እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንጸሊም ኣመሪካዊ ጃኮብ ብሌክ ብጥይት ዝወቕዐ ፖሊስ መንነቱ ተገሊጹ
ዓቃቢ ሕጊ ዊስኮንሲን መንነት እቲ ብሰንበት ንጸሊም ኣመሪካዊ ጃቦብ ብሌክ ብጥይት ዝሃረሞ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ዓቃቢ ሕጊ ጆሽ ካኡል፡ ጃኮብ ብሌክ መኪንኡ ኸፊኡ ክኣቱ ክኣቱ ክበል ብሩስተን ሺስኪ ዝተባህለ ፖሊስ ሸውዓተ ግዜ ጥይት ብምትኳስ ብድሕሪቱ ከም ዝሃረሞ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ኣብ መኪና እቲ ግዳይ ካብ ካራ ወጻኢ ካልእ ብረት ከም ዘይተረኸበ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ጃኮብ ብሌክ ብፖሊስ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓያል ተቓውሞ ዘበገሰ ኮይኑ፡ ገሊኦም ናብ ጎነጽ ተቐይሮም ኣለው።
ትማሊ ኣብ ዝወዓለ ናዕቢ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ሓደ ክቖስል እንከሎ፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት ድማ መንእሰይ ተኣሲሩ።
ክልቲኦም ደቂ 26ን 36 ዓመት መናእሰያት ኮይኖም፤ እቲ ዝቖሰለ ድማ ወዲ 26 ዓመት'ዩ። ካይል ሪተንሃውስ ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ድማ ብቐዳማይ ዲግሪ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ኣሎ።
ጸሊም አመሪካዊ ብሌክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብን ምንቃሕ ከም ዝጀመረን'ኳ እንተተገለጸ፡ ጠበቓታቱ ግን ድሕሪ ሕጂ ጠጠው ኢሉ ንክኸይድ "ተኣምር" ከድሊ እዩ ኢሎም።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምኽንያት እቲ ናዕቢ ከጋጥም ዝኽእል "ዝምታ፣ ጎንጺን ስርዓት ኣልቦነትን" ክከላኸሉ'ዮም ዝበሎም ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብ ከተማ ኬኖሻ ልኢኹ'ሎ።
ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ድማ ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ ጃኮብ ብሌክ ብደረጃ ፌደራል ዝካየድ ምጽራይ ጀሚሩ ኣሎ።
መንግስቲ ከም ዝበሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታት ኤፍቢኣይ ናብ ከተማ ማርሻልስ ተላኢኾም ኣለው።
ብምኽንያት እቲ ፖሊስ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ከተማታት ፖርትላንድ፣ ኦርጎን፣ ሚኒያፖሊስን ሚኒሶታን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣመሪካ ተቓውሞ ተላዒሉ'ሎ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ኬኖሻ ብዝተላዕለ ናዕቢ ብርክት ዝበላ መካይን ተቓጺለን፣ ኣባይቲ'ውን ነዲዶም'ዮም።
ኣመሓዳሪ ቶኒ ኤቨርስ ተወሳኺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ከተማ ኬኖሻ ከም ዝልእኽ ተዛሪቡ ኣሎ።
እዞም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፡ ትካላትን ንብረትን መንግስቲ ሓደጋ ከይበጽሖም ክሕልው'ዮም። ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ድማ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ኣሎ።
ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሚኒሶታ ብጸዓዱ ፖሊስ ክሳዱ ተሓኒቑ ምስ ሞተ ዓለምለኻዊ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።