እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍኮን 2021፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ክትገጥም'ያ
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ክትራኸብ'ያ።
እዚ ግጥም ድማ ድሕሪ እቲ ምስ ኬፕቨርድ ዘጋጠማ ስዕረት ዝካየድ እዩ ክኸውን።
ኣብቲ ቀዳማይ ጸዋታ 1 ብ 0 ዝተሰዓረት ኢትዮጵያ ነቲ ሎሚ ዝካየድ ግጥም ብጽቡቕ ምድላው ከምዝገበረት ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ተዛሪቡ።
ንሱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ካሜሩን ብቑዓት ተጻወትትን ጽቡቕ ተሞክሮን ከምዘለዋ ንፈልጥ ኢና። ግን ድማ ንጋንታና ዝሓሸ ውጽኢት ንምምጻእ ድልዋት ኢና ዘለና። ጋንታና ካብ ስዕረት'ያ ትመጽእ ዘላ፤ ኣብ ቀዳማይ ግጥምና 1 ብ 0 ተሳዒርና ኢና። ዳርጋ ሙሉእ ጸዋታ ሓደ ተጻዋቲ ጎዲሉና ኢና ወዲእናዮ። እዚ ድማ ንተጻወትና ብስነልቦናን ብኣካልን ዝሃሰየ ነይሩ። ሕዚ ግን ኣብ ጽቡቕ ስምዒት ተመሊስና ንርከብ" ኢሉ።
እቲ ኣሰልጣኒ ወሲኹ ድማ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ዝሓሸ ውጽኢት ከምጽኡ ተስፋ ከምዝገብር ሓቢሩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብዚ መበል 33 ዙር ግጥማት ቅድሚ ምሕላፋ ንመጻረዪ ኣብ ዘካየደቶም ግጥማት ዝሓሸ ብቕዓት ከምዘርኣየት ዘዘኻኸረ ኣሰልጣኒ ውበቱ፡ እቲ ምስ ኬፕቨርድ ዝተኻየደን ዝተሰዓረትሉን ግን ከምዘይተሓጎሱሉ ሓቢሩ።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝኾነ መስዑድ መሓመድ ብወገኑ፡ ነታ ብርትዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ክንገጥም ተዳሊና ኣለና ክብል ተዛሪቡ።
ተጻወትቲ ናብ ግጥማት ቅድሚ ምእታዎም ምርመራ ኮቪድ ከካይዱ ግን'ዩ። መስዑድ፡ ተጻወትቲ ሓዊሱ ኩሎም ኣባላት ጋንታ ካብ ኮቪድ ነጻ ኮይኖም ከምዘለዉም ዘሻቕል ከምዘየለን ተዛሪቡ።
እንተኾነ፡ "ብመንጽር ማህሰይቲ እቲ ጽቡቕ ተሞክሮ ዘለዎ ተጻዋቲና ሽመልስ በቀለ ክነሰልፎ ኣይከኣልናን። ካብ ኢትዮጵያ ወጺኡ ንግብጻዊት ጋንታ ዝጻወት ተጻዋቲ'ዩ። ስለዚ ንሱ ኣይክስለፍን። ትማሊ'ውን ዳግማይ ናይ ጭዋዳ ምሽምቓቕ ስለዘጋጠሞ ነዚ ግጥም ኣይክበጽሓልናን። ካብዚ ወጻኢ ኩሎም ተጻወትና ድልዋት እዮም" ኢሉ።
ተጻወትቲ ጋንታ ካሜሩን ኣብ ሜድኦም ከም ምዃኑን ብዙሓት ደገፍቲ ስለዝህልውዎምን ዝሓሸ ዕድል ሒዞም ናብ ሜዳ ከምዝኣትዉ ዝገለጸ ኣሰልጣኒ ውበቱ፡ ጋንትኡ ብወገና ንዝሓሸ ውጽኢት ምድላው ገይራ ነቲ ግጥም ከምእትስለፍ ተዛሪቡ'ሎ።