እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተጠርጠረ ፖሊስ 'ብምጥፍፋእ ግብሪ' ተኸሲሱ
ኣባል ፖሊስ ሚንያፖሊስ ነበርን ብቅትለት ጸሊም ኣፍሪካዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ከይዲ ዝርከብ ደሬክ ቻውቪን ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኸውን ዝነበሮ ዝተፈላለየ ግብሪ ኣይከፈልካን ተባሂሉ ተወሳኺ ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ።
ደረክ ቻውቪን ከምኡ 'ውን ብዓልቲ ቤቱ ካብ ዝተፈላለየ ስራሕ ዝረኸብዎ ኣታዊ፡ ኣስታት 38 ሽሕ ዶላር ግብሪ ክኸፍሉ ዝነበሮም፡ ብዘይምኽፋሎም'ዮ ክሲ ተመስሪትዎም ዘሎ።
ደሬክ ቻውቪን ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ንጆርጅ ፈሎይድ ብብርኩ ኣብ ክሳዱ ንኣስታት ትሽዓተ ደቃይቕ ምስ ጸቀጦ'ዮ ጅርጅ ፍሎይድ ትንፋሱ ሓሊፋ።
እዚ ብዙሓት ብሞባይል ቀዲሖም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሕዎ ተንቀሳቓሲ ምሰሊ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሓያል ምልዕዓል ብምፍጣር ኣብ ፖሊስ ኣሜሪካ ዳግመ ምውዳብን ምምሕያሽን ክግብር ጻወዒት ክቐርብ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።
ደሬክ ቻውቪን ካብ ስራሕ ክስጎግ እንከሎ፡ ብካልኣይ ደረጃ ቅትለት ክሲ ተመስሪትሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኮይኑ ጉዳዩ ኣብ ምክትታል ይርከብ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ፖሊስ'ውን ካብ ስራሕ ተሰጊጎም ገበን ንኽፍጸም ተሓባቢርኩም ዝብል ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ።
ድረክ ቻውቪንን ብዓልቲ ቤቱ ካሊ ቻውቪንን ዘይቅኑዕ ሰነዳት መኽፈሊ ግብሪ ኣቅሪብኩም ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሎም ዘሎ።
እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር ካብ 2014 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ ክልቲኦም ብጎናዊ ስራሕ ካብ ዝረኸብዎ ነቲ 464,433 ዶላር ግብሪ መንግስቲ ከምዘይከፈልሉ እዩ ተሓቢሩ።
ዓቃቢ ሕጊ ኢምራን ዓሊ እቲ መርመራ ይቕጽል ስለዘሎ እቲ ግብሪ ዘይተኸፈሎ ሰነዳት ክውስኽ ከምዝኽእል እዩ ሓቢሩ።
ዓቃቢ ሕጊ ግብሪ፡ ኢምራን ዓሊ "ግብሪ መንግስቲ ዘይምኽፋል ልክዕ ካብ ጁባ ነበርቲ ሚኖሶታ ሰልዲ ከም ምስራቕ'ዩ ዝሕሰብ" ኢሉ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ብምስዓብ "ፖሊስ፡ ጠበቓ፡ ዶክተር ዝኾነ ሰብ ኣብ ሕጊ ማዕረ እዩ፡ ዋለ ሓደ ድማ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ።