ
  • ዶክተር አብዲሳ ዘርዓይ በማኖ
  • ዶክተር ሀብታሙ ወንድሙ
  • ዶክተር ታከለ ሰቦቃ
  • ዶክተር ዮናስ ኣዳዬ
  • ዶክተር ወዳጆ ወ/ጊዮርጊስ
  • ዶክተር ሙሉጌታ ኣረጋዊ
  • ዶክተር ነጋልኝ ብርሃኑ ባዬ
  • ዶክተር ኣበራ ዴሬሳ
  • ዶክተር አይሮሪት መ/ድያሲን
  • ዶክተር ተገኘወርቅ ጌጡ መንገሻ
  • ዶክተር ዳዊት ዮሃንስ
  • ዶክተር ተካለ ሰቦቃ
  • ኢንጂኒየር ጌታሁን ሁሴን ሽኩር
  • ኣምባሳደር ታደለች ኃይለሚካኤል
  • ኣምባሳደር ምዑዝ ገብረሕይወት ወልደ ሥላሴ
  • ኣምባሳደር ማህሙድ ድሪር
  • ኣቶ ዘገየ አስፋው አብዲ
  • ወ/ሮ ዘነብወርቅ ታደሰ ማርቆስ
  • ኣቶ ኢብራሂም ሙሉ ሸዋ እሸቴ
  • አቶ መላኩ ወልደማሪያም
  • ኣቶ ኣንዳርጋቸው አሰግድ
  • አቶ ገመቹ ዱቢሶ ጉደና
  • ኣቶ ሳሙኤል ጣሰው ተፈራ
  • ኣቶ ኣሕመድ ሁሴን መሐመድ
  • ወ/ሮ ሂሮት ገ/ሥላሴ ኦዳ
  • ኣቶ ንጉሡ አክሊሉ
  • ኣቶ ተስፋዬ ሐቢሶ
  • ኣቶ አባተ ኪሾ እዮም።