እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣብ 2021 ካብ ዝዓረፉ 10 ሓለፍቲ መንግስትን ጸለውቲ ኤርትራውያንን
ዓመተ 2021 ብተዛማዲ ከትረኣ እንከላ ብዙሓት ሓለፍቲ መንግስቲ ነበርን ጸለውቲ ኤርትራውያን ዝሞቱላ ዓመት ተባሂላ ክትጥቀስ እትኽእል ዓመት እያ።
እዛ ዘፋነናያ ዓመተ 2021 ካብ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ፡ ውሩያት ጋዜጠኛታት፡ ስነጥበባውያንን ስፖርተኛታትን ንኹሎም ብሞት ተናኺፋ እያ ሓሊፋ።
5 ብጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ
ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ 2 ሰነ 2021 ብሕማም ዓሪፉ።
ኣብ 1945 ዝተወለደ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኾይኑ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሃገራት ስዊድንን ቻይናን ከምኡ'ውን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን (UNECA) ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ።
ኣምባሳደር ኣርኣያ ደሰታ ካብ 2014 ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ሞቱ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።
ብሪጋደር ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን
ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር: ገዲም ተጋዳላይ ብሪጋደር ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ፡ ብ18 ሕዳር 2021 ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።
ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረትን ክፍሊ ወተሃደራዊ ስልጠናን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፣ ካብ 1985 ክሳብ 1987 ከም ኣዛዚ ክፍሊ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ፣ ካብ 1987 ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ኣዛዚ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢብራሂም ዓፋ ኰይኑ ሰሪሑ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ጀነራል ነጋሽ፡ ኣዛዚ ቤት-ትምህርቲ መኰንናት፣ ኣባል ኮሚሽን ቅዋምን ምኽትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፣ ካብ 2000 ክሳብ 2013 ከኣ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ን44 ዓመታት ሰሪሑ።
ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ዝኸነ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሕዳር'ዩ ኣብ መበል 74 ዓመቱ ኣብ ስዑድ ዓረብ ብሕማም ኮሮና ዓሪፉ።
ሓደ ካብ መስረቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ቅድሚን ድሕርን ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ጽፍሕታት ሓላፍነት ዘገልገለ'ዩ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣቦ መንበር ኮይኑ ዝተመረጸ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕዋይ ሓላፊ ናይቲ ስሙ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስያ ፍትሕን ዝቐየረ ውድብ ብምዃን ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ኣቶ ኣልኣሚን፡ ኣብ ከባቢ ዓመተ 2000 ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ህግደፍን ምምቕቓል ምስ ተፈጥረ፡ ነቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ብጾቱ ብምኹናን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝወገነ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሮሞዳን መሓመድ ኑር
ሓደ ካብ መስረትቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን ዝኾነ ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ኣብ መበል 83 ዓመቱ 29 ታሕሳስ 2021 ኣብ ሱዳን ዓሪፉ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ኣቶ ሮሞዳን፡ ኣብ 1964 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ።
ኣብ 1966 ኣብታ ኣብ ሰምሃርን ደንከል እትንቀሳቐስ ዝነበረት ራብዓይቲ ክፍሊ ከም ኮሚሽነር እታ ክፍሊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብቲ እዋን እቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ ክፍልታት ተወዲቡ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ።
ኣብ 1967 ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ተጋደልትን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቲ ክቐስሙ ናብ ቻይና ካብ ዝኸዱ ተጋደልቲ ሓደ ነበረ።
ካብ ቻይና ምስተመልሰ እቲ ካብ ቃልሲ ኣልጀርያ ዝተቐድሐ ናይ ክፍልታት ምውድዳብ ዓሌታውን ሃይማኖታዊ ስምዒታትን ክፈጥርን ብግብሪ እውን ነቲ ቃልሲ ክዕንቅፎን ስለዝጀመረ ሓደ ካብቶም ንውህደት ዝደፍኡ ተቓለስቲ ነበረ።
ኣብ 1970 ከኣ መራሒ ናይቶም ካብ ዓደን ብሸነኽ ደንከል ዝኣተው ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ።
ኣብ ሓምለ 1971፡ ቀዳማይ ወገን ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ እምባህራ (ሃበሮ፡ ሰሜን ካብ ከረን) ኣቦመንበር ናይቲ ምግምማዕ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ጉጅለ ኮነ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1973 ምስታ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ዝመርሓ ዝነበረ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ሓበሩ ከኣ ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ቀጺሉ።
ኣብ ሰነ 1974 እዋን፡ ሓደ ብሓልታት ሓርነት ኤርትራ (ዑበል) ዝፍለጥ ፍንጫል ሓይሊ ምስ ክልቲኦም ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንበረ።
ኣብ 1977 ሰለሰቲኦም ዝሰመሩ ወገናት ጉባኤ ብምክያድ ሓደ ውድብ መስረቱ- ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)።
ኣብቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ ከኣ ሮሞዳን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ዋና ጸሓፊን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ምክትሉ ኮይኑ።
እንተኾነ እቲ ውድብ ንኣባላት ግንባር ብዘይግለጽ ሕቡእ ሰልፊ ይምራሕ ስለዝነበረ፡ ኣቦ መንበርን ሓላፍን እታ ሕብእቲ ሰልፊ ከኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምንባሩ ሮሞዳን ብስም እምበር ብግብሪ መራሒ ናይቲ ውድብ ከምዘይነበረ ቀረባ ብጾቱ ይሕበሩ።
ድሕሪ ናጽነት ላዕለዋይይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ፍትሒ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንከል ከምኡ'ውን ሚኒሰተር ፍትሒ ኮይኑ ክሳብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣገልገለ።
ኣብ 1994 ኣብ ናቅፋ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ግን፡ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም
ኣብ 1972 ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2021 እዩ ዓሪፉ።
ኣምባሳሰር ኣድሓኖም ኣብ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይን ሓድነታውን ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ተመሪጹን ኣገልጊሉን። ኣብ 1989 ከኣ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳሒቡ ንክፍሊ ንግድ እቲ ውድብ እናመርሐ፡ ኣብ 1991 ናጽነት ኤርትራ ክርኢ በቒዑ።
ኣምባሳሰር ኣድሓኖም ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ክሳብ ቅድሚ ናጽነት ዓመትን መንፍቕን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እዩ ኣገልጊሉ። ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይነበሮ ኵናት ሓያሎ ሳዕ ተወጊኡ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምድምሳስ ናደው እዝ ኣብ ኵናት ኣፍዓበት ምስ ኣዛዚ ግንባር ናቕፋ ተጋዳላይ ዓሊ ኢብሪሂም ብነፋሪት ተሃሪሙ። ዓሊ ኢብሪሂም ዓሪፉ፡ ኣድሓኖም ግን ተወጊኡ ተሪፉ። ብድሕሪኡ ከኣ'ዩ ንክፍሊ ንግድ ክመርሕ ናብ ካብ ግንባር ተሳሒቡ።
ድሕሪ ናጽነት ቀዳማይ ኣኽባር ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ፍትሒ ብሞይኡ መሰረት ኣንቢሩ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ (1994) ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተገብረ ዳግመ ውደባ ከኣ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ ኣገልጊሉ።
ኣብ 1996 ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ስዊድን፡ ብድሕሪኡ ከኣ ክሳብ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ሰላማዊ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ክካይድ ምስ ዝጠለቡ ብጉጅለ-15 ዝጽውዑ ብጾቱ ናብ ህዝብን ሰራዊትን ቅሉዕ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ዝነበሮ መዝነት ገዲፉ፡ ምእንቲ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ቃልሱ ብምቕጻል ድምጺ ናይቶም ኣብ ሸላታት ዒላዒሮ ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኮይኒ ጽሒፉን ተጣቢቑን።
5 ውሩያት ኤርትራውያን
ድምጻዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ
ዉሩይን ሓደ ካብ ገዳይምን ኤርትራውያን ድምጻውያን ዝኾነ ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ'ዩ ብሕማም ዓሪፉ።
ተኽሊንኪኤል ገብሩ ካብ ኣቡኡ ገብሩ ወልደጋብርን ወላዲቱ ደሃብ ገብረዮውሃንስን ኣብ 1950 ኣብታ ብዜምኡ ዝነገረላ ዓዱ ዑናናላይ ተወሊዱ።
ገና ኣብ ንእስነቱ ኣቡኡ ስለዝሞቱዎ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ንነብሱን ወላዲቱን ክጥዉር፡ ኣብ ኣቑርደት ኣብ ጀርዲን ሰሪሑ።
ካብኡ ኣብ እንዳ ክርቢት ኣስመራ እናሰርሐ ክራር መሊኹ፡ ኣብ ውሽጡ ንጸንሐ ስነ ጥበባዊ ተውህብኡ ኣብ እንዳ ስዋታት ኣባሻውል ኣበራቢሩ ኣብ ጓይላን ዉራይትን ክጻወት ከም ዝጀመረ ናይ ቀረባ ፈለጥቱን ኣብ ፋንዎኡ ዝተነበ ዛንታን የረድእ።
ተኽሊንኪኤል ገብሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሃገራዊ ደርፍታት ዘፍረየ ድመጻዊ እዩ።
ጋዜጠኛ ሚልክያስ ምሕረትኣብ
ሚልክያስ ምሕረትኣብ፡ ሓደ ካብ ኣሰናዳእቲ እተን ኣብ 1996 ብዝተኣወጀ ሃገራዊ ሕጊ ፕረስ ቆይመን፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ከሕድራ ጀሚረን ዝነበራ'ሞ ርእይቶን ሓሳብን ደለይቲ ለውጢ ፖለቲከኛታት ኣብ ዓምድታተን ስለዘአንገዳ፡ ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ብሕቲ እዩ።
ኣካያዲ ጋዜጣ ቀስተ ደበና ነበር ጋዜጠኛ ሚልክያስ ምሕረትኣብ ከኣ፡ ነቲ ዝስዕብ ዝነበረ ኩነታት ቀልጢፉ ስለዘንበቦ፡ ቀቅድሚ መሳርሕቱን ብጾቱን ምእሳሮም ኣብ 2001፡ ካብ ሃድን ማእሰርቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣምሊጡ ኣብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ክነብር ጸኒሑ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ረቡዕ 21 መጋቢት 2021 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓሪፉ ብ28 መጋቢት ከኣ ወለዱን አሕዋቱን ኣብ ዝነብርሉ ዘለው ኣዲስ ኣበባ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ
ኣብ ባሕቲ ግንቦት 2021 ብሃንደበታዊ ሕማም ዝተኾልፈ መስራትን ኣዳላውን ናይታ ፈላሚት ኤርትራዊት ጋዜጣ ብሕቲ "ሰቲት" ነበር ኣሮን ብርሃነ ኣብ ዓመተ 2021 ካብ ዝዓረፉ ዉሩያት ጋዜጠኛታት እዩ።
ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቓሊሱ፡ ሰለስተ ኣባጽሕ አሕዋቱ ከፊሉ ምስ ዝተረፉ አሕዋቱን ወለዱን ኣብ 1991 ናጽነት ክርኢ በቒዑ።
ኣሮን ብርሃነ ናይ ዘተን ልዝብን መድረኽ ዝኸፍት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣገዳሲ እዩ ስለዝበለ ብዓቕሞ ዝኽእሎ መጽናዕቲ ብምክያድ ብ1996 ሕጊ ፕረስ ምስተኣወጀ ቀዳመይቲ ነጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት መስሪቱ ንሓርነታዊ መሰል ዜጋታት ክቃለስ ጀሚሩ።
እተን ዝበዝሓ ኣብ ጽንኩር እዋን ኩናት ዶባት ዝተወልዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብጾቱን ብዝተኸስተ ናይ ደሞክራሲያዊ ሕቶን ለውጥን ምኽንያት እተን ጋዜጣታት ርእይቶ ናይቶም ኣብ ጋዜጣታት መንግስቲ ርእይተኦም ከይቃላሕ ዝተነፍጉ ነቐፍቲ መራሕቲ ስለዘአንገዳ ብሰሉስ 18 መስከረም 2001 ብወግዒ ተኣጊደን ኣባላተን ከኣ ክእሰሩን ክህደኑን ጀሚሮም።
ኣይደንጎየን ከኣ መንግስቲ ንኣሰናዳእቲ እተን ጋዜጣታት ክኣስሮም ምስ ጀመረ ኣብ ዶብ ብጠያይት አሕዋቱ ተሳሒቱ ንሱዳን ኣትዩ።
ካብኡ ንካናዳ ኣትዩ ኣብቲ ንሓርነት ዝግበር ቃልሲ፡ ፊተ መሪሕ ኮይኑ ክዋሳእ ከምዝጸንሐ ኣብ ሓያሎ መደባት ሓቢራቶ ዝሰርሐት ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ትሕብር።
ኣሮን ኣብ ከናዳ ድሕሪ ምእታው ደኺመ ከይበለ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ 'ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት'ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ።
ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን ከምዝረኸበን፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ።
በቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ኣበርክቶ ድማ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ እዩ ነይሩ።
ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ
ኣብ ነሓሰ 1968 ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ደብረ ዘይት ተወሊዱ ዝዓበየ ውሩይ ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ውሽጣዊ ሕማም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሆስፒታል ኣጋካን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 53 ዓመቱ 24 ታሕሳስ ዓሪፉ።
ክሳብ እዛ ብሕማም ዝዓረፈላ ልዕሊ ዓሰርተ መጻሕፍትን ብዙሕ ዓንቀጻትን ዝጸሓፈ ብፍሉይ ኣዘናትውኡን ቅዲ ኣጸሓሕፋኡን ዝፍለጥ ተስፋዬ ምስጉንን ተነቃፍን ጸሓፋይ እዩ ነይሩ።
ብዝነበሮ ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍ ኣብ 1988 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ናይ ዓውደ ኵናት ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ወሲዱ፡ ምስ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ጋዜጠኛ ዓውደ ኵናት ኮይኑ እናሰርሐ ብሰራዊት ኢህወደግ ከምእተማረኸ ንድሕረ ባይትኡ ኣብ ዝነግር ባዕሉ ዝጸሓፎ ዛንታ ተሰኒዱ ኣሎ።
ተስፋዬ ገብረኣብ ካብ ዘሕተመን መጻሕፍቲ መጻሕፍቲ እተን ኣዝየን ኣዘራረብቲ እዘን ዝስዕባ ይርከበአን።
- የቡርቃ ዝምታ፡
- የቢሾፍቱ ቆሪጦች
- የጋዜጤኛው ማስታወሻ፡ ኣሉላ ፍስሃየን ፍጹም ወዲዓደን 'መዝክር ጋዜጠኛ' ኢሎም ናብ ትግርኛ ዝተረርጎሙዋ
- የደራሲው መስታወሻ
- ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውለድ
ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ
ኤርትራዊት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ደሴት ኪዳነ 9 ሕዳር ኣብ ስዓታት ናይ ንግሆ ኣብ መንገዲ ማይ ነፍሒ ኣብ እዋን ልምምድ ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና ዓሪፋ።
10 ጥቅምቲ 2000 ዝተወለደት ፕሮፈሽናል ተቐዳዳሚት ደሲት ኪዳን፡ ካብ 2019 ጀሚራ ኣብ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ተጠርኒፋ ንውልቃን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዓበይቲ ዓወታት ከተመዝግብ ዝጸንሐት ተቀዳዳሚት እያ።
ጓል 21 ዓመት ደሲት ኪዳነ፡ ኣብ 2018 ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካን ኮንቲነንታል ቻምፕዮን ሺፕ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድር ብናይ ጁኔርን ሲነርን ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ኮይና እያ።
ኣብ 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካን ኮንቲነታል ቻምፕዮን ሺፕ
· ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ኣብ ናይ ጁንየር ቀዳማይቲ
· ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይቲ
· ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሰይቲ ኮይና ውድድራ ብምዝዛም ኤርትራ ዝበዝሐ ሜዳልያታት ሒዛ ውድድራ ክትዛዝም ዓቢ ተራ ተጻዊታ።
ንሳ፡ ኣብ 25 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኻየድ መበል 94 ቻምፕዮን ዓለም ምስ ኣድያም ተስፋኣለም፣ ብስራት ገብረመስቀልን ብምዃን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ዓቢ ውድድር ክትሳተፍ ክኢላ እያ።