ትግራይ፡ "ን10 ኣብያተ ማእሰርቲ ትግራይ 10 ሽሕ መጻሕፍቲ ክንእክብ ኢና ወፊርና ዘለና"

    • Author, ኣክሊሉ ጸጋይ
    • Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ

ኣብ ከተማ መቐለ ብዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምትእኽኻብ መጻሕፍቲ ንኣብ ኣብያተ ህንጸት (ማእሰርቲ) ትግራይ ዝርከቡ ተኣረምቲ ክሳብ 10 ሽሕ መጻሕፍቲ ንምእካብ ከምዝተተለመ ኣተሓበበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ነቲ ሓሳብ ዘበገሰ መንእሰይ ሳሙኤል ደስታ፡ እቲ ካብ 20 መስከረም 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝጀመረ መጻሕፍቲ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2013 ከምዝጸንሕ ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ካብ ዝልግሱሎም ሰባት'ዮም ነቶም መጻሕፍቲ ዘተኣኻኽብዎም ዘለዉ። ሓሳቦም ድማ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ።

"ብዙሕ ዘይሕሰበሉ ጉዳይ ብምንባሩ 'ንምዃኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዶ ቤተ ንባብ ኣሎ እዩ?' ዝበሉና ሰባት ኣለዉ። ምኽንያቱ ሪኦምዎን ሓሲቦምዎን ዘይፈልጡ ጉዳይ ስለዝኾኖም ሕጉሳት ኮይኖም'ዮም። ብዙሓት ድማ መጻሕፍቲ ክልግሱልናን ንስራሕና ዝሕግዝ ሓበሬታ ክህቡናን ጀሚሮም" ይብል።

ሳሙኤል ዝጀመሮ ስራሕ ውጽኢታዊ ንክኸውን፡ ብቐንዱ ነቶም ካብ ሰባት ዝልገሱ መጻሕፍቲ ዘተኣኻኽባን ምልዕዓል ዝገብራን ደቂኣንስትዮ ክሕግዝኦ ከምዝወሰነ ይዛረብ።

"ውድድር ሞዴሊንግ ወይ ጽባቕ እቲ ቐንዲ ዕላምኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋኒናት መርኣያ ኾይንካ ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባውን ጉዳያት ለውጢ ምምጻእ እዩ። ይኹን'ምበር ኣብቲ ዓውዲ ዝሳተፋ ደቂኣንስትዮ ብድሕሪ ውድድር ኣብቶም ንጥፈታት ንኽሳተፋ ዕድል ዝረኽባሉ ኩነታት የለን። ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ብእታው እየ ክሕግዛኒ ዘዘራረብክወን" ክብል ምስተን ነቲ መጻሕፍቲ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ዝመርሓ ዘለዋ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ ይዛረብ።

እተን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ውድድር ጽባቐን ሞዴሊንግን ዝተሳተፋን ዝተዓወታን ደቂኣንስትዮ ኣዱኛ ዳኘው፣ ቢዚ መብራህቱ፣ ማክዳ ፍሰሃን ሮዳስ ሚዛንን ይበሃላ። "ኮኾባት ትግራይ" ዝብል ስያመ ብምሓዝ ድማ ነቲ ወፍሪ የተሓባብራ ኣለዋ።

"ሳሙኤል ነቲ ሓሳብ ምስኣቕረበልና ብጣዕሚ ሕጉሳት ነይርና። ምኽንያቱ ሞዴላት ካብ ስራሕቲ ክሊፕ ሙዚቃን ፊልምታትን ውጽእ ብዝበለ ኣብ ከምዚ ዝበለ ተሳትፎ ክገብራ ከለዋ ዘሕጉስ እዩ" ትብል ኣዱኛ ዳኘው።

ንሳ፡ መጻሕፍቲ ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ተኣረምቲ ፍልጠቶም ከበርኹ ከምኡ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕልፍዎ ጊዜ ብጽቡቕ ኩነታት ንኸሕልፉ ዓብዪ ሓገዝ ከምዝገብሩ ዘለዋ እምነት ትገልጽ።

ንሳን መሓዙታን ኣብዚ ወፍሪ ክሳተፋ ዕድል ምርካበን ድማ ከም ሓደ ዕቡቕ ዕድል ትወስዶ።

መንቀሊ እቲ ሓሳብ?

ኣብ ስራሕቲ ፕሮሞሽንን ስነ ጥበብን ዝነጥፍ ሳሙኤል ነዚ ወፍሪ ንምጅማር ክሓስብ ከሎ ዝኾነ ኣባል ስድርኡ፣ መሓዝኡ ወይ ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ ኣብ ማእሰርቲ ስለዝርከብ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

ቅድሚ 9 ዓመታት ኣቢሉ ተምሃራይ 8ይ ክፍሊ ኣብ ዝነበረሉ ንገለ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ህንጸት ዝርኣየሉ ዕድል ነቲ ሕዚ ዘበገሶ ሓሳብ ምኽንያት ከምዝኾኖ ይዛረብ።

"ሽዑ ኣብ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ኣባል ፓርላማ ተምሃሮ ስለዝነበርኩ ኣብ ገለ ኣብያተ ህንጸት ዝርከባ ኣብያተ ንባብ ርኢና ነይርና። እቲ ኩነታት ንዓመታት ኣብ ውሽጠይ ስለዝጸንሐ ድማ ሎሚ ናብ ተግባር ክቕይሮ ወሲነ" ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ።

እሱራት ዝደለይዎም መጻሕፍቲ ኣብቶም ኣብያተ ንባብ ክረኽቡ ዝኽእልሉ ዕድል ዘይምህላዉ ከምዝተዓዘበን ሎሚ ድሕሪ ዓመታት ድማ ኣብርክቶ ንምግባር ከምዝወሰነን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ኣብ ትግራይ 10 ኣብያተ ህንጸት ኣለዋ። እኹል ወይ ብቑዕ እንተዘይተበሃለ'ኳ ኣብያተ ንባብ ግን ኣለወን። እቶም ተሃነጽቲ ጽባሕ ናብቲ ማሕበረሰብ ስለዝሕወሱ እቲ ለውጢ ኣብ ቤተ ንባብ'ውን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና ፍልጠቶም ኣማዕቢሎም እንተወጹኡ ብዝብል ኢና ናብዚ ስራሕ ኣቲና ዘለና" ይብል።

ኣብቲ ዝጀመርዎ ወፍሪ ብዝምልከት ኣብ መቐለ ንዝርከብ ቤት ህንጸት (ማእሰርቲ) ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን "ቤት ህንጸትና ቤተንባብ እንተሃለዎ'ኳ እሱራት ግን ዝደለይዎ መጻሕፍቲ ንምርካብ ይጽገሙ እዮም። ስለዚ ዝጀመርኩምዎ ወፍሪ ጽቡቕ ስለዝኾነ ክትሕግዙና ንደሊ ኢና" ዝብል መልሲ ከምዝተወሃቦም ይዝከር።

ተሳትፎ ለገስቲ መጽሓፍ

ሓንቲ ካብ ሞንጎ ኣተሓባበርቲ 'ወፍሪ ምትእኽኻብ መጻሕፍቲ ንኣብያተ መጻሕፍቲ ንኣብያተ ህንጸት ትግራይ' ዝኾነት ኣዱኛ ዳኘው፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ተሳትፎ "ኣዝዩ ዘሕብን" ከምዝኾነ ትዛረብ።

"ሰባት ነቲ ሓሳብ ብጽቡቕ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ። ሓደ ይኹን ልዕሊኡ መጻሕፍቲ ክህቡና ዝሰልዩ ሰባት እናደወሉ ይሕብሩና። ሽዑ ንሕና ናብቲ ዘለዉሉ ቦታ ብምኻድ ንቕበሎም" ትብል።

ካብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ከባብታትን 'መጽሓፍ ተቐበሉና' ዝብል መጸዋዕታ ስለዝበጽሐን ኣርባዕቲኤን እናተሓጋገዛ ናብቶም ቦታታት ብምኻድ ይቕበላ።

ኣብ ዝገብርኦ ምንቅስቓስ ንመጓዓዝያ ዝወጽእ ወጻኢታት ባዕለን'የ ዝሽፍና። ነዚ ኣብ ግምት ዘእተዉ ገለ ውልቀሰባት ድማ ንመንቀሳቐሲ ዝኸውን ዝተወሰነ ገንዘብ ከምዝሃብወን ኣዱኛ ትዛረብ።

ሳሙኤል "ን10 ኣብያተ ማእሰርቲ ትግራይ 10 ሽሕ ክንእክብ ኢና ነዚ ወፍሪ ጀሚርናዮ። በቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግን ልዕሊኡ ከምዝእከብ ኢና ክንግንዘብ ኪኢልና" ክብል ነቲ ዘሎ ተሳትፎ ለገስቲ መጽሓፍ ይገልጾ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ንሓደ ቤት ህንጸት 1 ሽሕ መጽሓፍ ንምሃብ ሓሳብ'ኳ እንተነበሮም፤ ልዕሊኡ ክበጽሖም ከምዝኽእል ዘለዎ እምነት ይገልጽ።

ትሕዝቶ መጻሕፍቲ

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቐንዱ ኣብ ከተማ መቐለ ዝግበር ወፈያ'ዩ ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ኮይኑ ዘሎ። እንተኾነ ካብ ምሉእ ትግራይ 'መጽሓፍ ተቐበሉና' ዝብል ሕቶ ይቐርበሎም ስለዘሎ ነዚ ዝምችእ ኩነታት ንምፍጣር ይሰርሑ ከምዘለዉ ሳሙኤል ይዛረብ።

ሰባት ኣብ ዘወፍይዎም ዓይነታትን ትሕዝቶን መጻሕፍቲ ዝኾነ ዓይነት መምዘኒ ወይ ረቛሒ እንተዘየቐመጡ'ኳ ክሳብ ሕዚ ካብ ሰባት ዝቕበልዎም ዘለዉ ግን ነቶም እሱራት ኣብ ግምት ዘእተዉ ከምዝኾኑ ሳሙኤልን ኣዱኛን ይገልጹ።

"ናብቲ ወፍሪ ምትእኽኻብ ቅድሚ ምእታውና ምስ ቢሮ ጸጥታ ክልል ትግራይ ብምዃን ሓጺር ዳህሳስ ክንገብር ፈቲንና ኢና። ምስ ኣተሓባባሪት ኣብያተ ንባብ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ ህንጸት ከምኡ'ውን ሓላፊት ተሃድሶ፣ ትምህርትን ስልጠናን ዝኾነት ኮማንደር ተዘራሪብና" ዝብል ሳሙኤል እዚ ድማ ብቐንዱ እንታይ ዓይነት መጻሕፍቲ ከምዘድልዩ ንምፍላጥ ከምዘኽኣሎም የረድእ።

"ኣብ ንግዲ፣ ምድላው ባህላዊ ኣልባሳት፣ ስራሕቲ ሓጺነ መጺንን ካልእን ዝወፈሩ ብዙሓት እሱራት መናእሰይ ስለዘለዉ ነዓዓቶም ዝሕግዝ ናይ ኢንዳስትሪን ምህዞን መጻሕፍቲ እቶም ብብዝሒ ዘድልዩ እንተኾኑ'ኳ ካልኦት ኣብ ህንጸት እቶም እሱራት ረብሓ ዘለዎም ዓይነታት መጽሕፍቲ'ውን ንቕበል ኣለና" ይብል።

ክሳብ ሕዚ 'እዚ መጽሓፍ ኣየድልይን' ብዝብል ዝመለስዎ ከምዘየለ ብምግላጽ ኣብ ህንጸት ስነ ልቦና እሱራት ዓብዪ ትርጉም ዝህልዎምን ስነጥበባዊ ትሕዝቶ ዝሓዙን መጽሕፍቲ ብብዝሒ ይቕበሉ ከምዘለዉ ሓቢሩና።

"ብዙሕ ዓይነት መጻሕፍቲ ኢና ንቕበል ዘለና። ኩሎም ድማ ጽቡቕ ትሕዝቶ ዘለዎም'ዮም" እትብል ኣዱኛ ብወገና ካብ ሞንጎ'ቶም እሱራት ብጣዕሚ ዝተምሃሩ ሰባት እውን ስለዝርከብዎም ኣካዳሚያውን ንፍልጠት ዘማዕብሉን ትምህርታውን መጻሕፍቲ'ውን ይቕበሉ ከምዘለዉ ትዛረብ።

እቲ ወፍሪ ምትእኽኻብ መጻሕፍቲ ካብ ዝጀመረሉ 20 መስከረም 2013 ኣ.ኢ ጀሚሩ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ ልዕሊ 700 መጻሕፍቲ ክእክቡ ኪኢሎም ኣለዉ።