ኣብ ኮሎምብያ ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር ገበን ክድለ ዝጸንሐ ‘ሓደገኛ’ ውልቀሰብ ተታሒዙ

ኣብ ኮሎምያ ዕጸ ፋርስ ብምዝውዋር ገበን ዝድለ መራሒ ዝዓበየ ጉጅለ ዕጸ ፋርስ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ኦቶኔል ብዝብል ዝፍለጥ ሙሉእ ስሙ ዳይሮ ኣንቶንዮ ኡሱጋ ዝኾነ፡ ብገበን ዕፀ ፋርስ ምዝዋር ክድለ ዝጸንሓ እዚ ውልቀሰብ፡ ትማሊ ብሓባራዊ ስርሐት ሓይሊ ኣየርን ፖሊስን እዩ ክተሓዝ ክኢሉ።

መንግስቲ እታ ሃገር ሃለዋት እዚ ውልቀሰብ ንዝሓበረ ሰብ 800 ሽሕ ዶላር እንትምድብ፡ ኣመሪካ ድማ ሓበሬታ ንዝህብ 5 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ተመጻቢዓ ነይራ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢቫን ዲቁ ናይቲ ውልቀሰብ ምትሓዝ ኣመልኪቱ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ብምስሊ ተሰንዩ ተዛሪቡ።

“እዚ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣብ’ዚ ክፍለ ዘበን ዝካየድ ዘሎ ገበናት ምዝዋር ዕጸ ፋርስ ዓብይ ፍሽለት እዩ ” ኢሉ።

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኮሎምብያ፡ ኦቶኔል ኣንትዮቒያ ኣብ ዝበሃል ገጠር መንበሪ ገዝኡ እዩ ተረኺቡ።

ብዛዕባ እቲ ዝታኻየደ መስርሕ ገና ዝርዝር ሓበሬታ ይወጽእ እንተሎ’ኳ፡ እቲ ፕረዚደንት ከምዝበሎ ኣብቲ ስርሒት ሓደ ፖሊስ ተቐቲሉ ኣሎ።

ሰራዊት እታ ሃገር ድማ፡ ጸኒሑ እቲ ውልቀሰብ ኩርንኩሪት ተኣሲሩ ብወተሃደራት እንትሕሎ ዘርኢ ምስሊ ኣቃሊሑ ኣሎ።

ቅድም ክብል፡ ነቲ ወዲ 50 ዓመት ውልቀ ሰብ ንምሓዝ ኣሸሓት ወተሃደራት ዝሳተፍሉ ተደጋጋሚ ስርሒት ተፈቲኑ ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኦቶኔል፡ ገልፍ [ኡጋ ክላን] እናተብሃለ ዝጽዋዕ ዓሌት (ቀቢላ) መራሒ እዩ ነይሩ። ንሱ፡ ናይቲ ቀቢላ መራሒ ዝኾነ ሓዉ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ምኽባር ሓድሽ ዓመት እንተሎ ምስተቐትለ ንዕኡ ተኪኡ እዩ መራሒ ዝኾነ።

ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ከቢድ ኣጽዋራት ዝተዓጠቐን ሓደገኛን ‘ዓማጺ’ ክብሉ እዮም ዝገልጽዎ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ተግባራት ዝሳተፉ ምስ ካልኦት ዓለም ለኻዊ ጉጅለታት’ውን ርክብ ከምዘለዎ እዩ ዝንገር።

ልዕሊ 1800 ዕጡቓት ኣባላት ዘለውዎ ኾይኑ፡ ገሊኦም ኣብ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ሆንዱራስ ካልኦት’ውን ኣብ ስፔን ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይዝረብ።

እቲ ዓመጸኛ ጉጅለ፡ ካብ ኮሎምብያ ክሳብ ኣመሪካ ኢሉ ድማ ክሳብ ሩስያ ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውር እዩ።

ኦተኔል ሕዚ ዕጸ ፋርስ ናብ ኣመሪካ ብምዝዋር፣ ፖሊስ ብምቕታልን ህጻናት መልሚልካ ብምዕጣቕን ዝኣመሰሉ ገበናት ክሕተት ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ኣመሪካ፡ ብ2009 ክሲ ዝተመስረቶ ኾይኑ፡ ሕዚ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ከምዝኾነን ኣብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክን ከምዝቐርብን ይግመት።