ቀታሊ ጆርጅ ፍሎይድ ን22 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ንጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ግንቦት 2020 ዝቐተለ ፖሊስ ኣመሪካ ነበር ድሬክ ቻውቪን ን22 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰር ተፈሪዱ።

ዳኛ ፒተር ካሂል፡ ፍርዲ ድሬክ ቻውቪን “ነቲ ዝነበረካ ሓላፍነትን እምነትን ብዘይኣገባብ ዝለዝተጠቐምካሉን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተፈጸመ ቅትለት ጭካነ ስለዝነበሮን እዚ ኣብ ግምት ኣትዩ እቲ ፍርዲ ተዋሂብካ ኣሎ” ኢልዎ።

ወዲ 48 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኢዱ ንድሕሪት ተሞቚሑ እንከሎ፡ ቻውቪን ብብርኩ ኣብ ክሳዱ ንትሽዓተ ደቓይቕ ምስ ጸቐጦ’ዩ ህይወቱ ሓሊፋ።

ሞት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዓለማዊ ናዕቢ ብምልዓል፡ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ንጭካነ ፖሊስን ንዓሌታውነትን ኮኒኑ።

ኣብቲ እዋን ፍርዲ ጠበቓ ድሬክ ቻውቪን፡ እቲ ቅትለት ብጌጋ ዝተፈጸመ ምዃኑ ብምግላጽ ፍርዲ ንክቓለለሉ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ወዲ 45 ዓመት ድሬክ ቻውቪን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብካልኣይ ደረጃ ቅትለትን ተወሰኽቲ ገበናትን’ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ድሬክ ቻውቪን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ማእሰርቲ ፍርዱ፡ ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጽአ’ውን ዝኾነ ተተኳሲ ብረት ከይሕዝ ተኣጊዱ ኣሎ፡፡

ብዘይካ ድሬክ ቻውቪን ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ፖሊስ’ውን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ጆርጅ ፍሎይድ ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።

ስድራን ደገፍትን ጆርጅ ፍሎይድ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ብይን ብጸጋ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ።

ጠበቓ ቤን ክሩፕ ብትዊተር “እዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ፍርዲ፡ ንስድራ ፍሎይድን ንሃገርናን ገበን ዝፈጸመ ተሓታቲ ከምዝኸውን ኣብ ምርኣይ፡ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት’ዩ” ኢሉ።

ሓፍቱ ንጆርጅ ፍሎይድ ብሪገት ፍሎይድ፡ እቲ ፍርዲ “ጭካነ ፖሊስ ብተሪር ከምዝርአ ዘርኢ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ብሕጂ ግን ብዙሕ ይተርፈና’ዩ” ኢላ።

ኣብ እዋን ፍርዲ እንታይ ተባሂሉ?

ሓዉ ንጆርጅ ፍሎይድ፡ ተራስ ፍሎይድ እቲ ፍርዲ 40 ዓመት ክኸውን ኣለዎ ብምባል ብዓውታ ክዛረብ ተሰሚዑ።

ብምስዓብ “ንምንታይ? ንሓወይ ህይወቱ ክሳብ ትሓልፍ ብብርክኻ ኣብ ክሳዱ ክትረግጾ እንከለኻስ እንታይ ትሓስብ ነይርካ?”ብምባል ናብ ድሬክ እናጠመተ ተዛሪቡ።

ጓሉ ንጆርጅ ፍሎይድ ጓል ሸውዓተ ዓመት ጅያና’ውን ነቲ መስርሕ ፍርዲ ብቪድዩ ትከታተሎ ነይራ፤ ብቪድዩ ኣብ ዘስምዓቶ ዘረባ’ውን ንኣቡኣ ኣዝያ ከምእትፈትዎን ከምዝናፈቐቶን ሕንቅንቕ እናበለት ተዛሪባ።

“ብዛዕብኡ ወትሩ’የ ዝሓትት” ድሕሪ ምባል “ንግሆ ንግሆ ስነይ ንኸጽሪ ባባ’ዩ ዝሕግዘኒ ነይሩ” ኢላ።

ዳኛ ፒተር ካሂል፡ እቲ ቅትለት ንኹሉ ሕብረተሰብን ንሃገርን ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ነይሩ ድሕሪ ምባል፡ ንስድራ ጆርጅ ፍሎይድ ግን ሓለፋ ምዃኑ ሓቢሩ።

“እቲ ፍርዲ ብስምዒት ዝተገበረ ኣይኮነን፤ ወይ’ውን ብድንጋጸ ዝተበየነ ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ እቲ ዓሚዩቕ ሓዘን፣ ስምዒትን ቃንዛን ስድራ ኸኣ ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን” ኢሉ።

ድሬክ ብወገኑ ንስድራ ጆርጅ ፍሎይድ ጽንዓት ይሃብኩም ምባሉ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

እንተኾነ በቲ ዝገበሮ ከምዝተጥዓሰ ዝገልጽ ቃል ኣየስመዐን።