ኣብ ሞዛምቢክ፡ ኣትክልቲ በረኻ ዝተመገቡ 25 ኣባላት ቤተሰብ ሞይቶም

ብጥምየት ኣብ ዝተጠቕዐት ሞዛምቢካዊት ዞባ ምዌኬት፡ ኣትክልትን ፍረታትን በረኻ ድሕሪ ምምጋቦም ካብ ዝሞቱ 35 ሰባት፡ 25 ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ከምዝርከቡዎም ሰበስልጣን ገሊጾም።

ኣብቲ ዞባ፡ ሰባት ፍረታት መሮርን ሳዕርን ይምገቡ ከምዘለዉ ኣብ ቀረባ ሓበሬታ ከምዝበጸሖም እዮም እቶም ሰበስልጣን ዝዛረቡ።

ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ድማ፡ 'ዢማ' ዝበሃል ባህላዊ ምግቢ ንምድላው ነበርቲ ሳዕሪ ይጥሕኑ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

ዢማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባህላዊ ገዓት ሞዛምቢክ፡ ብልሙድ ካብ ሕሩጽ ዕፉን እዩ ዝዳሎ።

ኣብ ግዝኣት ናምፑላ ዘጋጠመ ሕጽረት ምግቢ ዋሕዲ ዝናብ ዝፈጠሮ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ኣብታ ግዝኣት ካብ ዝርከባ 23 ዞባታት እተን 5 ጥራይ እየን ስሩዕ ዝናብ ረኺበን።