ብምስላ ንፕረዚደንት ቱርኪ ጸሪፋ ዝተባህለት ጋዜጠኛ ተኣሲራ

ቤት ፍርዲ ቱርኪ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ተጻሪፋ ንዝበላ ጋዜጠኛ ሰደፍ ካባስ ኣሲሩ፡፡

እታ ጋዜጠኛ ብቀዳም ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ኮይና ቅድሚ ናብ መጋባእያ ምቕራባ ክትእሰር ኣዚዙ ኣሎ፡፡

ካባስ ምስ ሓደ ምስ ተቓወምቲ ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ቴሌቪዥን ጣብያ ኣብ ቐጥታ ፈነወ ቀሪባ ዝተዛረበቶ ምስላ ንፕረዚደንት ኤርዶጋን ዕላማ ዝገበረ እዩ ዝብል ክሲ ቀሪቡላ ኣሎ፡፡ ንሳ ግን ነቲ ክሲ ኣይትቕበሎን፡፡

እቲ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዘእስር እዩ፡፡

‘‘ ሓደ ፍሉይ ኣበሃህላ ኣሎ፤ ዘውዲ ዝጸዓነ ርእሲ በሊሕ ይኸውን ዝብል፡፡ እንተኾነ ሓቂ ከምዘይኮነ ኢና እንርእይ ዘለና’’ ኢላ ኣብቲ ቴሌቪዥን፡፡

ቀጺላ ድማ ‘‘ተፊን (ኣርሓ) ናብ ቤተ መንግስቲ ስለዝኣተወ ንጉስ ኣይኸውን፤ እቲ ቤተ መንግስቲ እዩ ደምበ ዝኸውን’’ ክትብል ወሲኻ፡፡

ጸኒሓ ድማ ነቲ ብሂል ኣብ ትዊተር ጠቂዓቶ፡፡

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ፋህረቲን ኣልቱን፡ ንዘረባ እታ ጋዜጠኛ ‘‘ሓላፍነት ዝጎደሎ’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡

‘‘ሓንቲ ጋዜጠኛ እየ በሃሊት፡ ኣብ ቴሌቪዥን ብዘይ ሕንከት፡ ጽልኣት ካብ ምግፋሕ ወጻኢ ካልእ ዕላማ ዘይብሉ ጸርፊ ንፕረዚደንትና ትጻረፍ ኣላ’’ ክብል እውን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡

ጋዜጠኛ ካባስ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ግን ንሳ ነቲ ፕረዚደንት ናይ ምጽራፍ ሓሳብ ከምዘይነበራ ተዛሪባ፡፡

ሓላፊ ናይታ ቴሌ 1 ዝተባህለት ጣብያ ቴሌቪዥን ዝኾነ መርዳን እውን ‘‘ምስላዊ ኣዘራርባ ተጠቒምኪ ኢልካ ብለይቲ ምእሳር’’ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ክብል ነቒፉ፡፡

እቲ ስጉምቲ ጋዜጠኛታት ንምቁንጻብ ዝተወሰደ ከምዝኾነ እውን ገሊጹ፡፡

ጠይብ ኤርዲጋን፡ ቅድሚ ኣብ 2014 ፈላማይ ብቐጥታ ዝተመረጸ ፕረዚደንት ምዃኑ፡ ን 11 ዓመታት ብቐዳማይ ሚኒስተርነት ኣገልጊሉ፡፡

ንነቐፍቱ ስቕ ንምባል ዝወስዶም ስጉምቲታት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ስግኣት ፈጢሮምን እታ ሃገር ኣባል እቲ ሕብረት ንምዃን ዝነበራ ድልየት ኣተዓናቒፎምን እዮም፡፡

ኤርዶጋን ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ናብዚ ብዙሓት ንዕኡ ብምጽራፍ ተኸሲሶም እዮም፡፡

ከም ጸብጻብ ወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ 2020 ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ልዕሊ 31 ሽሕ ክስታት ተኸፊቶም ነይሮም፡፡