ኤርትራዊ ውሩይ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ተስፋዬ ገብረኣብ ብሕማም ዓሪፉ

ኣብ ነሓሰ 1968 ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ደብረ ዘይት ተወሊዱ ዝዓበየ ስሙይ ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ውሽጣዊ ሕማም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሆስፒታል ኣጋካን ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 53 ዓመቱ ትማሊ ዓርቢ ዓሪፉ።

ክሳብ እዛ ብሕማም ዝዓረፈላ ልዕሊ ዓሰርተ መጻሕፍትን ብዙሕ ዓንቀጻትን ዝጸሓፈ ብፍሉይ ኣዘናትውኡን ቅዲ ኣጸሓሕፋኡን ዝፍለጥ ተስፋዬ ምስጉን ጸሓፋይ እዩ ነይሩ።

ብዝነበሮ ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍ ኣብ 1988 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ናይ ዓውደ ኵናት ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ወሲዱ፡ ምስ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ጋዜጠኛ ዓውደ ኵናት ኮይኑ እናሰርሐ ብሰራዊት ኢህወደግ ከምእተማረኸ ንድሕረ ባይትኡ ኣብ ዝነግር ባዕሉ ዝጸሓፎ ዛንታ ተሰኒዱ ኣሎ።

ኢህወደግ ኣብ 1991 ንመላእ ኢትዮጵያ ምስ ተቖጻጸራ ከኣ ኣብ ፈለማ 1991 ንላዕለዋይ ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ንኣመሪካ ተላኢኹ። ዝተዋህቦ ስልጠና ወዲኡ ምስተመልሰ ኣብ መደበር ረድዩን ተለቪዥንን ኢትዮጵየ ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።

ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ምስ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ ናይ ቀረባ ርክብ ብምምስራት ኣብ ዕቤት እቲ ስራሕ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ይዝረብ።

ኣካያዲን ኣሰናዳእን ናይታ ምስ ኢህወደግ ፍሉይ ቅርበት ዝነበራ እፎይታ ዝተባህለት መጽሔት ኣብ ዝበረሉ እዋን ናይ ብዙሓት ጽሑፋቶም ከሕትሙ ዘይከኣሉ ጸሓፍቲ ፍርያት ብተኸታተሊ ቅጽታት ብምሕታም ንብዙሓት ከምዝሓገዘ ዝፈልጡዎ ይነግሩ።

ኣብ ርእሲኡ ህወሓት ኣብ ቃልሲ ንዘካየዶ ቅያታት ዝነግር "ተራሮችን ያንቀጠቀጠ ትውልድ" ዘርእስቱ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ እውን ኣሕቲሙ።

ተስፋዬ ኣብ ዝተፈለላየ ትካላት መንግስቲ ኢህወደግ፡ ብሓላፍነት ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ቅሬታ ብምሕዳሩ ሓያሎ ምስጢራት እቲ ስርዓት ኣብተን "የጋዜጠኛው ማስታወሻ" ን "የደራሲው ማስታወሻ" ዝብላ ብኣምሓርኛ ዘሕተመን መጻሕፍቱ ኣቃሊዑ።

ድሕሪ ሕትመት እቲ መጻሕፍቱ፡ ሓያሎ ሰባት "ኣካሎም እንተዘይትነብር'ዶ ክንድዚ ምስጢር ክትፈልጥ ክኢልካ?" ዝብሉዎ እኳ እንዘይተሰኣኑ፡ ብክእለት ኣጸሓሕፋኡን ኣዘናትዋኡን ናይ ብዙሓት ናእዳን ኣድናቖትን ረኺቡ እዩ።

እታ 'የቡርቃ ዝምታ' ዘርእስታ ብዛዕባ ወጽዓ ህዝቢ ኦሮሞ እትትርኽ መጽሓፉ ካብ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ዓቢ ደገፍ ከተውህቦ እንከላ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ነበብቲ እቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ሽግር ክፈጥር ዝደለየ ሓደገኛ ደራሲ እዩ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ተስፋዬ ገብረኣብ ናብ መበቆል ሃገሩ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ምሉእ ግዜኡ ኣብ ጽሕፈት ዓለም ተዋፊሩ፡ "የኑረነቢ ማህደር፡ ከምኡ'ውን፡ የትራቮሎ ዋሻ" ዝሰመየን ዝበዝሐ ክፋለን ንታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘዘንትዋ መጻሕፍቲ ጽሒፉ።

ሓያሎ ካብ መጻሕፍቱ፡ ብኦሮምኛ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብትግረን ትግርኛን ተቶርጕሙ ኣሎ።

ውሩይ ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ብዘጋጠሞ ውሽጣዊ ሕማማት ኣብ ናይሮቢ ሕክምናዊ ናብዩት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዓርቢ 24 ታሕሳስ'ዩ ዓሪፉ።

ተስፋዬ 'ቀይ ዘመን' ዝሰመያ መጽሓፍ ኣብ 2022 ናብ ኣንበብቲ ክዝርግሓ ምዃኑ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ብስእሊ ኣሰንዩ ዘርጊሑዋ ነይሩ እዩ።

ድሕረ ባይታ ተመኩሮን ተስፋዬ ገብረኣብ

ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ ከባቢ ድባርዋ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝሳገሙ ስድራ ቤት ንተስፋዬን ሓያሎ አሕዋቱን ኣብ ቢሾፍቱ/ደብረዘይት ወሊዶም አዕበዩዎም።

ተስፋዬ ከኣ ዋላኳ ስድርኡ ተዛረብቲ ትግርኛ እንተኾኑ ምስ መዛኑኡን ደቂ ገዛውቱን ብቋንቋ ኦሮሞ ኣፉ ከፊቱን ኣጽርዩን፡ ምስ ሕብረተሰብ ኦሮሞ ስለዝዓበየ ኣብ ጽሑፋቱ ንወጽዓን ሽግርን እቲ ህዝቢ ከንጸባርቖ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ስቶኮልም - ስዊድን ኣብ ዝተገብረ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ከኣ ህዝቢ ኦሮሞ ኦቦ (ሰር) ዝብል ናይ ክብሪ መዓርግ ስለዝሃቡዎ "ገዳ ገብረኣብ" ዝብል ካልኣይ ሽም እውን ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ዋላ'ኳ ካብ ኤርትራውያን ስድራ ቤታት እንተተወልደ ኣብ ኤርትራ ክነብር ምስ ጀመረ፡ ምስቲ ዝዓበየሉ ቦታን ሕብረተሰብን ገዚፍ ናይ ባህሊ ፍልልይ ከምዝነበሮን ምስቲ ህዝቢ ክነብር ምስ ጀመረ ቋንቋ ወለዶ ኣጽኒዑ፡ ባህልን ልምድን እቲ ህዝቢ ከምዝተላበሶን ከምዘስተማቐሮን ኣረዲኡ።

ኣብቲ ሽዑ ዝሃቦ ሰሚናር ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋን ዘሕለፎ ጸበባን መከራን ሽግርን ዓዘራን ንኪገልጽ ታሪኹ ክጽሕፍን ንዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ከንብብን ከምዝግባእ" ታሪኹ ዘይጽሕፍን ዘይዕቅብን ህዝቢ፡ ብደዉ ታሪኹ ክዝመት ይኽእል እዩ፡ ድሮ እውን ንርእዮ ኣሎና" ብምባል ብዓሚቚ ስምዒትን ኣጽንዖን ኣዘኻኺሩ።

ተስፋዬ ገብረኣብ ክሳብ ሕጂ ነዘን ዝስዕባ መጻሕፍቲ አሕቲሙ ኣሎ።

  • የቡርቃ ዝምታ፡ ዶክተር በርሀ ወልደገርግሽ ናብ ኢንግለሽ፡ ዳንኤል ሃብተማርያም ከኣ ናብ ትግርኛ ተርጕሞምዋ ኣለው
  • ያልተመለሰው ባቡር
  • የቢሾፍቱ ቆሪጦች
  • የጋዜጤኛው ማስታወሻ፡ ኣሉላ ፍስሃየን ፍጹም ወዲዓደን 'መዝክር ጋዜጠኛ' ኢሎም ናብ ትግርኛ ዝተረርጎሙዋ
  • የደራሲው መስታወሻ
  • የስደተኛው ማስታወሻ
  • ተራሮችረ ያንቀጠቀጠ ትውለድ
  • የኑረነቢ ማህደር፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ ናብ ኢንግሊዝ ዳንኤል ሃብተማርያም ኸኣ ናብ ትግርኛ ዝተርጎምዎ።
  • የጀሚላ እናት
  • የትራቮሎ ዋሻ ካልኦትን ዝርከበአን መጻሕፍቲ ንሕትመት ኣብቂዑ።