እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ኣብ 2021፡ 400 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ 'ክሪፕቶ' ከምዝሰረቑ ተገሊጹ
ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ኣብ ዓመተ 2021፡ 400 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዲጂታላዊ ባጤራ (ክሪፕቶካረንሲ) ከምዝሰረቑ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ን'ብሎክ ቸይን' ዝትንትን ቸይንኣናሊሲስ ዝተብሃለ ኩባንያ ከምዝገለጾ፡ ዓመተ 2021 ነቶም ኣብታ ምብራቕ እስያዊት ሃገር ዝርከቡ ገበነኛታት ሳይበር ኣብ ታሪኽ እቲ ብሉጽ ዓመት እዩ ነይሩ።
እቲ መጥቃዕትታት ብቐንዱ ንናይ ወፍርን (ኢንቨስትመንት) ናይ ምእኩል ሸርፍን ትካላት ዕላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ።
መንግስቲ: ካብታ ሃገር ኣብ ዝፍጸም ናይ ስርሰራ ተግባራት ኢድ ኣለዎ ንዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ እዩ ዝነጽጎ።
ቸይንኣናሊሲስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ "ካብ 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ዝፍጸም ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ካብ 4 ናብ 7 ክብ ኢሉ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብ40 ሚኢታዊት ከምዝዓበየ'ዩ ዘርእየና" ኢሉ።
ዲጂታላዊ ባጤራ ካብን ናብን ኣብ ዝሰጋገረሉ ብብሎክቸይን ተማእኪሉ ብመስርሕ ኢንተርኔት ዝግብር ኮይኑ፡ ወላ'ኳ እኹል ምቁጽጻር ከምዝግበረሉ ይንገር እንተኾነ ብሳይበራውያን ሰርሰርረቲ ብተደጋጋሚ ክስርቕ ይርአ'ዩ።
ቸይንኣናሊሲስ ኣብ ዓመተ 2021 ካብ ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ እቲ ዝበዝሐ: በቲ ላዛረስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ከምዝተፈጸመ ይነግር።
ጉጅለ ላዛረስ ብኣመሪካ እግዳ ዝተነበሮ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ብቤት ጽሕፈት ስላያ ሰሜን ኮርያ ቁጽጽር ከምዝግበረሉ'ዩ ዝንገረሉ።
ጉጅለ ላዛረስ፡ ኣብ 2014 ኣብ ልዕሊ ሶኒ ፒክቸርስ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተኸሲሱ ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ማሕፉዳ ብምስርሳር ብተደጋጋሚ ስሙ ዝለዓል ጉጅለ'ዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ብሳይበራዊ መንግዲ ብዝተሰረቐ ሰልዲ ሚሳኤላት ተማዕብል ከምዘላ ገሊጹ ምንባሩ'ውን ዝዝከር'ዩ።
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2021 ንሰለስተ ሰሜን ኮርያውያን ክኢላታት ኮምፒተር፡ 1.3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጥረ ሰልድን ዲጂታላዊ ባጤራን ክሰርቁ ሃቂኖም ብምባል ከምዝኸሰሶም ይዝከር።