እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ንዩክረይን ንምውራር ‘ተዋስኦታት’ ትኣልም ኣላ ክትብል ኣመሪካ ኣጠንቂቓ
ሩስያ ንዩክረይን ንምውራር ዘኽእላ ተዋስኦታት ትኣልም ከምዘላ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣፈኛ ፔንታጎን፡ ሰራሕተኛታት ስለያ ሩስያ: ሞስኮ ንዩክረይን ንምጥቃዕ ዘኽእላ ናይ ሓሶት ወፍርታት ወጢኖም ከምዝነበሩ ገሊጹ። ሩስያ ግን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ሩስያን ኣመሪካን ወጥርታት ንምዝሕሓል ዝዓለመ ዘተ ድሕሪ ምክያደን ኣብ ዘሎ ሰሙን እዩ።
ዩክረይን ትማሊ ዓርቢ ሩስያ ብድሕሪ እቲ ኣጋጢሙኒ ዝበለቶ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ኣላ ክትብል ከሲሳ።
እቶም መርበብ ሓበሬታት ቅድሚ ምጥፍኦም ዩክሬናውያን ንገዛእ ርእሶም ንዝኸፍአ ነገር ክዳለዉ ከምዘለዎም ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ተራእዩ ነይሩ። እቶም ገጻት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ተመሊሶም።
ኣመሪካን ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝኾነኑ ኮይኖም ንዩክረይን ሓገዝ ኣቕሪቦም። ሩስያ ግን ብዛዕባ እቲ ዝተብሃለ ምስርሳር ገጻት ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ ትማሊ ዓርቢ ብዛዕባ እቲ ውጥን ሩስያ ዝበሎ ርእሰ ጉዳይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ጉጅለ ስለያ ሩስያ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ወፍርታት ንምግባር ምድላዋት ገይሮም።
"እቲ ወፍሪ ኣብ ልዕሊኦም [ሩስያ] ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዩክረይን ዝቕመጡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ’ዩ ብዝብል ምኽንያት ዩክረይን ንምውራር’ዩ ነይሩ" ኢሉ።
እቶም ነቲ ስርሒት ዝተመልመሉ ሰባት ኣብ ናይ ከተማ ውግእ ዝሰልጠኑ ኮይኖም፡ ተፈንጀርቲ ተጠቂሞም ኣንጻር እቶም ምስ ሩስያ ዝውግኑ ተቓወምቲ ተግባራት ሽርሒ ንምፍጻም ዝተዳለው ምንባሮም ሰብ መዚ ኣመሪካ ተዛሪቦም።
ሚኒሰትሪ ምክልኻል ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትራንስዲንስትራ ዝዓረዱ ወተሃደራት ሩስያ ተመሳሳሊ ተግባር ተወጢኖም ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፐስኮቭ እቲ ጸብጻብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዘይተረጋገጸን’ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ።