ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተኸሰሰ ዴሪክ ቻውቪን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ

ፈራዶ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሚንያፕልስ ዝተፈጸመ ቕተለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ተኸሲሱ ዝጸንሐ ኣባል ፖሊስ ነበር ዴሪክ ቻውቪን ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ተገሊጹ።

ወዲ 45 ዓመት ዴሪክ ቻውቪን ኣብ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ንልዕሊ 9 ደቓይቕ ተንበርኪኩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ እዩ።

እቲ ብብዝሒ ዝተርኣየ ቪድዮ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣንጻር ዓሌታውነትን ሕሉፍ ምጥቃም ሓይልን ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ እዩ።

ቻውቪን ኣብ ሰለስተ ክስታት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ፤ ካልኣይ ደረጃ ቅትለት ሰብ፡ ሳልሳይ ደረጃ ቅትለት ሰብን ሕልፈተ-ትንፋስን (ብወዝቢ)።

ክሳዕ ፍርዲ ዝወሃቦ ድማ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሕ ኮይኑ፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ክፍረድ ከም ዝኽእል ይግመት።

እቲ 12 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ፈራዶ ንሰለስተ ሰሙን ዘካየዶ መስርሕ ፍርዲ ብዙሓት ብቅርበት ክከታተልዎ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ብይን ድሕሪ ምግላጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ፍርዲ ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም።

ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ፡ በን ክራምፕ እቲ ውሳነ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ "ነጥበ መቐይሮ" እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ብቓንዛ ዝተረኽበ ፍትሒ ኣብ መወዳእቱ በጺሑ" ድሕሪ ምባል "ንሕጊ ዘፈጽሙ ኣካላት ብሓላፍነት ክሰርሑ ዘዘኻኽር ንጹር መልእኽቲ እዩ" ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ብይን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ንስድራ ፍሎይድ ስልኪ ደዊሎም ከዘራርብዎም እንከለው፤ ሚስተር ባይደን "ካልእ እንተተረፈ ሕጂ ገለ ፍትሒ ተረኺቡ ኣሎ" ክብል ተሰሚዑ።

"ካልእ ብዙሕ ክንረክብ ኢና። እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹር ክፍፍል ዓሌታውነት ዝውሰድ ናይ ፈለማ ስጉምቲ እዩ" ኢሉ።

ማሕበር ግብረሰናይ ፌደሬሽን ፖሊስ ሚንያፕልስ፡ ነቶም ፈራዶ ምስጋንኡ ገሊጹ።

ቻውቪን ነቲ ብይን ይግባይ ክብል ትጽቢት ከም ዝግበር መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ጸብጺበን።