ማህተመ ጋንዲ፡ ንምንታይ እዮም ቤተሰቡ ሓሙኽሽቱ ናብ ሩባ ክድርበ ዝሓቱ?

ማህተመ ጋንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቦ ህንዲ እናተባህለ ዝጽዋዕ መራሒ ናጽነት ህንዲ ማህተመ ጋንዲ ካብ ዝቕተል ሎምቕነ 74 ዓመት ገይሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ካፎርንያ ዝርከብ ሓደ ቅዱስ ስፍራ ድማ ናይቲ ተቓላሳይ ሓሙኽሽቲ ከምዘለዎ ይገልጽ፤ ምናልባት ካብ ህንዲ ወጻኢ ብሕታዊ ካብ ዝተቓጸለ ሬሳ ጋንዲ ዝተረፈ ሓሙኽሽቲ ዘለዎ ማእከል ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

‘ጋንዲ ወርልድ ፒስ ሜሞርያል’ ካብ ሆሊውድ ኣብ ናይ ደቓይቕ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ቃላይ ሽሪን ዝተሃነጸ ቅዱስ ስፍራ እዩ፡፡

እቲ ኣብ 1950 ብፓራማሃንሳ ዮጋናንዳ ዝተጣየሰ ማእከል፡ ኣብ መንጎ ለምለም ሕዛእትን መንጫዕጫዕታን ዝርከብ ኮይኑ ናብ ውቅያኖስ ገጽ ይጥምት፡፡

‘ሳርኮፋገስ’ ዝተባህለ ጥንታዊ እምኒ ቻይና ነቲ ካብ ብሩርን ነሓስን ዝተሰርሐ ናይ ጋንዲ ሓምኹሽቲ ዝሓዘ ካዝና ሒዙ ከምዝርከብ እውን ይግለጽ፡፡

ጋንዲ ኣብ 1984 ምስተቐበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ህንዲ ዝነብር ህዝቢ ሓዘኑ ንክገልጽ፡ ሓሞኽሽቱ ናብ ልዕሊ 20 ተመቒሉ ናብቶም ከባቢታት ተላኢኹ።

ገሊኡ ምቃል እውን ካብታ ሃገር ወጺኡ፡፡

"ናይ ባፑ ሓሞኽሽቲ ንምውሳድ ሓያል ጠለብ ነይሩ’’ ይብል ካብ ደቂ ደቁ ሓደ ዝኾነ ቱሻር ጋንዲ፡፡

መቕርባቱ ባፑ ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበረ ጋንዲ፡ ህንዲ ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ነሓሰ 1947 ናጻ ምስወጸት ድሕሪ ኣዋርሕ እዩ ተቐቲሉ፡፡

ቅድሚ 20 ዓመት ናይ ጋንዲ ሓሞኽሽቲ ኣብ ቃላይ ሽሪን ምህላዉ ከምዝሰምዐ ዝገልጽ ቱሻር፡ ነቲ ማእከል ንምዝርራብ ከምዝፈተነን ምላሽ ከምዘይተውሃቦን ይዛረብ፡፡

‘‘ነቲ ሓሞኽሽቲ ምሓዝ ኣንጻር ኑዛዘ ባፑ እዩ፤ ምኽንያቱ ምስ ሞትኩ ሓሙኽሽተይ ኣወግድዎ፤ ከይተቐምጥዎ ኢሉ ነይሩ’’ ይብል፡፡

ካብቶም ነቲ ቅዱስ ስፍራ ዘመሓድሩ መነኮሳት ሓደ ዝኾነ ሪታናንዳ ግና ‘‘ነቲ መምህርና ዝመስረቶ ክነፍርሶ ኣይንኽእልን’’ ኢሉ፡፡

ቀላይ ሽሪን

ምንጪ ስእሊ, lake Shrine

ብተወሳኺ እቲ ሓሞኽሽቲ ንዮጋናንዳ ዝተውሃበ ህያብ ከምዝኾነን በዚ ዝሓርቁ ሰባት ድማ ክቕበልዎ ከምዝግባእን ገሊጹ፡፡

ደቂ ጋንዲ እቲ ሓሞኽሽቲ ክምለሰሎም ወይ ክድርበ ብተደጋጋሚ ይሓቱ ምንባሮም እቲ ፈላሲ ተዛሪቡ፡፡

ነቲ ሓሞኽሽቲ ዝሓዘ ሳንዱቕ ርእይዎ ከምዘይፈልጥን እንተኾነ ቅደሚ ኣብቲ ሳርኮፋገስ ምዕሻጉ ዮጋናንዳ ሒዝዎ ዘርእይ ቪድዮ ከምዝዝክር እውን ገሊጹ፡፡

ካብዚ ወጻእ ሓሞኽሽቲ ጋንዲ ብዛዕባ ምህላዉ ዘመላኽት ካልእ መረዳእታ የለን፡፡

እቲ ሓሞኽሽቲ፡ ንዮጋናንዳ መሓዝኡ ዝነበረ ጋዜጠኛን ኣሕታምን ከምዝሃቦ እዩ ዝእመን፡፡

ኣብ ሰሜን ህንዲ ዝተወለደ ዮጋናንዳ ናብ ኣመሪካ ምስ መጸ እዩ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ መዘከርታ ጋንዲ መስሪትዎ፡፡

ኣብ 1935 ንጋንዲ ረኺብዎ ከምዝነበረ ዝሕብር ታሪኽ ህይወት ዮጋናንዳ፡ ኣብቲ እዋን ስፖርት ዮጋ ሓቢሮም ሰሪሖም ከምዝበሩን ንጋንዲ ብዝነበሮ ኣድናቖት መዘከሪ ክሃንጸሉ ቃል ኣትዩ ምንባሩን ይገልጽ፡፡

ብኸመይ ነቲ ሓሞኽሽቲ ክረኽቦ ከምዝኸኣለ ግን ኣብቲ ህይወት ታሪኽ ኣይተገለጸን፡፡

ካብቲ ካብ መሓዝኡ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ግና ‘‘ ናይ ጋንዲ ሓሞኽሽቲ ዝምልከት፡ ካብተን ብመከራ ዝለኣኽኩልካ ወጻኢ፡ ኩሉ ኣብተን ኣገደስቲ ሩባታትን ቃላያትን ህንዲ ተደርብዩ እዩ፤ ካብ ሃገር ወጻኢ እውን ዝተውሃበ የለን’’ ዝብል ተጠቒሱ እዩ፡፡

ንሞት ጋንድን ድሕሪኡ ዝነበረ ኩነታትን ኣመልኪቱ ‘ለት ኣስ ኪል ጋንዲ’ ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ቱሻር ጋንዲ ግና ‘‘ እዚ ሓቂ ክኸውን ኣይኽእልን ’’ ይብል፡፡

‘‘ገሊኡ ናይ ባፑ ሓሞኽሽቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጥሕል ተገይሩ እዩ፡፡ ብሕጋዊ መንገዲ ድዩ ተላኢኹ ወይ ሰባት ተማሊኦምዎ፡ እንፈልጦ ነገር የለን’’ ክብል ወሲኹ፡፡

‘‘እቲ ሓሞኽሽቲ መን ኣኪቡ ናብ ፓራማሃንሳ ዮጋናንዳ ከምዝለኣኾ ኣይፈልጥን፤ (ነቲ ኣሞኽሽቲ ናይ ምክፍፋል) ሓላፍነት ዝነበሮም ኣባላት ካቢነን ፍሉጣት ሰዓብቲ ጋንዲን እዮም ነይሮም፡፡’’

ድሕሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋንዲ መብዛሕትኡ ሓሞኽሽቲ ኣብ ወሰን ቅዱስ ሩባ ጋንጀስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣላሃባድ ክጠልቕ ተገይሩ፡፡

ስነስረዕዓት ቀብሪ ማህተመ ጋንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ሂንዱ ሓሞኽሽቲ ስድራቤቶም ናብቶም ንነብሲ ድሕነት ይህቡ ኢሎም ዝኣምኑሎም ሩባታት እዮም ዝንስንስዎ፡፡

ጥቡቕ ኣማኒ ሂንዱ ዝነበረ ጋንዲ እውን ሓሞኽሽቱ በዚ መንገዲ ክብተን ተናዚዙ ነይሩ፡፡

ኮይኑ ግና ኩሉ ኣይጠለቐን፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ሓሞኽሽቲ ጋንዲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተራእዩ እዩ፡፡

ኣበ 2019 ገለ ሓሞኽሽቱ ኣብ ማእከላይ ህንዲ ካብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ተሰሪቑ፡፡

ቅድሚ ከባቢ ዓሰርተ ዓመት ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተረኺቡ ነይሩ፡፡

‘‘ ሓትነታተይን ደቀንን ኣብ ደርባን ኣጥሊቖምዎ’’ ይብል ቱሻር ጋንዲ፡፡

ኣብ 2008 ዝተረኸበ ካልእ ሓሞኽሽቲ እውን ቤተሰቡ ኣብ ከተማ ሙምባይ ናብ ሩባ ከምዝደርበይዎ ገሊጹ፡፡

እቲ ብዕሊ ዝፍለጥ ዛጊድ ናብ ሩባ ዘይተደርበየ ሓሞኽሽቲ ጋንዲ፡ ኣብ ከተማ ፑን ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኣጋ ካሃን ዝተቐመጠ እዩ፡፡ እቲ ተረፍ ኣብ ጎኒ መቓብር ዝተቓጸለ ሬሳ በዓቲ ቤቱ ካስቱርባ ኣብ ውሽጢ እምነ በረድ ተቐሚጡ ይርከብ፡፡

ቱሻር ነቶም ሓሞኽሽቲ ጋንዲ ከምዘለዎም ዝገልጹ ዘለዉ ፈለስቲ ቃላይ ሽሪን እውን ‘‘ እቲ ሓሞኽሽቲ ብስርዓት ክውገድ እየ ዝሓቶም ’’ ይብል፡፡