ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ዝትክእ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ መዚዙ

ኣመሪካ፡ ነቲ ካብ መዝነቱ ዝሰናበት ዘሎ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ዝትክእ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝመዘዘት ገሊጻ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዞባ ኮይኑ ከምዝተመዘዘ ኣፍሊጡ።

"ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣብ በዳህቲ ግጭታት ዓለም ዘለዎ ናይ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ተመክሮን ስራሕን፡ ኣብቲ ሰላምን ብልጽግና ዝሰፈኖ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህሉ እንገብሮ ቀጻሊ ጻዕርታትን፡ ረብሓታት ኣመሪካ ኣብዚ ስትራተጂካዊ ዞባ ንምርግጋጽን ሓጋዚ" ከምዝኾነ ብሊንከን ገሊጹ ኣሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ፈልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ከብቅዕ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ናይ ስንብታ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ሓሙስ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ፤ ዛጊት ግና ኣትዩ እንተኾይኑ ኣይተሓበረን።

መግለጺ ብሊንከን ግን፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ዑደት ፈልትማን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ካብ 2019 ክሳብ ታሕሳስ 2021 ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቱርኪ ኮይኑ ዘገልገለ'ዩ።

ቅድሚኡ'ውን፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሊባኖስ ብምዃን ካብ 2018 ክሳብ 2001 ኣገልጊሉ። ኣብ ግብጺ'ውን ከም ፈጻሚ ጉዳያት (ሻርጀ ዳ-ኣፌር) ብምዃን ሰሪሑ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣማኻሪ ጸሓፍቲ (ሚኒስተራት) ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዒራቕን ሊብያን፡ ከምኡ'ውን ግዝያዊ ሓላፊ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ዝነበረ'ዩ።

ብሊንከን፡ መዝነት ናይቲ ኣስታት 9 ወርሒ ከም ፍሉይ ወኪል ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን፡ ንትሕቲ ሓደ ዓመት ክጸንሕ ዝዓለመ ምንባሩ ብምጥቃስ "እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእን፡ ዝተኣሳሰረ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊን ሰብኣዊን ብድሆታት ናይቲ ዞባ ቀጻሊ ጠመተ ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ] ዘድልዮ እዩ" ኢሉ።

እቲ ካብዚ ሒዙዎ ዝጸንሐ መዝነት ዝሳናበት ዘሎ ፈልትማን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ንዕኡን፡ ንሓላፊ ጉዳያት ኣፈሪቃን ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ክቕጽል ምዃኑ'ውን ብሊንከን ኣተንቢሁ'ሎ።

ቻይና ብወገና፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንምህዳእ ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ ኤርትራ ትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ብሓሙስ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ዩ ነቲ ሓበሬታ ሂቡ።

"ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ካብቲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ዝዓቢ ግደ ምጽዋት ክንቅጽል ኢና" ክብል ኣብቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ተዛሪቡ።

ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ፍረ ኣይተረኽበሉን ዘሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን፡ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦለሰጉን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ክኸውን ድሕሪ ምምዛዙ፡ ምስ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ክራኸብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኦባሳንጆ፡ ናብ ትግራይ ብምዃድ ምስ መራሕቲ ህወሓት፡ ከምኡ'ውን ምስ ዝተፈላለዩ ሰብመዚ ፈደራልን ክልላትን ኢትዮጵያ ከምዝተራኸበ ይዝከር።

እንተኾነ ግን ክሳብ ሎሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣይተኻእለን ዘሎ።

እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞት፡ ጥምየትን ምግሃስ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።