እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ "ሚዲያ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት መጥቃዕቲ ክዳሎ ኣለዎ" - ጸዳለ ለማ
መስራቲት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብበዓል መዚ ብሮድካስት ናይ ስራሕ ፍቓዱ ተኣጊዱ ናይ ዝነበረ ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተለመዱ መጥቃዕታት ዝተፈለየን ጎናዊ ሳዕቤን ዘለዎን መጥቃዕቲ ይርኣይ ኣሎ ብምባል ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ነዚ ድሉዋት ክኾኑ ከምዝግባእ ሓቢራ።
እታ ጋዜጠኛ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት፡ ቅድሚ ሕጂ መራኸብቲ ሓፋሽ መሰሎም ንክኽበር ምስ መንግስቲ ይቃለሱ ምንባሮም ብምዝኽኻር፡ ሕጂ እዚ ተቐይሩ’ዩ ኢላ።
እዚ ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ብሰፊሑ ዝርኣይ ዘሎ ምዃኑ ትዛረብ።
ጸዳለ ለማ መንግስቲ መጥቃዕታት ናብቲ ናይ ብሕቲ ዓውዲ ብምስግጋር ዘብጽሖ ጸቕጢ ኣመና ከም ዘተሓሳሰባን ጠጠው ክብል ከም ዘለዎን እያ ትገልጽ።
እዞም መጥቃዕታት ዝበለቶም ካብ ውልቀሰባት፣ ገለ ትካላትን ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ውልቀሰባትን ዝበጽሕ መድሃልትን ምፍርራሕን ዘጠቓልል ምዃኑ ትጠቅስ።
ሓሓሊፉ ዝለኣኹ መልእኽታት “ንኣባላት ስድራ ከይተረፈ ዘፈራርሑ ይኾኑ ኣለው" ትብል።
“እዚ ጋዜጠኛታት ክዳለውሉ ዘለዎም ሓድሽ ክስተት’ዩ። ክኸውን ዘይግብኦ ግን ድማ ፈጢጡ ዝመጽእ ዘሎ ነገር እዩ። እቲ ሕጂ ዝተገብረ’ውን ንሱ’ዩ። ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ “ጡብ ኣደ ዝነኽሱ” ክብል እንከሎ ኣሽሓት ደገፍቲ መንግስቲ ከምኡ’ዮም ዝርድኡዎ። እቲ ሚዲያ ካብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንርእሱ ንኽከላኸል እዚ ትምህርቲ ክኾኖ ይግባእ” ኢላ።
ውሳነ በዓል መዚ ብሮድካስት
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፡ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሰርሖም ጸብጻባት፡ "መንግስቲ ብውሳነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንህወሓት ‘ኣሸባሪ ጉጅለ’ ኢሉዎ እናሃለወ ሓይልታት ትግራይ ዝብል ሽም ብምሃብ ንተግባራት ሽበራ ይድግፍ ኣሎ" ብዝብል ክሲ ፍቓዱ ከም ዝኣገዶ ይዝከር።
ጸዳለ ለማ ግን፡ እቲ በዓል መዚ ፍቓድ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝኣገደሉ መገዲ "ንሕጊ እቲ በዓል መዚ ዝጥሓሰን ብዝግባእ ዘይተሓሰበሉን ስለ ዝኾነ ዘሰንብድ’ዩ" ትብል።
እቲ በዓል መዚ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ ሚዲያ ዝተዋህቦ ስልጣን ብምጥሓስ “ፍቓድ ኣሕታሚ ትካል ኣዲስ ስታንዳርድ ዝኾነ ጃኬን ኣጊደዮ’የ ምባሉ ግቡእ ኣይኮነን” ብምባል እቲ ትካል ተኻቲዑ’ዩ።
መስራቲት እቲ ትካል ጸዳለ ለማ’ውን ነቲ ኣሕታሚ ትካል ፍቓድ ዝሃቦ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትርን ኮይኑ እናሃለወ፡ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ስጉምቲ ምውሳዱ ልክዕ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ "ሓላፍነቱ ኣብ ኦንላይን ዝፍጸሙ ነገራት ምክትታል ጥራሕ እዩ" ትብል።
"ስለ ዝኾነ ድማ ምኽባር ሕጊ ካብቶም ፈጸምቲ ኣካላት ክጅምር ኣለዎም" ዝበለት ኮይና “እቲ ኣኽባሪ ሕጊ’ውን ካብ ሕጊ ንላዕሊ ከምዘይኮነ ገሊጻ።
ኣብ ክሊ እቲ ተፈጺሙ እትብሎ ጥሕሰት ሕጊ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ ኣዲስ ስታንዳርድ መሰረት ዘይብሉን “ነኻሲ ጡብ ኣደን ባንዳን" ዝብሉ ርኢቶታት ከም ዝዘርግሐ ኣዘኻኺራ።
እዚ ውልቀሰብ ዝሃቦ ርኢይቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝተመሓላለፈ ውሳነ ጸቕጢ ኣሕዲሩ ከይኸውን ንክጻረ ምስቲ በዓል መዚ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሓቲቶም ኣለው።
ብተወሳኺ “ኣጀንዳ ሽብርተኛ ጉጅለ የሰጉም’ዩ” ዝብል ክሲ ወግዓዊ መብርሂ ክወሃቦን እዚ ብቐሊሉ ዘይውሰድን ህይወትን ድሕነትን ሰራሕተኛታት እቲ ሚዲያ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ምዃኑን ገሊጻ።
ድሕሪ እዚ ኣዳለውቲ ኣዲስ ስታንዳርድ ምስ ሓላፊ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣቶ ኢድሪስ መሓመድ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ እቲ በዓል መዚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ዝተኣገደ ፍቓድ ናይቲ ትካል ምምላስ ሓዊሱ እቲ በዓል መዚ ዘቕረቦም ክስታት ወግዓዊ መብርሂ ንምሃብ ቃል ከም ዝተኣትወሎም ብምግላጽ ኣዲስ ስታንዳርድ ትማሊ ሮቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ስርሑ ከም ዝተመልሰ ጸዳለ ሓቢራ።
‘ብውልቂ መንግስቲ ምንቃፍ ሕገ መንግስታዊ መሰለይ’ዩ’
ጋዜጠኛ ጸዳለ ለማ፡ ንዓመታት ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ጽዒሮምሉ ዝጸደቐ ዝተመሓየሸ ሕጊ ሚዲያ ንናጽነት መራኸብቲ ሓፋሽ ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ትዛረብ።
እቲ ሕጊ “ዘይተገደበ፤ ግን ድማ ብዙሕ ሓላፍነት ዘለዎ መሰል ዝህብ ምዃኑ ርኢና ንሕና’ውን ከም ሚዲያ ዝተፈላለዩ ናይ ምስፋሕ ስራሕቲ ክንገብር ክኢልና ኢና። እዚ ነቲ ሕጊ ብምትእምማን ዝገበርናዮ’ዩ” ትብል።
ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተዋህቦ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝተኣገደሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ብዘቕርቦ ነቐፌታ’ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ጸዳለ “ኣዲስ ስታንዳርድ ትካል’ዩ፤ ብውልቂ ዘቕርቦ ነቐፌታ እንተኾነ’ውን ሕገ መንግስታዊ መሰለይ’ዩ” ዝብል ምላሽ ሂባትሉ።
“ኣነ ብዝዛረቦ ነቐፌታ ነቲ ትካል ምዕጻው እንታይ ማለት’ዩ? ሓደ ሰብ ንሓደ መንግስቲ ክነቅፍ ኣይክእልን ማለት ድዩ? ሕገ መንግስታዊ መሰለይ’ዩ። ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊት ክንገብራ ኢና እንተተባሂሉ መጀመርታ ውልቀሰባት ምስ መንግስቲ ብሓሳብ ናይ ዘይምስምማዕ መሰሎም ክኽበር ኣለዎ” ኢላ።
ወሲኻ “ኣነ ብኹሉ ነገር ዝሰማማዕ ኣይኮንኩን፤ ከምኡ’ውን ኣይነበርኩን . . . ኣይኸውንን’ውን። ኣብ ግዜ ኢህወዴግ/ህወሓት ነቓፊት ነይረ። እዚ ንምንታይ ሚዲያ የዕጹ? ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ሃገር እንድዩ” ትብል።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ትቃወሞ ከም ዝነበረት እትዛረብ ጋዜጠኛ ጸዳለ “ካብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ጀሚሮም ዝድግፉ ዝነበሩ ሰባት ኣለው፤ ከምዚ ዓይነት ጸገም በጺሑዎም ድዩ?” ክትብል ትሓትት።
ኣዲስ ስታንዳርድ ቅድሚ 12 ዓመት ወርሓዊ ናይ ኢንግሊዘኛ መጽሄት ኮይኑ ክጣየሽ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ተኣዊጁ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዘቐመጦም ዓንቀፍቲ ኣሰራርሓታት ምኽንያት ስራሕቱ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ኢንተርነት ክኸውን ገይሩ ይርከብ።