ኣብ ኣመሪካ ጥቓ ሚንያፖሊስ ሓደ ጸሊም ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ ናዕቢ ተላዒሉ

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ሚንያፖሊስ ኣብ እትርከብ ከተማ ብሩክሊን ሰንተር፡ ፖሊስ ንሓደ ጸሊም መንእሰይ ድሕሪ ምቕታሉ ብዝተልዓለ ናዕቢ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ከምዝተኮሱን ሕላፍ ሰዓት ከምዝተኣወጀን ተገሊጹ፡፡

ዳውንት ራይት ዝተባህለ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ኣብ ናይ ትራፊክ መብራህቲ እዩ ብፖሊስ ተቐቲሉ፡፡

ክሳብ 11፡00 ጂኤምቲ ሕላፍ ሰዓት ዝኣወጀ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ሰባት ድሕነቶም ክሕሎ ናብ ቤቶም ክኣትዉ ጸዊዑ፡፡

መስርሕ ፍርዲ ንጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝቐተለ ፖሊስ፡ ይሳለጥ ኣብ ዘለሉ እዋን'ዩ ሚንያፖሊስ ኣብ ወጥሪ እያ ዘላ፡፡

እቲ ኩነታት ከመይ ማዕቢሉ?

ሰንበት ምሸት፡ ናይ ዳውንት ራይት ሽም እናጸውዑ ዝጭርሑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ብሩክሊን ሰንተር ተኣኪቦም፡፡

ፖሊስ ኣድማ መበተኒ ጋዝ ምስተኮሰን እቶም ሰልፈኛታት ድማ ንክልተ መካይን ፖሊስ ብእምኒ ምስወቕዑን ግና ናብ ናዕቢ ከምዝተቐየረ ሮይተርስ ገሊጹ፡፡

ሰልፈኛታት ኣብቲ ጎደና ብቾክ ምጽሓፍን ሽምዓ ምብራህን ቀጺሎም፤ ፖሊስ ክብተኑ ዝሓተቶም ኮይኑ፡ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ከምዝተኮሰ መረዳእታታት የመልክቱ፡፡

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዘረፋ ከምዝነበረን ከንቲባ እታ ከተማ ሰዓት እቶ እቶ ከምዝኣወጀን መራኸቢ ማዕናት ጸብጺበን፡፡

ብተወሳኺ እታ ከተማ ሎሚ ሰኑይ፡ ኣብያተ ትምህርትን ህንጻታትን ከምዝዓጸወትን ኩሎም ንጥፈታት ከምዝተሰረዙን ተገሊጹ፡፡

ዳውንት ራይት እንታይ ኣጋጢምዎ?

ካብ ዲፓርትመንት ፖሊስ ብሩክሊን ሰንተር ዝወጸ ሓበሬታ፡ ፖሊሳት ብሰንበት ንሓደ ሕጊ ትራፊክ ዝጠሓሰ ሰብ ካብ መኪንኡ ከምዘውጽኡዎን ውንዙፍ ናይ መእሰሪ መጸዋዕታ ከምዘለዎ ከምዝሓበሩዎን ይገልጽ፡፡

እቶም ፖሊስ ክኣስርዎ ምስ ፈተኑ ግና ናብ መኪንኡ ተመሊሱ ኣትዩ፤ መኪንኡ ሒዙ ሃዲሙ፡፡

ዝተወሰነ ርሕቀት ከይዱ ምስ ካልእ መኪና ምስተጋጨወ ድማ እቲ ፖሊስ ተኲሱ ወቒዕዎ፤ እቲ ግዳይ ሽዑ ንሽዑ ዝሞተ ኮይኑ፡ ኣብታ ካልእቲ መኪና ዝነበረት ሰበይቲ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ በጺሕዋ፡፡

ኣዲኡ ንራይት፡ ወዳ ኣብቲ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ኮይኑ ደዊሉላ ከምዝነበረን ‘‘ብምኽንያት ኣብ ናይ ድሕሪት መርኣዪ መስትያት ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሽቶ ካብ መኪንኡ ከምዘውጽእዎ ከምዝገለጸላን’’ ተዛሪባ፡፡

ቀጺላ ስልኪ ስለዝተቛረጸ፡ ኣብታ መኪና ምስኡ ናብዝነበረት ኣፍቃሪቱ ከምዝደወለትን ብጥይት ተቐቲሉ ኢላ ከምዝነገረታን ሓቢራ፡፡

ነቲ ኩነታት ‘‘ዘሕዝን’’ ክብል ዝገለጾ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ‘‘ መንግስትና በቲ ሕጊ ንምኽባር ዝጠፍአ ህይወት ካልኣይ ጸሊም ሰብኣይ ሓዚኑ’’ ኢሉ፡፡