ሓንቲ ኣመሪካዊት ከተማ ንግዳያት ኣድልዎ ዝነበሩ ነበርታ ካሕሳ ክትከፍል ወሲና

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ቺካጎ እትርከብ ሓንቲ ከተማ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ንዝተጓነዩ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ነበርታ ካሕሳ እትኸፍል ፈላመይቲ ከተማ ክትከውን እያ።

ቤት ምኽሪ ከተማ ኢቫንስቶን፡ 16 ጸለምቲ ስድራቤታት ተጠቀምቲ ናይቲ ውሳነ ንክኾኑ፡ ሸሞንተ ብሓደ ብዝኾነ ድምጺ ክትውስን እንከላ፡ ንነፍሲ ወከፎም 25 ሽሕ ዶላር ክትህቦም'ያ።

እዚ ናይ ገንዘብ ካሕሳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሕጋዊነት ካብ ዝረኸበ መሸጣ ማሪዋና ዝርከብ እቶት ዝወሃብ ክኸውን እዩ።

ብርክት ዝበሉ ጸለምቲ ኣመሪካውያን፡ ብምኽንያት ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝነበሮ ውሳነታት መንበሪ ገዛ ንምውናን ከም ዝተጸገሙ ይግለጽ።

እዞም ተጠቀምቲ እዚ ሓድሽ ውሳነ ክኾኑ'ዮም ዝተባህሉ ጸለምቲ፡ ካብ 1919 ክሳብ 1969 ተቐማጦ እታ ከተማ ዝነበሩ ወይ'ውን ኣባላት ስድራቤት ነበርቲ ዝኾኑ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ።

ንሳቶም: ብምኽንያት ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ: ግዳያት ኣድልዎ መንበሪ ኣባይቲ ዝነበሩ ክኾኑ ኣለዎም።

ኣስታት 16 ሚኢታዊት ነበርቲ ከተማ ኢቫንስቶን ጸለምቲ ክኾኑ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት 10 ሚሊየን ዶላር ምስ ካሕሳ ዝተሓሓዝ ወጻኢ ክትገብር መደብ ኣለዋ።

"ኣብ ሕሉፍ ካብ ዝበጽሕ ዝነበረ ጉድኣት ተበጊሱ ተጠቀምቲ ክንከውን ስለ ዝተሓስበ ሕጉሳት ኢና" ክብል ኣቦ መንበር ሃገራዊ ልፍንቲ ካሕሳ ጸለምቲ ኣብ ኣመሪካ ካም ሆዋርድ ንመደበር ተለቪዥን ሲ-ቢ-ኤስ ተዛሪቡ።

ኣብ 1968፡ ኣብ ኢቫንስቶን ሕጊ መንበሪ ኣባይቲ'ኳ እንተጸደቐ፡ ክሳብ 1985 ግን ጸለምቲ ካብታ ከተማ እናተደፍኡ ኣብ ጸግዓ ጸግዒ ክሰፍሩ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ቀጻሊ ግዝኣት ካሊፎርኒያ፣ ከተማ ኣዮዋን ፕሮቪደንስእ፡ ከምኡ'ውን ግዝኣት ርሆደ ኣይላንድን ንዝነብሩ ጸለምቲ ካሕሳ ክኽፈሉ ይሕሰብ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ይኹን'ምበር ኣብ መላእ ኣመሪካ ንካሕሳ ዝድግፍ ኩነታት የለን።

ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘካየዶ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ "ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ኣመሪካ ጊልያ ንዝነበሩ ሰባት ደቆም ካሕሳ ክኽፈል ኣለዎ" ዝበሉ 20 ሚኢታዊት ጥራሕ'ዮም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብታ ሃገር ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝተፈጸመ ጊልያነትን ዓሌታውነትን ካሕሳ ክኽፈሉ ዝገብር መስርሓት ክተኣታቶ ጸቕጢ ኣሕዲሩ'ዩ።

ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒያፖሊስ፡ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ረጊጹ ምስ ቀተሎ ኣብ መላእ ዓለም ሓያል ተቓውሞን ናዕብን ከም ዘልዓለ ይዝከር።