“ብኣድጊ ዝጉተት ቤተ-መጻሕፍቲ” ዘላለየ ጅግና ሲኤንኤን ዮሃንስ ገብረጊወርጊስ መን’ዩ?

ዮሃንስ ገብረጊወርጊስ፡ ኣብ ዝተወለደሉ ከባቢ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኮነ ዝንበብ መጻሕፍቲ ምርካብ ከም ሕልሚ ይቑጸር ምንባሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከየልዓሎ ዘይሓልፍ ጉዳይ'ዩ ነይሩ።

ንሱ ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ዘሕለፎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክፍጽም ብምሕሳብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብደረጃ ዓለም ክብርታትን ሽልማታትን ክረክብ ኣብቂዕዖምዎ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2014 ኣ.ግ [2022 ኣ.ኣ] ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየን ኣብ ሓደ እዋን 'ጀግና ሲኤንኤን' [CNN HERO] ዝተባሃለን ዮሃንስ ገብረጊዮርጊስ መን'ዩ ነይሩ?

እዋን ቁልዕነት

ዮሃንስ ገብረጊዮርጊስ ኣብ መእተዊ 1940ታት ኣቆጻጽራ ግእዝ [መዛዘሚ 1940ታት ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብታ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ እትርከብ ነገሌ ቦረና እተበሃለት ንኡሽተይ ከተማ እዩ ተወሊዱ።

'ቴድ ኤክስ ኣቴንስ' [TEDxAthens] ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ንምህዞታትን ብሉጻት ስራሕቲን ዘተባብዕ ዓለምለኻዊ መድረኽ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ዝነበረ ዮሃንስ፡ ንስራሕቱ ከላልይ ከሎ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ድሕረ ባይትኡ ክዛረብ ይስማዕ።

"ኣብታ ንእሽተይ ናይ ገጠር ከተማ ነገሌ ቦረና እየ ተወሊደ። ገና ቆልዓ ሽድሽተ ዓመት ኮይነ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይደ። ኣብ ቤት ትምህርተይ ግን መጻሕፍቲ ዝበሃል ኣይነበረን" ክብል ነቲ ዝሓለፎ ኩነታት ይዝክር።

ቅድሚ 12 ዓመታት [2002 ኣቆጻጽራ ግእዝ] ናብ ትግራይ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ከምዝተላለዩን ካብቲ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ንነዊሕ ጊዜ ብስራሕ ከምዝራኸቡን ዝዛረብ ደራስን ተርጓምን መምህር ብርሃነ ኣቻሜ፡ "ወለዲ ዮሃንስ ካብ ትግራይ ኮይኖም ኣብ ዙርያ መቐለ ካብ እትርከብ ደብሪ ዝተበሃለት ቦታ እዮም። ዮሃንስ ከይተወለደ ከሎ ብስራሕ ምኽንያት'ዮም ካብ ትግራይ ወጺኦም" ይብል።

ፍቕሪ ዮሃንስን መጻሕፍትን

ኣብ ኢትዮጵያ ወለዲ ብቓሎም ዘዘንትውዎም ኣዝዮም ብዙሓት ሓጸርቲ ዛንታታትን ትምህርቲ ዝህቡ ጸውጽዋያትን እንተነበሩ'ኳ ብመጻሕፍቲ ተሰኒዶም ዝቐረቡሉ ኩነታት የለን ይብል ነይሩ ዮሃንስ።

በዚ ምኽንያት ኣብቲ ንሱ ዝመሃረሎም ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ ቆልዑ ከንብቡ ዝነበሮም ድልየት ይግታእ ነይሩ። ንሱ ግን ብዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ንዝረኽቦም መጻሕፍቲ ዋላ ብእንግሊዝኛ ዝተጽሓፉ ስቕ ኢሉ ክሓልፎም ኣይመርጽን።

ብፍላይ ሻድሻይ ክፍሊ ምስበጽሐ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ናይ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ኣብ ቤት ትምርቱ ይረክብ ብምንባሩ ብዘይምቁራጽ ከንብብ ጀመረ።

"ካብቲ እዋን ንደሓር ይመስለኒ ምስ መጻሕፍቲ ዘለኒ ፍቕሪ ድልዱል መሰረት ዝሓዘ" ክብል ኣብቲ ቅድሚ 8 ዓመታት ኣቢሉ 'ቴድ ኤክስ ኣቴንስ' [TEDxAthens] ዘዳለዎ መድረኽ ተዛሪቡ ነይሩ።

ነተን ኣብ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ዝረኸበን ከምኡ'ውን ካብ ሰባት ብልቓሕ ዝወስደን መጻሕፍቲ ኣንቢቡ እናወደአ ፍልጠቱ ካብ ምድልዳል ብተወሳኺ፡ "ንምንታይ መጻሕፍቲ ይሰኣኑ፤ ስለምንታይ'ከ ብቋንቋታት ሃገርና ዝተሓተሙ ውሒዶም?" ዝብል ሕቶ ክሓትት ጀሚሩ።

ወዲ 19 ዓመት እናሃለወ ሓደ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሰ ሰብ ብዙሓት መጻሕፍቲ ሒዙ ብምምጽኡ ንዮሃንስ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮነ። ካብተን ሒዝወን ዝመጽአ መጻሕፍቲ ሓንቲ ብዛዕባ ፍቕሪ እተዘንቱ መጽሓፍ ንኽህቦ ምስሓተቶ ኣየኳለፎን።

ነታ ብእንግሊዝ ዝተትሓፈት መጽሓፍ ኣንቢቡ ምስወደአ ድማ ናይ ምንባብ ሸውሃቱ ብዝያዳ ስለዝተኸፈተ ኣዝዮም ብዙሓት መጻሕፍቲ ከንብብ ኪኢሉ።

"ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስዛዘምኩ ናብቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ተጸምቢረ። ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ድማ ኣብቲ ማእኽል መሰልጠኒ ኣብ ዝነበረ ቤተ-ንባብ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መጻሕፍቲ ስለዝነበሩ ንኹሎም ዓይነታት ከንብብ ጀሚረ" ክብል ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተዛሪቡ ነይሩ።

ስልጠንኡ እናተኸታተለ ካልኦት ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ብምንባብ ፍልጠቱ ዘማዕበለ ዮሃንስ ኣብቲ ሓይሊ ባሕሪ ብዙሕ ክጸንሕ ኣይመረጸን። ንሱን እቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ባህግን ክራኸቡ ብዘይምኽኣሎም ካብኡ ወጺኡ ናይ ፋርማሲ ትምህርቲ ብምክትታትል ንዝተወሰነ እዋናት በቲ ሞያ ሰሪሑ።

"ኣብቲ ሽዑ እዋን [ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ደርግ ዝነበረትሉ] ጽቡቕ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዘይምንባሩ ብ1980 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ ዓዲ ክወጽእ ወሲነ" ዝብል ዮሃንስ፡ ፈለማ ናብ ሱዳን ብስደት ወጺኡ ደሓር ድማ ናብ ኣሜሪካ ኣተወ። ኣብኡ ድማ ናይ 'ላይብረሪ ሳይንስ' ትምህርቲ ብምክትታል ኣንፈት ቀጻሊ ጉዕዞ ህይወቱ ኣነጸረ።

ናብ ባሕሪ መጻሕፍቲ . . .

ዮሃንስ ናብራ ስደቱን ትምህርቱን ዝቐጸለላ ኣሜሪካ ብላይብረሪ ሳይስን ተመሪቑ፡ ብ1985 ናብቲ ባሕሪ መጻሕፍቲ ዝኾነ ኣብ ሳፍራንሲስኮ ቤተ-ንባብ ህጻናት ስራሕ ምስጀመረ፤ ሓደ ነገር ኣስተብሃለ።

ካብ ሞንጎ እቶም ብ70 ቋንቋታት ዝተጽሓፉ ስእላዊ መጻሕፍቲ ዋላ ሓንቲ ብናይ ኢትዮጵያ ቋንቋ ዝተጽሓፈት መጽሓፍ ከምዘየላ'ዩ ተዓዚቡ።

'ስለምንታይ' ዝብል ሕትኡ፡ ናብ ምምሕዳር እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ምስ ኣቕረበ ከኣ፡ 1200 ዶላር ኣሜሪካ በጀት ተበጂቱ "ናይ ኢትዮጵያ መጻሕፍቲ ዓዲግካ ኣታዊ ግበር" ተበሃለ።

ግን ድማ ነቶም ብቋንቋታት ኢትዮጵያ ብኣውርኡ ብኣምሓርኛ ዝተትጽሓፉ መጻሕፍቲ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕተሙ መጻሕፍቲ ኣዝዮም ውሑዳት ብምንባሮም ከምኡ'ውን ዋግኦምን ናብ ኣሜሪካ ክተምጽኦም ዝወጽእ ወጻእን ክብር ዝበለ ብምዃኑ'ዩ። ሽዑ ዮሃንስ መጽሓፍ ካብ ምንባብ ሰጊሩ ባዕሉ ናብ ምጽሓፍ ክኣትው ወሰነ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝፈልጥዎ "ማሞ ቂሎ" ብዝብል ዝዝንቶ ኣፋዊ ጽውጽዋይ ጽሒፉ ናብ ሕትመት ኣብቅዐ። እቲ መጽሓፍ ድማ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ዝቐረበ ፈለማይ መጽሓፍ ኮነ።

"ኢትዮጵያ ተንብብ"

ኣብ 1988 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ነታ ካብ መሸጣ መጽሓፍ "ቂሉ ማሞ" [Silly Mamo - ማሞ ዓሻ] ዝረኸባ ንኢሽተይ ገንዘብን ካልኦት ዝገበሩሉ ሓገዝን ኣኻኺቡ "ኢትዮጵያ ተንብብ" ዝብል ምንቅስቓስ ክጅምርን ዘይኣትራፊ ትካል ከጣይሽን ወሰነ።

በዚ ምንቅስቓስ ኣቢሉ ንህጻናትን መናእሰይ ዝኸውን ኣብያተ መጻሕፍቲ ንምስፍሕፋሕ ብምሕሳብ'ዩ ድሕሪ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ጻንሒት፡ ነቲ ናይ ሳንፍራንሲስኮ ቤተመጻሕፍቲ ህጻናት ስርሑ ኣቋሪጹ ኣብ 2002 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ።

ቤተመጻሕፍቲ ህጻናት 'ሳንፍራንሲስኮ' ድማ ንዮሃንስ ጥራይ ኢዱ ኣየፋነዎን። ምምሕዳር እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ መእተዊ ዓዲ ዝኾንዎ 15 ሽሕ መጻሕፍቲ ለገሰሉ። በቶም መጻሕፍቲ ከኣ ኣብ መንብሪ ገዝኡ ፈላማይ ቤተመጻሕፍቲ ክኸፍት በቒዑ።

"ዮሃንስ ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ቤተ-መጻሕፍቲ ከፊቱ። እቲ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝኸፈቶ ቤተንባብ ድማ ናይ ህጻናትን መናእሰይን ቤተንባብ እዩ ነይሩ" ይብል ናይ ሞያ መሓዝኡ መምህር ብርሃነ ኣቻሜ።

በቲ "ኢትዮጵያ ተንብብ" [Ethiopia Reads] ዝብል ወፍሩ ኣቢሉ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝኸፈቶ ቤተንባብ ህጻናት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ተፈላጥነት ብምርካቡ ተወሳኺ ቦታ ስለዘድልዮ ካብ ዳስ ዝተሰርሑ ተወሰኽቲ ክፍልታት ብምኽፋት ኣገልግሎት ምሃብ ቀጸለሉ።

"ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ዝወሰንኩሉ ምኽንያት ህጻናት ዝሓሸ ተስፋን መጻእን ንኽህልዎም ሓገዝ ክገብረሎም ብምሕሳብ'ዩ" ኢሉ ነይሩ ዮሃንስ ሓደ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት።

ብኣድጊ ዝጉተት ቤተመጻሕፍቲ

ብዘይካ እተን ብስሩዕ ዝኸፈተን ኣብያተ መጽሓፍቲ፡ ካልእ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ስለዝመጽኣሉ ድማ ናብ ተግባር ከሽርፎ ብዙሕ ጸዓረ።

መበገሲ እቲ ሓሳቡ ኣብ ዚምባብዌ ዝረኣዮ ሓደ ተበግሶ'ዩ ነይሩ። ተንቀሳቓሲ ቤተመጻሕፍቲ ምድላው ከምዝከኣል ዝተገንዘበ ዮሃንስ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ህንጻ ቤተመጻሕፍቲ ምህናጽ ስለዘይከኣል ብኣድጊ ኣብ ዝጉተታ ካሮሳታት (ጋሪ) ተንቀሳቓሲ ቤተመጻሕፍቲ ንምጥያስ ወሰነ። ናብ ተግባር ከኣ ኣሽረፎ።

"ኣእዱግ ኣብ ህይወት ሕብረተሰብና ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዓብዪ ትርጉም ኣለዎም። ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ስለዝውዕሉን ብብዝሒ ስለዝርከቡን ነቲ ተንቀሳቓሲ ቤተመጻሕፍቲ እናጎተቱ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከንቀሳቕሱ ንምግባር ኣብ ውሳነ በጺሔ" ክብል ኣብቲ ብ'ቴድኤክስ ኣቴንስ' [TEDxAthens] ዝተዳለወ መድረኽ ኣረዲኡ ነይሩ።

ነቶም ተንቀሳቐስቲ ኣብያተ መጻሕፍቲ ዝተሰከሙ ኣእዱግ እናመርሑ ህጻናት ናብ ዝርከቡሎም ከባብታት ዘብጽሑ ሰባት ቆጺሩ የስርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ እቶም መጽሓፍ ናይ ምርካብ ዕድል ዘይነበሮም ህጻናት ተምሃሮ ተረባሕቲ ንክኾኑ ጽዒሩ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ደቡብ ነቲ ብኣድጊ ዝንቀሳቐስ ቤተመጻሕፍቲ ብስፍሓት ከምዝሰርሓሉ ይግለጽ።

"ትግራይ ተንብብ ትግራይ ትዕንብብ"

ዮሃንስ ቅድሚ 13 ዓመታት ምስ መጽሄት ታዲያስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ካብ 2002 ጀሚሩ ክሳብ 2009 ኣብ ዝነበረ እዋን ን16 ኣብያተ ትምህርቲ ዘገልግሉ ኣብያተ ንባብ ከምዝሃነጹ ሓቢሩ ነይሩ።

ዝተፈላለዩ ናይ ህጻናት መጻሕፍቲ ካብ ምሕታም በተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት [ካብ 2002 ክሳብ 2009 ኣ.ኣ] ልዕሊ 30 ሽሕ መጻሕፍቲ ከምዘከፋፈሉ፤ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ጊዜ ተወሰኽቲ 75 ሽሕ መጻሕፍቲ ከምዝዕድሉን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብርግጽ እውን ካብቲ እዋን ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ፤ ኣብያተ መጻሕፍቲ ብምጥያሽ ኮነ ንዝነበራ ቤተንባብ ኣብ ምጥንኻር ርኡይ ስራሕቲ ክሰርሕ በቒዑ'ዩ። ነቲ ብኣድጊ ዝጉተት ቤተመጻሕፍቲ'ውን ብፍላይ ኣብ ገጠራት ብስፍሓት ሰሪሑሉ።

"ዮሃንስ ህጻናት መጻሕፍቲ ብዝግባእ ረኺቦም ብፍልጠት ክህነጹ ዝለዓለ ባህጊ ነይርዎ" ዝብል መምህርን ደራስን ብርሃነ ኣቻሜ ብ2002 ኣ.ግ ናብ ትግራይ ብምምጻእ ነተን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገልግሎት ዝህባ ቤተንባብ ብርክት ዝበለ መጻሕፍቲ ከምዘቕረበለንን ሓንቲ ብኣድጊ እትጉተት ተንቀሳቓሲት ቤተንባብ ከምዘጣየሸን ይዛረብ።

"ህጻናት መጻሕፍቲ ክረኽቡን ናይ ምንባብ ልምዲ ከማዕብሉን እዩ ዕላምኡ ዝነበረ። ኣብ መቐለ ዝርከባ ደብሪ፣ ፍረ-ስውኣትን ማሕሊሓምን ንዝተባሃላ ኣብያተ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ኣማሊኡለን'ዩ። ስፍራ ጀጋኑ ናብ ዝበሃል ቦታ [ጉድኣት ኲናት ትግራይ ናብ ዝነብሩሉ ከባቢ] ድማ ብኣድጊ እትጉተት ቤተመጻሕፍቲ እናወሰደ ህጻናት ከንብቡ ይገብር ነይሩ" ክብል ብርሃነ የረድእ።

ንህጻናትን መናእሰይ መቐለ ዘገልግል 'ሰገናት' ዝተባሃለ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ድማ ከጣይሽ ኪኢሉ።

"ኣብቲ ህዝባዊ ቤተመጻሕፍቲ ነቶም ኣብ ዝነኣሰ ዕድመ ቁልዕነት ዝርከቡ ህጻናት ከይተረፈ ሓንቲ ክፍሊ ፈልዩሎም'ዩ። 'ትግራይ ተንብብ ትግራይ ትዕምብብ' ዝብል መሪሕ-ቃል ብምሓዝ'ዩ ይንቀሳቐስ ነይሩ" ይብል እቲ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ሞይኦም ከምዘመሓዘዮም ዝዛረብ መምህር ብርሃነ ኣቻሜ።

ኣብያተ-መጻሕፍቲ ክጣየሹ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንህጻናት ዝኾኑ መጻሕፍቲ ኣብ ምጽሓፍ፣ ምትርጓምን ምሕታምን እውን ይነጥፍ ነይሩ። ዝተሓተሙን ዘይተሓተሙን መጻሕፍቲ ኣለውዎ። ብዘይካ እታ ኣብ ኣሜሪካ ዘሕተማ 'ቂሉ ማሞ' [Silly Mammo] እትብል መጽሓፍ፡ እታ ብእንግሊዝ 'Tirhas celebrates Ashenda' [ትርሓስ ኣሸንዳ ትብል'ላ] ዝብል ርእሲ ዝሃባ መጽሓፍ ናብ ሕትመት ኣብቂዑ ነይሩ። ነታ መጽሓፍ ብትግርኛን ኣምሓርኛን ክትትርጎም ብምግባር ብብዝሒ ከምዘሕተማ መምህር ብርሃነ ይዛረብ።

"ብዘይካ እተን ናብ ሕትመት ዝበቕዓ መጻሕፍቱ፤ ኣብ ትግራይ ናብራ ምስጀመረ ዘዳለወን ናይ ትርጉም መጻሕፍቲ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ከሕትመን ምንቅስቓስ ጀሚሩ ነይሩ። ደሓር ግን እቲ ብማሕበር ትግራይ ዝተመረጸ ናይ ሕትመት ደረጃ ስለዘየዕገቦ እተን መጻሕፍቱ ከይተሓተማ ክጸንሓ ወሲኑ" ይብል መምህር ብርሃነ።

እቶም ዮሃንስ ንህጻናት ዘዳለዎም መጻሕፍቲ ብስእላዊ መግለጺታት ዝተሓገዙ ከምዝኾኑ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኣጸሓሕፋ መጻሕፍቲ ንህጻናት ዘድሃበ ስልጠና ኣዳልዩ ንሱን ካልኦትን ከምዝተሳተፉሉ ይዝክር። ሽዑ ነቲ ስልጠና ዝሃቡ ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ነይሮም።

ኣፍልጦን ሽልማትን

ዮሃንስ ብፍላይ ኣብ ህጻናትን መናእሰይን ትኹረት ሂቡ ምስርሑ ናእዳ ክረክብ ኣኽኢልዎ'ዩ። እቲ ብኣድጊ ዝጉተታ ኣብያተ መጻሕፍቲ ናይ ምጥያሽ ሓሳቡ ድማ ንቐልቢ ማዕኸናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተፈላለዩ ሽልማታትን ኣፍልጦን ዝተወሃቦ ኮይኑ፡ በቲ ሙሉእ ግዚኡ ሂቡን ተወፍዩን ዝሰርሖ ስራሕቲ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ረጂስ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ክረክብ በቒዑ።

ዓለምለኻዊ ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን 'ጀጋኑ' ብዝብል በቢዓመቱ ዘዳለወዎ ሽልማት ኣሎ። ዮሃንስ ከኣ ካብ ሞንጎ እቲ ማዕኸን ዜና ኣብ 2008 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝሸለሞም ሰባት ሓደ ክኸውን ከምዝኸኣለ ይዝከር።

መምህር ብርሃነ "ኣብቲ ናይ ሲኤንኤን ጀግና ካብ መላእ ዓለም ዝተውጻእጽኡ ኣስታት 3,000 ሰባት'ዮም ብሕጹይነት ቀሪቦም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን 10 ጥራሕ ተዓዊቶም። ዮሃንስ ሓደ ካብቶም ዝተዓወቱ ክኸውን በቒዑ" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

ብተወሳኺ'ውን እቲ 'ሲሊ ማሞ' ብዝብል ርእሲ ዝጸሓፎ መጽሓፉ ኣብ 2003 'ሽልማት ብሉጽ መጽሓፍ ህጻናት ኣፍሪቃ' ክዕወት ኪኢሉ። እቲ ሽልማት ኣብ ኣሜሪካ ዝካየድ ኮይኑ ንኣፍሪቃውያን መጻሕፍቲ ህጻናት ከምዝወሃብ ይግለጽ። ኣብ ማሕበር ቤተንባብ ኣሜሪካ ድማ ናይ ክብሪ ኣባልነት ተዋሂብ'ዩ።

ዮሃንስ ገብረጊዮርጊስ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕማም ኣብ 18 ጥሪ 2022 ዓሪፉ።