ንቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝሰኣለት መንእሰይ ሽልማት ጋዜጠኝነት ተሸሊማ

ንቅትለት እቲ ብፃዕዳ ፖሊስ ህይወቱ ዝሓለፈ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝቐረፀት (ዝሰኣለት) መንእሰይ፡ ብቦርድ ፑልትዘር ፍሉይ ሽልማት ጋዜጠኝነት ተሸሊማ።

ን ጓል 18 ዓመት ዳርኔላ ፍረይዘር ንሽልማት ዝሓረየ ኮሚቴ ፑልትዘር፡ ብዘርኣየቶ ትብዓት ከምዝሸለማ ገሊፁ።

ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘርእይ ንሳ ዝቐረፀቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ነዚ ዓሌታዊ ቅትለት ፍትሒ ክወሃብ ዝጉስጉሱ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ መላእ ዓለም ክካየድ ካብ ምድራኽ ብዝዘለለ፡ መርመርቲ'ውን፡ ነዚ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ዝፈፀመ ፖሊስ ድሬክ ቻውቪን፡ ከም መርትዖ ተጠቒሞምሉ'ዮም።

ፑልትዘርስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዓብይ ክብሪ ዝወሃቦ ሽልማት ጋዜጠኝነት እዩ።

ኮሚቴ ፑልትዘር፡ ንዳርኔላ ፍረይዘር "ብትብዓት ንዝቐረፀቶ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ኢና ሸሊምናያ፤ እዚ ቪድዮ ኣብ መላእ ዓለም ኣንፃር እቲ ብፖሊስ ዝተፈፀመ ጭካነ ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየድ ደሪኹ፣ ዜጋታት ኣብ ጋዜጠኛታት ዘለዎም ግደ'ውን ዘጉለሐ እዩ፡ ምንዳይ ሓቅን ፍትሕን" ኢሉ።

ፍረይዘር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 25 ግንበት ኣብ ሚንያፖሊስ ምስ ወዲሓውቦኣ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ትገብረሉ እያ፡ ማእሰርቲ ፍሎይድ ዝረኣየት።

"ሓደ ሰብኣይ ኣብ ራዕዲ ኮይኑ፡ ምእንቲ ህይወቱ ክልምን ርእየ" ብምባል፡ ነቲ ፍፃመ ብሞባይላ ክትቀድሖ ከምዝጀመረት፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪባ ገሊፃ እያ።

ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ጆርጅ ፍሎይድ 'ክትንፍስ ኣይከኣልኩን' ይብል ኔሩ፡ ፈሪሑ ስለዝነበረ ከኣ፡ ንኣዲኡ ይፅውዕ ኔሩ" ኢላ።

እዚ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ መላእ ዓለም ተቓውሞታት ክካየድ ዘበገሰን፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዓሌታዊ ቀመር ዘንፀባረቐን ኮይኑ።

ቅትለት ፍሎይድ፡ ኣንፃር ፀዓዱ ዘይኮኑ ሰባት ብፖሊስ ንዝፍፀም ጭካነ ትእምርቲ ኮይኑ፤ ዓሌታዊ ፍትሒ ክነግስ ዝጉስጉስ ዓለማዊ ሰልፍታት ክካየዱ ድማ ምኽያት ኮይኑ እዩ።

እዚ ምስሊ፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ልዕሊ ዝቐተለ ፖሊስ ዴሪክ ቻውቪን ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት መርትዖ ኮይኑ'ዩ። ደሓር ድማ ቻውቪን ብካልኣይን ሳልሳይ ዲግሪ ቅትለትን ሳልሳይ ዲግሪ ነብሲ ምጥፋእን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ዳርኔላ ፍሬይዘር ምርመራ ኣብ ዝካየደሉ ግዘ ቀሪባ፡ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ህይወታ ከምዝቐየሮ'ያ ገሊፃ።

"ጆርጅ ፍሎይድ ምስዝጥምት፡ ንኣቦይ እየ ርእየ፣ ንሓወይ'የ ርእየ፣ ደቂ ሓው ኣቦታተይ፣ ኣኮታተይ፤ ምኽንያቱ ፀለምቲ ስለዝኾኑ፤ ኣብ ሓዲኦም ከምዝተፈፀመ ድማ ሓሲበዮ" ኢላ፡ ብንብዓት ተሓፂባ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።