ጃፓናዊ ቢልዮነር፡ ብነጻ ምስኡ ኣብ ከባቢ ወርሒ ዑደት ዝገብሩ ሰባት ይደሊ ኣሎ

ጃፓናዊ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ብኢሎን ሙስክ እትውነት ስፔስ ኤክስ ገይሩ ኣብ ከባቢ ወርሒ ንዝገብሮ ዑደት፡ ሸሞንተ ሰባት ከይከፈሉ ምስኡ ክጉዓዙ ዕድመ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኣብቲ ብትዊተር ብቪድዮ ኣሰንዩ ዝልኣኾ መልእኽቲ “እዚ ዕድመ ንኹሉ ህዝቢ ዓለም እዩ ዝምልከት፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጽኡ ሰባት ክጽንበሩኒ ኸኣ’ዩ ድሌተይ” ብምባል ድሌት ዘለዎ ሰብ ነዚ ዕድል ተኻፋሊ ንኽኸውን ቅጥዕታትን ዝርዝራዊ ትሕስቶን ዝምልኦ ጥብቆ’ውን ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ ኣሎ

ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኩሉ ወጻኢታት ባዕሉ ከምዝሽፍኖ ብምግላጽ እቶም ምስኡ ናብ ጠፈር ዝጉዓዙ ሸሞንተ ሰባት ዝኾነ ወጻኢታት ከምዘይብሎም’ውን ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ውጥን ናይ ጉዕዞ ኣብ 2023 ዝግበር ኮይኑ ‘ዲር ሙን’ ዝብል ስም’ዩ ተዋሂብዎ።

እቶም ምስ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ናብ ወርሒ ክኸዱ ከመልክቱ ዝደልዩ ሰባት፡ ክልተ ክገብርዎ ዘለዎም ቅድመ ኩነት’ውን ቀሪብሎም ኣሎ።

እቲ ቅድመ ኩነት፡ እቶም ናብ ከባቢ ወርሒ ምስ ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ንክጉዓዙ ከመልክቱ ዝደልዩ ሰባት ንኻልኦት ሰባትን ንሕብረተሰብን ሓገዝቲ ክኾኑን፡ ምስቶም ንሕብረተሰብ ዝሕግዙ ካልኦት ሰባት ተዋሃሂዶም ዝልዓለ ነገር ንምስራሕ ድልውነት ዘለዎምን ክኾኑ ኣለዎም እዩ ዝብል።

ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ “ነቲ ኣብታ ሞንኮርኮር ዘሎ ኮፍ መበሊ ንኹሉ ስለዝኸፈልክሉ፡ ኣብቲ ጉዕዞ ኣነን እቶም ነዚ ዕድል እዚ ዝሕረዩ ሸሞንተ ሰባትን ጥራይ ኢና ክንህሉ” ኢሉ።

ያሱኩ ማእዛዊ ኣብ ፋሽን ዓቢ ስም ዘለዎን ስነ ጥበባዊ ቅርስታትን ኣብ ምእካብን ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ብውሩያት ስነጥበባውያን ተሰንዩ እዩ ነቲ ኣብ ከባቢ ወርሒ ዝግበር ዑደት ከካይዶ ወጢኑ ነይሩ “ድሒረ ምስ ሓሰብክዎ ግን ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዕድመ ኣቕሪበ ዝተፈላላየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሸሞንት ሰባት ምምራጽ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ዝበለጸ ኮይኑ ረኺበዩ” ይብል።

ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ጓልን ንምጻኢ ዓርኩ ትኾነኖን ኣብቲ ጉዕዞ ምስኡ ክትኸይድ ድልያ ጀሚሩ ነይሩ እዩ ድሒሩ ግን ነቲ ሓሳብ ‘ጠንጢነዮ’ ኣለኹ ኢሉ ገዲፍዎ።

ኣብ 2018 ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ናይ መጀመርታ በታ ብኢሎን ሙስክ እትውነን ስፔስ ኤክስ ናብ ህዋ ክበርር ውጥን ዝሓዘ ውልቀ ሰብ ተባሂሉ ሽሙ ብኽብሪ ሰፊሩ ይርከብ።

ቢልዮነር ያሱኩ ማእዛዊ ኣብ ከባቢ ወርሒ ዑደት ኣካይዱ ንኽምጽእ ንትካል ኢሎን ሙስክ ክንደይ ክኸፍል ከምዝተሰማማዐ ክሳብ ሕጂ ኣይተነገረን ዘሎ፡ እንተኾነ ብመሰረት ኢሎን ሙስክ ዘተንበሆ እንተኾይኑ “ኣዝዩ ብዙሕ ሰልዲ እዩ”።

እዚ ኣብ 2023 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዑደት ኣብ ከባቢ ወርሒ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ሰብ ዝጽዓነት መንኮርኮር ኣብ ከባቢ ወርሒ ዑደት ከተካይድ ድሕሪ 1972 እዚ ናይ መጀመርታ እዩ ክኸውን።