ኡጓንዳ፡ ህዝቢ ዲጂታላዊ ባጤራ ከይጥቀም ኣተሓሳሲባ

ሚኒስትሪ ፋይናንስን ማእከላይ ባንክን ኡጓንዳ፡ መንግስቲ ኡጓንዳ ንክሪፕቶካረነሲ (ዲጂታላዊ ባጤራ) ከም መተዓዳደጊ ክውዕል ኣፍልጦ ስለዘይሃቦ ዜጋታቱ ከይጥቀሙሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኡጓንዳ፡ ብመንግዲ ኢንተርኔት በዚ ዲጂታላዊ ባጤራ ንዝግበር ናይ ዕድጊ መስርሕ ካብ ዝኸልከላ ብዙሓት ሃገራት ሓንቲ እያ።

ኣብ ዓለም ዝርከባ ብዙሓት ባንክታት ብመገዲ ቢት ኮይን፡ ኢተርዩምን ካልኦት ዲጂታላዊ ባጤራታትን ዝግበር ዕድጊ ሻቕሎት ፈጢሩለን ይርከብ።

ብፍላይ ቢትኮይን ዝተብሃለ ዲጂታላዊ ባጤራ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተጠቃምነቱ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ።

መንግስቲ ኡጓንዳ ብክሪፕቶካረንሲ ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ብምሕባር፡ ህዝቡ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክጥንቐቕ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስተተር ፋይናንስ ኡጓንዳ ማትያ ኪሳጂ ብወገኑ፡ ኣብ ኡጓንዳ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ክሪፕቶካረንሲ ሰባት ንዘይሕጋዊ መዓላን፡ መግዝኢ ዝተኸልከለ ንብረትን ስለዝጥቀምሉ ክጥንቀቕ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ማትያ ኪሳጂ፡ መንግስቲ ክሪፕቶካረንሲ ሕጋዊ ዝኾነሉ ኣገባብ የጻሪ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ዲጂታላዊ ባጤራ ብኣገባብ ኣብ ጥቕሚ እንተ ውዒሉ ብመገዲ ኢንቴርነት ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ውጽኢታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።