ኢትዮጵያ ኢንሳይደር፡ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ

ኣሰናዳኢ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ።

እቲ ጋዜጠኛ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ እንከሎ፡ ሎሚ ከም ዝተፈትሐ ቢቢሲ ካብ ጠበቕኡን ካብቲ ጋዜጠኛን ከረጋግጽ ክኢሉ።

"ተፈቲሐ ኣለኹ፤ ካብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝወጽእ ሰለስተ ደቒቕ ኮይኑ ኣሎ" ክብል ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ተዛሪቡ።

ሎሚ ተሓለቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታት ኮሚቲ ቱ ፕሮቴክት ጆርናሊስትን [ሲፒጄ]ን ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስን መስራትን ኣሰናዳእን ድረ ገጽ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወለደየስ ንክፍታሕ ሓቲቶም'ዮም።

እቲ ጋዜጠኛ ብቐዳም ኣብ ዝነበረ ክብረ በዓል ኢሬቻ ብፌስቡክ ድሕሪ ዝፈነዎም ቪድዮታት ተቓውሞ መናእሰይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሲፒጄ ጠቒሱ።

ፖሊስ ፌደራል ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ፖሊስ ከም ዝርከብ ትማሊ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ምኽትል ሓላፊ ቢሮ መርመራ ገበን ኣቶ ሙሊሳ ኣብዲሳ "ኣብ ሜክሲኮ ቤት ጽሕፈት መርመራ ፖሊስ ፌደራል" ከም ዝርከብ ብምግላጽ "ዋላ ሓደ ዝተፈጥረ ነገር የለን፤ እቲ ዘሎ ነገር ከኣ ነጻርዮ ኣለና። ምንም ዘስግእ ነገር የለን" ምባሉ ይዝከር።

እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ምኽንያት ግን ብዝርዝር ኣይገለጸን።

እዚ ተግባር "መንግስቲ ኣብ ክንዲ ናጽነት ፕሬስ ወይ ሽፋን ተቓውሞ ምትብባዕ ንምዕፋን ዝግበር ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ዘቃልዕ'ዩ" ክብል ሲፒጄ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ጋዜጠኛ ብህጹጽ ክፍታሕ ጠሊቡ።

ተስፋኣለም ቅደሚ ሕጂ ብገበን ሽበራ ተኸሲሱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝተኣሰረ ብምግላጽ "መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ናብቲ ዝነበረ ናይ ሚዲያ ዓፈና ምምላሱ ዘሕዝን'ዩ" ክብል ሲፒጄ ገሊጹ።

ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ብወገኑ ኣብቲ በዓል ዝተሰምዑ ድምጽታት ተቓውሞ ክቐጽር እንከሎ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ተስፋኣለም ብህጹጽ ክፍታሕ ንሓትት ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

"ኣብታ ሃገር ኣንጻር መንግስቲ ዝካየዱ ተቓውሞታት ምቕዳሕ ኩልኩል ድዩ? ንሱ ካብ ስርሑ ወጻእ ካልእ ኣይገበረን፤ ጋዜጠኝነት ገበን ኣይኮነን" ክብል መልእኽቱ ኣሕሊፉ።

ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ዝተፈላለዩ ትንታነታት ዜና ዝቐርበሉ 'ኢትዮጵያ ኢንሳይደር' ዝተባህለ ድረ ገጽ መስራትን ኣዳላውን ኮይኑ፡ እቲ ድረ ገጽ ፖለቲካዊ ዜናታት ብምቕራብ እናተፈለጠ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሓት ሰዓብቲ ከፍሪ ኽኢሉ'ዩ።

እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም በዓል ኢሬቻ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር እንከሎ ኣንጻር መንግስቲ ንዝተሰምዑ ድምጽታት ተቓውሞ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ዘርጊሑ ነይሩ።

ምንጪታት ቢቢሲ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ መንበሪ ገዝኡ ከም ዝተፈተሸ ገሊጾም።

ተስፋኣለም ብኢንግሊዝኛ ኣብ ዝሕተም ጋዜጣ ‘ኣዲስ ፉርቹን’ ከምኡ’ውን ናይ ኣምሓርኛ ‘ኣዲስ ነገር’ ዝሰርሐ ኮይኑ ምስ ሞይኡ ብዝተሓሓዝ ተሰዲዱ ነይሩ።

ፖሊስ ነቲ ጋዜጠኛ ኣብ ቁጽጽር ዘውዓለሉ ምኽንያት ክገልጽ’ኳ እንተዘይከኣለ መሓዙቱ ግን ምስ ስርሑ ብዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።