እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሄሊኮፕተር ፕረዚደንት ኮሎምብያ ብጥይት ተሃሪማ
ንፕረዚደንት ኮሎምብያ ኢቫን ዱከይልን ካልኦት ሰብ መዚ እታ ሃገር ሒዛ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ብጥቓ ዶብ ቬነዝዌላ እናበረረት እንከላ ብጥይት ከምዝተሃርመት ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢቫን ዱከይል ምስ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ፕረዚደንት ዞባ ኖርተ ዲ ሳንታደራ ናብ ኩካታ ዝብሃል ቦታ ናይ ዞባ ኖርተ ዲ ሳንታደር እናበረሩ እንከለዉ’ዮም እታ ተሳፊሮማ ዝነበሩ ሄሊኮፕተር ብጥይት ተሃሪማ።
ውሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃሰየ ሰብ ከምዘየለ እዩ ገሊጹ ዘሎ።
ፕረዚደንት ኢቫን ዱከይል ነቲ ተግባር ‘ናይ ጃጀውቲ’ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን “ብግጭትን ሽበራዊ ተግባራትን ኣይርዕድን’የ” ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርገሖ መልእኽቲ “ሃገርና ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትምክት እኹል ሓይሊ ኣለዋ” ድሕሪ ምባል፡ ኣካላት ጸጥታ ነቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ሒዞም ናብ ፍርዲ ከቕርብዎም ትእዛዝ ሂቡ።
ሳማና ዝተባህለት ናይ ኮሎምብያ ማዕከን ዜና እቶም ነበርቲ ናይቲ እታ ሄሊኮፕተር ዝተሃረመትሉ ብርቱዕ ድምጺ ምስመዖምን እታ ሄሊኮፕተር ክትዓልብ ከምዝርኣይዋን ኣብ ዓምዳ ኣቃሊሓ።
ጸጋማዊ ዝኾነ ሰራዊት ሃገራዊ ናጽነት ዝተሰመየ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዶብ ኮሎምብያን ቬነዝዌላን ኣብ ዝርከብ ዞባ ካታቱምቦ ከምዝንቀሳቐስ ብተደጋጋሚ ይንገር’ዩ።
እቲ ኣብ 1964 ዝተመስረተ ዕጡቕ ጉጅለ ነቲ ኣብ ኮሎምብያ ዘሎ ዘይምዕሩይ ዝርገሐ ሃብትን ዘይማዕርነትን ንምቅላስ ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይድ ከምዘሎ‘ዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣብ ኮሎምብያ ካብ ዘለዉ ዑጡቓት ሓይልታት ብሓይሉ፤ ብብዝሑን ውዳበኡን ዝደልደለ ከምዝኾነ ዝግለጽ ሰራዊት ሃገራዊ ናጽነት፡ ብመንግስቲ ኮሎምብያ፤ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ዘርዝር ግብረሽበራዊ ጉጅለ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካኩታ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ኣመሪካውያን ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ዝርከብዎም 36 ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ፡፡ መንግስቲ ኮሎምብያ ነቲ መጥቃዕቲ ሰራዊት ሃገራዊ ናጽነት’ዩ ፈጺምዎ ክብል እንከሎ እቲ ጉጅለ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ’ዩ ገሊጹ።