እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስሎምን ወለደኦምን ንዝጠፍኦም ኡጋንዳውያን ዘራኽብ ዘሎ ዝኣረገ ኣሳእል
ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ፡ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ሰኣሊ ዝነበረ ነፍስስሄር ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ኣብ ከባቢ ከተማ ምብሪዚ ዝሰኣሎም ኣሳእል ኣሕጺቡ [ኣሕቲሙ] ናብ ምርኢት ከቕርቦም እንከሎ ኣብ ውሽጡ ሓደ ሓሳብ ነይርዎ።
እዚ ሕጂ ብሞባይልን ካልእ ዓይነት ካሜራታትን ክስእል ዝውዕል ዘሎ ወለዶ፡ ቀደም ስእሊ ምስኣል ክሳብ ክንደይ ዓቢ ነገር ከምዝነበረ ዘይክርድኦ ይኽእል እዩ።
ከምዚ ሕጂ ስእሊ ልኣኸለይ ኢልካ ካብን ናብን ጫፋት ዓለም ናይ ካልኢት ሕቶ ከይኮነ እንከሎ፡ ቀደም ምስሊ እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ትናፍቖ መቅርብካ: ስእሊ ተሳኢሉ፡ ተሓጺቡ፡ ብሰብ ተጾይሩ እዩ ዝመጽኣካ ነይሩ።
ካሜራ ናይ ነፍስሄር ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ኣብ እዋና ነዚ እያ ተቃልል ነይራ።
ስምዒታት ናይ ብዙሓት ሰባት ኸኣ ኣብ ውሽጢ እታ ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ተሓንጊጥዋ ዝኸይድ ዝነበረ ካሜራን ኣብ ውሽጣ ዝተኸዘነ ጥቅላል መስኣልን ይኽዘን ነይሩ።
ምባሆ ምዊነ፡ መበቆሉ ካብ ኡጋንዳ ኮይኑ ኣብ ኣሜሪካ'ዩ ተወሊዱ፡ ኣብ 1999 ብከተማ ምብሪዚ እናሓለፈ እንከሎ መኪንኡ ስለዝተበላሸወቶ ክሳብ ትዕረየሉ ኣብታ ከተማ ዘወር እናበለ እንከሎ እዩ ንስትድዮ ናይ ነፍስሄር ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ክርእዮ ክኢሉ።
ናብ ወሽጡ ክኣቱ ተፈቒድዎ፡ ነቲ 'ነጋቲቭ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣሽሓት ዘይተሓጸበ ኣሳእል ኣብ ጸላም ኮይኑ ክርእዮ ክኢሉ።
እቲ ኣሳእል ኣብ 1960ታት ዝተሰኣለ እዩ።
ናታረ ጉማ ምባሆ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ነቲ ዘይተሓጸበ ኣሳእል ምስ ርኣኽዎ ኣዝየ'የ ሰንቢደ፡ ኣዝዩ ዘደንቕ ሰነድ እዩ" ኢሉ።
ከተማ ምብሪዚ ካብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብመኪና ሓያለ ሰዓታት ዘዊርካ ኢኻ ትረኽባ "ኣብቲ እዋን ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ምናልባት እቲ እንኮ ካሜራ ዝነበሮ ሰብ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ብኸምኡ'ዩ ዝኸውን ብዙሕ ሰብ ናብቲ ናቱ ስቱድዮ እናመጽአ ዝስኣል ነይሩ" ይብል ምባሆ ምዊነ።
እቶም ኣብቲ ስቱድዩ ዝስኣሉ ዝነበሩ ሰባት ሰብ ሃብቲ ዘይምዃኖም የፍልጡ'ዮም "መብዛሕትኦም ሓረስቶት'ዮም፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣሳእል ኸኣ እቲ ቦታ፡ እቶም ሰባትን ኣነባብርኦምን እንታይ ከምዝመስል ንዓለም መርኣዪ መስኮት ዝኸፍት'ዩ" ይብል ምባሆ ምዊነ።
ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ፡ ምስ ዓርኪ ሰኣላይ ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ብምርድዳእ ነቲ ሰነዳት ኣሕጺቡ ንህዝባዊ መርኢት ከቕርቦ ሓሊኑ።
ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ኣብ 2006 ኣብ መበል 67 ዓመቱ'ዩ ሞይቱ።
ካብቲ ንሱ ዝሰኣሎ ኣሳእል ልዕሊ 5,000 ዝኸውን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማ ምቢሪዚ ንህዝባዊ ምርኢት ቀሪቡ።
እቲ ኣሳእል ኣብ 100 ሚትሮ ዝኸውን ጎድኒ ዝነበሮ መርኣዩ እዩ ተለጢፉ።
ኣብቲ ምርኢት ናይ ቀደም ምስሎምን ምስሊ ቀረብቶምን ዝርእዩ ኣረጋውያን፡ ምስሊ ወለዶም ዝርእዩ ደቂ 60 ዓመት ዝኾኑ ሽማግለታት፡ ምስሊ ኣቦሓጎታቶም ዝርእዩ መንእሰያትን ካልኦትን ነይሮም።
ብዙሓት ኸኣ ምስሊ ዝተበተኸ ወለደኦም ዘናድዩ ነይሮም።
ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ "ምምላስን ምሕዳስን ተዘክሮታት እዩ ነይሩ" ብምባል እቲ ምርኢት ብዙሕ ስምዒታት ዝሓዘለ ምንባሩ ገሊጹ።
ጆንሶን ምካንጋ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ምርኢት ዝነበሩ ሰባት ኮይኑ ምስሊ እቲ ብንእሽትኡ እንከሎ ዝሞተ ወላዲኡ ክርኢ ምኽኣሉ ገሊጹ።
ነቲ ስእሊ ናይ ኣቡኡ [ኣብ ላዕሊ ዘሎ] ናይ ኣዱኡን ናይ ሓትንኡን [ኩሎም ሞይቶም'ዮም] ሓወብኡ እዩ ኣርእይዎ።
"ምስሊ ኣቦይ ንመጀመርታ ግዜ'የ ዝርእዮ ዘለኹ፡ ኣብ ገዛና ዋላ ሓንቲ ስእሉ ኣይነበረናን" ይብል ጆንሶን።
ሓወቦኡ ንጆንሶን ነቲ ስእሊ ናይ ዝሞተ ሓዉ እናርኣየ "ምስ ጆንሶን ሓደ ዓይነት መልክዕ'ዩ ነይርዎም" ኢሉ።
ክልተ ኩምባ ኢማንኤልን ካተርጋ ኣይዛክ ምጉዙን ዝተብሃሉ ኣሕዋት ከኣ ስእሊ ናይቲ ኣብ 1962 ኣቦኡም ኣባል ባይቶ ናይቲ ከባቢ እንከሎ ዝተሰኣሎ ስእሊ ኣብዚ ምርኢት ክረኽብዎ ክኢሎም።
ሉብያኒ ማርቲን ኦነስሙስ ሙጉዙ [ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ] ቀዳማይ ኣባል ባይቶ ናይ ከባቢ ምቢሪዚ እዩ ነይሩ።
እቲ ስእሊ ብኣልሲዮስ ሳሎንጎ ዝተሰኣለ ኮይኑ ሉብያኒ ማርቲን ኦነስሙስ ሙጉዙ ቀዳመይቲ ደሞዙ ምስ ተቐበለ ዝተሳኣላ ስእሊ እያ።
ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ "ደቁ ንሊብያኒ ናይ ቀደም ምስሊ ኣቡኦም ምስ ርኣዩ ኣዝዮም'ዮም ተሓጒሶም" ኢሉ።
ናሎንጎ ቴዲ'ውን ቅድሚ 40 ዓመታት ክትምርዖ እንከላ ዝተሰኣለቶ ስእሊ ብሃንደበት ኣብዚ ምርኢት ክትረኽቦ ምኽኣላ ኣዝዩ ከምዘሐጎሳ'ያ ገሊጻ።
ናሎንጎ፡ ስእሊ ናይታ ናብቲ ስቱድዩ ሒዛታ ዝመጽአት ጓላ'ውን ክትረክብ ክኢላ እያ።
ናሎንጎ ኣብቲ እዋን ንኹሉ እቲ ዝተሓጸበ ኣሳእል ክትግዝኦ ሰልዲ ስለዘይነበራ እያ ገዲፋቶ። ሕጂ ግን ድሕሪ እቲ ምርኢት ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ ኩሉ ኣሳእላ ጠርኒፉ ሂብዋ ኣሎ።
ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ ሰባት ነቲ ምርኢት ክዕዘቡ እንከለዉ ምስ ሕሉፍ ህይወቶም ዝራኸቡ ዘለዉ ኮይኑ ይስምዖ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ይሞቱ'ሞ ምስ ግዜ ይርስዑ እዮም፡ እዚ ምርኢት ኸኣ ብዙሓት ተረሲዖም ዝነበሩ ሰባት፤ ቦታታትን ኩነታትን ዳግማይ ከምዝዝከሩ ስለዝገበረ ኣዝየ ሕጉስ'የ" ይብል ናታረ ጉማ ምባሆ ምዊነ።
ናታረ ጉማ ምባሆ ኣብዚ እዋን ነቲ ብኣልሲዮስ ሳሎንጎ ዝተጀመረ ምስናድ ኣሳእል ንምቅጻል ንኣናባብራ ህዝቢ እቲ ከባቢ ይስንድ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
ምዊነ ንኣሳእል ኣልሲዮስ ሳሎንጎ ካብ ከተማ ምብሪዚ ሓሊፉ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ንምርኢት ከቕርቦን ብዛዕብኡ ሰነዳዊ ፊልምን መጽሓፍን ንኸዳሉ ውጥን ከምዘለዎ'ዩ ሓቢሩ።
ርግጽ እዩ ኣብ ኣውሮጳን ኣብ ኣሜሪካን ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣሳእል ዘለዎም ጦብላሕታ ልክዕ ከም ነበርቲ ከተማ ምብሪዚ ክኸውን ከምዘይክእል ዝገልጽ ምዊነ "እንተኾነ እዚ ኣሳእል ብዛዕባ ኡጋንዳ ክፈልጡን ክጽሕፉን ንዝደልዩ ዓንዲ ሕቖ ክኾኖም ይኽእል'ዩ" ኢሉ።