ኣፍኮን 2021፡ ግብጺ ንካሜሮን ብምስዓር ናብ ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ

ትማሊ ግብጽን ካሜሮንን ኣብ ዝገበረኦ ግጥም ኵዕሶ እግሪ፡ ሓላዊ ልዳት ግብጺ ጋባስኪ ክልተ ፍጹም ቅልዓት ካሜሮን ብምድሓን ንሃገራዊት ጋንትኡ ናብ ፍጻመ ኣሕሊፍዋ።

ነቲ ውጽኢት ስዒቡ ግብጺ ምስታ ብቅድሚ ትማሊ ንቡርኪናፋሶ 3 ብ 1 ዝሰዓረት ሰኔጋል ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክትራኸብ’ያ።

ግብጺዶ ሰኔጋል? ማነዶ ሳላሕ? ዝብል ሕቶ ኸኣ ንልቢ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ኣንጠልጢሉ ኣሎ።

እዞም ክልተ ኣጥቃዕቲ እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ዝኾኑ ማነን ሳላሕን ንሓድሕዶም ዝገብርዎ ግጥም ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ያውንደ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም ኦለመ ክካየድ’ዩ።

ኣአንጋዲት እዚ ውድድር ካሜሮን ትማሊ ኣንጻር ግብጺ ዝገበረቶ ጸወታ ኣብ መጀመርታ ዓብላሊ ጸወታ’ኳ እንተኣርኣየት ናብ ሸቶ ዝቕየር ፈተነ ግን ኣየርኣየትን።

ጸወታ 90 ደቒቕ 0 ን 0 ወዲአን ናብ ተወሳኺ 30 ደቂቕ ዘምርሓ ግብጽን ካሜሮንን ኣብ 30 ደቒቕ’ውን ሸቶ ክምዝገብ ስለዘይክኣለ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን።

ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዘምርሓሉ ከኣ ሓላዊ ልዳት ግብጺ ንቅላዓት ሀሮልድ ማኡኮዱን ጅምስ ልያ ሲሊክን ከድሕነን ኪኢሉ።

ክሊንተን ንጀ ዝቐልዓ ኩዕሶ ኸኣ ብየማን ዓንዲ ልዳት ተጎዝጊዛ ንደገ ስለዝወጽአን እታ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገብት ግብጺ ንኣንጋዲት ሃገር ሃገር ካሜሮን 3 ን 1 ስዒራ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ በቒዓ።

በዚ መሰረት ኣአንጋዲት እዚ ግጥም ሃገረ ካሜሮንን ቡርከሊናፋሶን ንሳልሳይ ደረጃ መን ሓዘ ቀዳም ክገጥማ እየን።