እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታሕተዋይ ባይቶ ሜክሲኮ ካናቢስ ንዝተባህለ ዕጸ ፋርስ ሕጋዊ ዝገብር ኣዋጅ ኣጽዲቑ
ታሕተዋይ ባይቶ ሜክሲኮ፡ ካናቢስ ንዝተባህለ ዕጸ ፋርስ ከም መዘናግዒ ክፍቀድ ዝገብር ሕጊ ኣፅዲቑ።
እዚ ሕጊ፡ ናይ ፕረዝደንት ኣንድረስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር ውድብ ከፅድቖ ትፅቢት ናብ ዝግበረሉ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት) ተመሪሑ ኣሎ።
እዚ ስጉምቲ፡ ሜክሲኮ ካብ ሞንጎ እተን ዕጸ ፋርስ ኣብ ዕዳጋ ንክውዕል ሕጋዊ ዝገበራ ሃገራት ክትከውን ዝገብር እዩ።
ሜክሲኮ፡ ኣንፃር ዕዳጋ ዕጸ ፋርስ ዝበሓቱ ርእሰማላውያን ደማዊ ቃልሲ ከተካይድ ምፅንሓ ይፍለጥ፤ እዚ ድማ በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ንክሞቱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
እቲ ሕጊ: ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ናይ ዝበዝሑ ኣባላት ደገፍ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ፡ ናብ ሰነት ሓሊፉ።
ነዚ ሕጊ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ሰኔት ኣፅዲቕዎ እኳ እንተነበረ፡ ብታሕተዋይ ባይቶ ሓደ ሓደ ለውጥታት ስለዝተገበረ ካልእ ድምፂ ምሃብ ኣድላይ ኮይኑ ተረኺቡ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ተጠቀምቲ ክሳብ 28 ግራም ሒዞም ክንቀሳቐሱን፡ ንርእሶም ንምጥቃም ድማ፡ ሸሞንተ ገረብ ዕጸ ፋርስ ኣብ ገዝኦም ክተኽሉን ክፍቀድ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ሜክሲኮ፡ ሓደ ሰብ ልዕሊ ሓሙሽተ ግራም ዕጸ ፋርስ ክሕዝ ኣይትፈቅድን።
ፕረዝደንት እታ ሃገር፡ እዚ ሕጊ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዕሉላት ኣዘዋወርቲ መዐወኒ ዕፅ ንምቁፅፃር ከምዝሕግዝ ገሊፁ።
ሓደ ኣባል ባይቶ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ እዚ ሕጊ ሰላም ክዓስል ዝገብር እዩ ኢሉ።
እንተኾነ ካልኦት ነቐፍቲ፡ ማሪዋና ዝተባህለ ዕጸ ፋርስ ንህፃናት ተበፃሒ ክኾን ዝገብር እዩ ብምባል ይቃወምዎ።
ብሰኔት እታ ሃገር እዚ ሕጊ እንተፀዲቑ፡ ሜክሲኮ፡ ካብ ኡራጋይን ካናዳን ቀፂላ፡ ብብርኪ ሃገር ካናቢስ ንመዘናግዒ ክውዕል ዝፈቐደት ሃገር ክትከውን እያ።