ዓውደ ምርኢት ስራሕቲ ዳቪንቺ ኣብ ፈረንሳይ ተኸፊቱ

ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ዕለተ ሞት ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ዝተዳለወ ዓውደ ምርኢት ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ። እዚ ምርኢት ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝኸበሩ ዓውደ ምርኢታት ኮይኑ፡ ንምደላዉ ከባቢ ዓሰርተ ዓመት ወሲዱ።

እዚ ምርኢት ንኸይከየድ ብዝተፈላለዩ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ክተዓናቐፍ ጸኒሑ እዩ።

ስእሊ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ዝኾነት ሞናሊዛ እትርከበሉ ቤተ መዘክር ሎቭረ፡ ኣብ ዘበነ ተሃድሶ ኣውሮጳ ዝተስኣሉ 160 ስእልታት ሒዙ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ንበጻሕቲ ክፉት ኮይኑ። ገሊኦም ስእሊታት ካብ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክልተን ቢልን ሚሊንዳ ጌትስን ብልቓሕ ዝተረኸቡ እዮም።

እቲ ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ክርእይዎ ተስፋ ዝግበረሉ ዓውደ ምርኢት፡ ውልቀ መዛግብቱ፣ 'ቴክኖሊጂ ኢንፍራሬድ ኢሜጂንግን ቨርችዋል ሪያሊቲን' ብምጥቃም ኣብ ስራሕቲ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ዓሚቕ ርድኢት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ገለ ፍሉጣት ስእሊታቱ ዝዓረፈ 'ኢንፍራሬድ ላይት'፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ውዱኣት ስራሕቱ ዝዓረፉ ድርብራብ ስእሊታት ዝሓዙ ምስጢራት ከርእይ ክኢሉ እዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ሰብ ሞያ፡ 'ዘ ቨርጅን ኦፍ ዘ ሮክስ' ኣብ ትሕቲ ዝብል ስእሊ ሊዮናርዶ፡ ንድፊ ህጻን እየሱስን መልኣኽን ረኺቦም እዮም።

ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ፡ ኣብ ቅርጸ ሰብን ባህርያት እንስሳትን ኣትክልትን ፍሉይ ባህታ ዝነበሮ መሃንዲስ፣ በዓል ሞያ ንድፊ፣ ተመራማርን ኢደ-ጥበበኛን እዩ ነይሩ።

ሊዮናርዶ፡ ካብ ከይዲ ዕብየት ኣትክልቲ ክሳብ ምንቅስቓስ ኣዕዋፍ ዘለዉ ዝተሓላለኹ ስርዓታት ኣጽኒዑን ብስእሊ ሰኒድዎምን እዩ። ኣብ በረራ ብዝነበሮ ፍሉይ ተመስጦ፡ ኣብ መንፈር መንካዕ ተመስሪቱ ንድፊ መብረሪ መሽን ስኢሉ እዩ። ገሊኦም ስእሊታት ኣብዚ ዓውደ ምርኢት ቀሪቦም እዮም።

ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ንድፊ ዝተፈላለዩ ኣጽዋር፡ መሳርሒታትን ኣቑሑትን ሰሪሑ እዩ፤ ብተወሳኺ ትርጓመ ዝተፈላለዩ ጥበባት ኪነ ህንጻ ኣብ ውልቀ ሰነዳቱ ይርከብ።

'ቪትሩቭያን ማን' ካብቶም ብልቓሕ ዝመጹ ስእሊታት ሓደ እዩ። እቲ ስእሊ ካብ ጥልያን ከይወጽእ ብዙሕ ፈተነታት ተገይሩ ነይሩ።

ካብ ኣሰናዳእቲ እቲ ዓውደ ምርኢት ሓደ ዝኾነ ቪንሰንት ደሉቪያን፡ እቲ ስእሊ ኣብ መንጎ ስነ-ጥበብን ሳይንስን ዘሎ ዝምድና ዘርእይ እዩ ይብል።

''ከም መጠን ኣርቲስት ከመይ ከምዝነበረ፣ ከመይን ንምንታይን ጠቓሚ ከምዝነበረን ክነርኢ ንደሊ። ንጹርን መበቆላውን ዝኾነን ኣብ ሳይንስ ዝተመስረተን ኣሰራርሓ እዩ ተጠቒሙ'' ይብል።

ካብቶም ፍሉጣት ስራሕቲ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ዝኾነት ስእሊ ሞናሊዛ፡ ኣብዚ ዓውደ ምርኢት ብቐጥታ ኣይክትረኣይን እያ። ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ኮይና እያ ክትረኣይ።

ኣሰናዳኢ እዚ ምርኢት 'ቪቫ ኣርትስ' ከምዝሕብሮ፡ እዚ ኣብ ሎቭረ ዝቐርብ ዘሎ ፈላማይ ኣቀራርባ ማንዛ ክውንነት(ቨርችዋል ሪያሊቲ) ብዓይኒ ዘይረኣዩ ሓድሕዳት እቲ ስእሊ ከርኢ ዝኽእል ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ዝሓዘ እዩ።

ብሳላ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝለኣኸቶም 24 ስእሊታት ምሩጻት እስሊታት ሊዮናርዶ ከርእዩ ከምዝኸኣሉ ደሊዩቪን ብኣድናቖት ይዛረብ።

ስእላዊ ጽንዓት ኢድን ርእስን ሊዳን ጽውጽዋያዊ ስእሊ ኣዶ ሄለን ትሮይን ካብቶም ስእሊታት እዮም።

እቲ ዓውደ ምርኢት ፍሉይነት ስራሕቲ ሊዮናርዶ ንምርዳእ ዝሕግዙ ካልኦት ኣብ ዘበነ ተሃድሶ ኣውሮጳ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ካልኦት ስነጥበበኛታትን ቅርጻቅርጽን ከምዝቐረቡ ቤተ መዘክር ሎቭረ ገሊጹ።

ብምኽንያት ብዝሒ እቶም ስራሕቲ፡ ኣብ ፓሪስ ከባቢ 600 ሽሕ ሰባት ክርእዩዎም ተስፋ ከምዝግብር ደሊዩቨን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ 1452 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቱስካኒ ዝተወለደ ሊዮናርዶ፡ ኣብ ዝበነ ተሃድሶ ኣውሮጳ ዝነበረ ሰኣሊ፣ ቀራጺ፣ ክኢላ ስነ ህንጻን ናይ ሒሳብ ምሁርን እዩ ነይሩ። ቅድሚ ኣብ 1519 ምሟቱ ኣብ ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ዓመታት፡ ጋሻ ንጉስ ፍራንሲስ ቀዳማይ ብምዃን ኣብ ፈረንሳ ተቐሚጡ እዩ።