ኮሎምብያ: ንሽድሽተ ዓመታት ኣብ ጸምጸም በረኻ ተጨውያ ዝጸንሐት ሴናተር ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር እያ

ብሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ንሽድሽተ ዓመታት ጅሆ ተታሒዛ ዝነበረት ሴናተር ኮሎምብያ ነበር ኢንግሪድ ቤታንኮርት፡ ድሕሪ 20 ዓመታት መሊሳ ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ምዃና ኣፍሊጣ።

ወይዘሪት ቤንኮርት ኣብ'ታ ሃገር ኣብ 2002 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ጎስጓስ ኣብ እትገብረሉ ዝነበረት እዋን ፋርክ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ዕጡቕ ጉጅለ ተጨውያ ንሽድሽተ ዓመታት ጅሆ ተታሒዛ ነይራ።

ንሳ ኣብቲ መጻኢ ግንቦት ክካየዽ ትልሚ ዝተትሓዞ ፕረዚደንታዊ መረጻ እንተተዓዊታ፡ ግዕዝይናን ድኽነትን ክትቃለስ ምዃና ተመጻቢዓ ኣላ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቦጎታ ንዝተኣከቡ ደገፍታ፡ "ሎሚ ኣብዚ ዘለኹ እቲ ቀዲመ ዝጀመርክዎ ንምውዳእ እዩ" ኢላ።

"መሰል 51 ሚልዮን ኮሎምብያውያን ከምልስ እየ ዝንቀሳቐስ ዘለኹ፤ ምኽንያቱ እቲ እንነብሮ ዘለና ስርዓት ንገበነኛታት ዝጣበቕ ብምዃኑ ፍትሒ ስኢኖም ኣለዉ" ክትብል ድማ ወሲኻ።

ፋርክ ዕጡቕ ማርክሲስታዊ ጉጅለ ኮይኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኮሎምብያ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝተቓለሰ እዩ። ኣብ 2016 ተኵሲ ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

ኣብቲ መረጻ ልዕሊ 20 ሕጹያት ተወዳደርቲ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ሕዚ ኣብ ዝተኸየደ ቅድመ-መረጻ ዳህሳስ ግና፡ ሓደ ግዜ ኣባል ኤም-19 ዝተብሃለ ደባይ ተዋጋኣይ ጉጅለ ዝነበረ፡ ጉስታቮ ቬትሮ ዝተብሃለ ሕጹይ እዩ ዝመርሕ ዘሎ።

ብዙሓት ኣብ ክንድ'ቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎን: ብእብረ ስልጣን ደጊሙ ክወዳደር ዘይክእልን ፕረዚደንት ከም ኣማራጺ ገይሮም ይሪእዎ።

ወይዘሪት ቤታንኮርት፡ ስማ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ግኑን እንተኾነ'ኳ፡ ኣብ 2008 ካብቲ ጅሆ ዝሓዛ ጉጅለ ብሰራዊት እታ ሃገር ነጻ ካብ እትወጽእ ጀሚራ ድምጻ ኣጥፊኣ እያ ጸኒሓ።

ብምዃኑ'ውን ኣብቲ መረጻ ንክትዕወት ከቢድ ንሕንሕ ክገጥማ ምዃኑ ይግመት።

ወይዘሪት ቤታንኮርት ኣብ እዋን መረጻ 2002 ኣብ ሓንቲ ከተማ ጎስጓስ ክትገብር ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን እያ ብዕጡቓት ጉጅለ ፋርክ ተጨውያ ኣብ ጸምጸም በረኻታት ኮሎምብያ ንሽድሽተ ዓመታት ዝኣክል ጭካነ ዝተመልኦ ኢሰብኣዊ ተግባራት ክፍጸማ ጸኒሑ።

ብ2008 ነጻ ካብ እትወጽእ ጀሚራ፡ ዝበዝሕ ግዜኣ ምስ ስድራኣ ኣብ ፈረንሳ እያ ኣሕሊፋቶ።

እቶም ጅሆ ሒዞምዋ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣብቲ ን50 ዓመታት ዝዘለቐ ውግእ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ይንገር።

ኣብዚ እዋን እቲ ጉጅለ ምስ መንግስቲ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፈሪሙ፡ ኣባላቱ ኣብ ፓርላማ ዝኣተዉ ኾይኖም ገለ ዝተፈንጨሉ ግን ዛጊድ እናተወግኡ ይርከቡ።