እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅዳሕ ናይታ ስእሊ ሞናሊዛ ዝኾነ ቅብኣ ልዕሊ 300 ሽሕ ዶላር ይግመት ኣሎ
ብተምሳል ስእሊ ሞናሊዛ ዝተሰርሐ ካልእ ቅብኣ፡ ኣብ ዕዳገ ፓሪስ ኣስታት 365 ሽሕ ዶላር ከውጽእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ።
እዚ፡ ናይታ ኣብ 17 ክፍለ ዘበን ብሊዮናርዶ ዳ ቬንቺ ዝተሰርሐት ስእሊ ሞናሊዛ ቅዳሕ ዝኾነን፡ ብካልእ ኣድናቒኡ ከምዝተሰርሐ ዝእመነሉ ጥበብ፡ ብሽም ወናኒ እቲ ቅብኣ ዝኾነ ራይሞንድ ሄኪንግ፡ 'ሞናሊዛ ሄኪንግ' ብዝብል መጸውዒ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ 1977 ዓ.ም ዝሞተ ሄኪንግ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ቤተ መዘክር ሎቭር እትርከብ ነባር ስእሊ ሞናሊዛ ናይ 'ሓቃውነት' ሕቶ ክለዓል ገይሩ ነይሩ።
እቲ ተምሳል ስእሊ ሞናሊዛ፡ ሕዚ ኣብ ከተማ ፓሪስ ክሪስቲ ኣብ ዝተብሃለ ህዝባዊ ዕዳጋ እዩ ንጨረታ ክቐርብ።
ሄኪንግ፡ ኣብ 1950ታት እዩ ኣብ ኒስ ነቲ ቅብኣ ተዋግዩ ዓዲግዎ።
እቲ ዘጫርት ዘሎ ክርስቲስ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ "ታሪክ እዚ ስራሕቲ ጥበብ፡ ኣብ ልዕሊ ስራሕቲ ጥበብ ሞናሊዛን ዳ ቬንቺን ዘሎ ናእዳ ዘርኢ እዩ" ኢሉ ።
እቲ መግለጺ፡ ቅድም ክብል ዓለምለኻዊ ዳይሬክር ነባር ዓበይቲ ስራሕቲ ጥበብ ዝኾነ ፒሬ ኢትየኒ፡ 'ሞናሊዛ ሄኪንግ ናይ ሓደ ኣብ ስእሊ ዓብዪ ጦብላሕታ ዝነበሮ ሰብ ፍረ እዩ ናይ ርእሱ ፈጠራ እዩ" ኢሉ ምንባሩ የዘኻኽር።
ራይሞንድ ሄኪንግ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ስእሊ ዓቢይ ናእዳን ኣድናቖተን ከምዝነበሮ ኣብ ሚድያታት ከይተረፈ ይዛረብን ይሙግትን ከምዝነበረ ይዝከር።
እታ ነባር ስእሊ ሊዮናርዶ ዳ ቬንቺ ዝኾነት ሞናሊዛ፡ ኣብ ታሪክ ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ ስራሕቲ ጥበብ ቅብኣ ሓንቲ እያ።
ሞናሊዛ፡ ኣብ መባእታ 16 ክፍለ ዘበን ከምዝተሰርሐት እዩ ዝእመነላ።
ኣብ 1911 ግን ካብቲ ፍሉጥ ቤተ መዘክር ሎቭሬ ምስተዘምተት ኣብ መላእ ዓለም መዘራረቢ ኾይኑ ነይሩ።
ሓደ ናይዚ ፍሉጥ ቤተ መዘክር ሰራሕተኛ ዝኾነ ውልቀ ሰብ እዩ ሸፊኑ ሓቢኡ ከውጸኣ ፈቲኑ።
እንተኾነ፡ ኣብ 1913 ኣብ ከተማ ፍሎረንስ ንሓደ ማእከል ስራሕቲ ጥበብ ክሸጣ እንትዋገ ተረኺቡ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ድማ፡ ካልእ ቅድሚ ስእሊ ሞናሊዛ ከምዘተሰርሐ ዝእመነሉ ኣብ ለንደን ኣብ 1960 'ታት ዝተረኽበ ውጽኢት ቅብኣ፡ ናይ ዋንነት ግጭት ኣልዒሉ ምንባሩ ይዝከር።