እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ተኽለንኪኤል ገብሩ ሰውራዊ ደራፋይ እዩ ነይሩ' - ድምጻዊ ተወልደ ረዳ
ነብሲ ወከፍ ስነ ጥበባዊ ኣብ ልቢ ህዝቡ ብዝተኸሎ ተዘካሪ ፍርያቱ እዩ ዝዝከር።
ብኣበርክቶን ፍርያቱን ጥራሕ ዘይኮነ ግን ብእሩም ስነ-ምግባሩን ረዚን ጠባዩን ብዝያዳ ይኽበር። ድምጻዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ ከኣ ንኽልቲኡ መምዘኒታት ይበቕዖ።
"ተኽለንኪኤል ገብሩ ሃገራዊ ስምዒት ዘበራበረ፡ ባህላዊ ዜማታት ሕብረተሰብ ዝበርበረ 'ሰውራዊ ደራፋይ' እዩ ነይሩ - ረዚን ሃገራዊ ከኣ" ብምባል፡ ስሙይ ድምጻዊ ተወልደ ረዳ ብሕልፈት እቲ በሃር ስነ-ጥበባዊ ዝተሰመዖ ከቢድ ሓዘን ይገልጽ።
ሕልፈት ድምጻዊ ተኽልንኪኤል ገብሩ ንኹሎም እቶም ብደርፍታቱ ዝተጸልው ርዝነት መልእኽቱ ዝሰምዑ፡ ኣራምን መሃርን ነቐፌታቱ ዘስተማቕሩ፡ ኣድነቕቲ ዕዮኡ ብዙሕ ኣሰንቢዱ'ዩ።
ብዝያዳ ግን ነቶም ብክራሩን ደርፉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ዕላሉን ወግዑን ዋዛታቱን ሓልዮትን ዘስተማቐሩ ብኣካል ዝፈልጡዎ ሓለፋ ኣለዎ።
ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ሰብዓታት፡ ከም ምስ ዑስማን ዓብደሪሒም፣ ተኽለ ተስፋዝጊ፣ ኣቡ ዓብደላ፣ ስልጣን ያሲን፣ ተመስገን ገብረሂወት፣ መምህር ሰለሙን ገብረእግዚኣብሄርን ተኽለንኪኤል ገብሩን ካልኦትን ኣብ ዝነበሩዋ ኣዱሊስ ባንድ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ትንቀሳቐስ ነይራ።
እዛ ባንድ "ሓረስቶት ዘለኹም ኣብ ዘራእቲ ኤርትራ፤ ኣብ ገዛና ዘለኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ" ዝብል ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ መለዓዓሊ ደርፍታትን "ንርስቲ ይዋግኣላ ኣንስቲ፡ ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ" ዝብላ ትያትር ሒዛ ነይራ።
ኣብዚ፡ ኣብ ትያትርን ደርፍን ዝተዋሰአት ተጋዳሊት ለምለም ጸሃየ፡ "ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብ ኣስመራ ይኹን፡ ኣብ ገድሊ ከምኡ እውን ኣብ ሰብ ስደት ንዝኣመነሉ ነገር ዝስየፍ፣ ኣዎንታ እምበር ኣሉታ ዘይሓስብ፣ ዕላልን ወኻዕታን እንተዘይኮይኑ ሕሜታ ዘይፈቱ ቅኑዕ ሰብ'ዩ ነይሩ" ክትብል ትገልጾ።
ሕልፈት ወዲ ገብሩ ምስ ተነግረ፡ ኣብ ዝተፈለላየ ኣጋጣሚ ብቐረባ፣ ብኣካል ይኹን ብርሑቕ፡ ብከም "ኣቑርደት ተሰነይ መሬት ዓርኮብኮባይ፤ ኣቲ ሰሓብ ገመል ሰታይ ጸባ፤ ወረጦ ወረጦ፤ ሰመያዊት ለምለም፡ ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ" ዝብልን ካልእን ደርፍታቱ ዝፈልጡዎ ኣድነቕቲ ሞያኡ ዝተሰመዖም ጓህን ሓዘንን ብሰፊሑ ገሊጾም።
ተኽለንኪኤል ገብሩ ግን መን እዩ?
ዳርጋ ንኹሉ እዚ ሕቶታት እዚ ባዕሉ ወዲ ገብሩ ኣብቲ ዘፍርዮ ስነ ጥበባዊ ስርሓትን ጉዕዞ ህይወቱን መሊሹዎ ኣሎ።
"ወዲ ገብሩ ንኡስየ - ዑና-ናላይ ዝዓዱ ጥቓ ሽማ ንጉስ'የ" እትብል ደርፉ ዝሰምዐ ሰብ፡ ተኽለንኪኤል ገብሩ ኣብታ ካብ ኣስመራ ኣስታት 20 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዑና-ናላይ ዓዲ ከምዝተወልደ ክርዳእ ይኽእል።
ተኽለንኪኤል ካብ ኣቡኡ ገብሩ ወልደጋብርን ወላዲቱ ደሃብ ገብረዮውሃንስን ኣብ 1950 ኣብታ ብዜምኡ ዝነገረላ ዓዱ ዑናናላይ ተወሊዱ።
ገና ኣብ ንእስነቱ ኣቡኡ ስለዝሞቱዎ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ንነብሱን ወላዲቱን ክጥዉር፡ ኣብ ኣቑርደት ኣብ ጀርዲን ሰሪሑ።
ካብኡ ኣብ እንዳ ክርቢት ኣስመራ እናሰርሐ ክራር መሊኹ፡ ኣብ ውሽጡ ንጸንሐ ስነ ጥበባዊ ተውህብኡ ኣብ እንዳ ስዋታት ኣባሻውል ኣበራቢሩ ኣብ ጓይላን ዉራይትን ክጻወት ከም ዝጀመረ ናይ ቀረባ ፈለጥቱን ኣብ ፋንዎኡ ዝተነበ ዛንታን የረድእ።
ድምጻዊ ተወልደ ረዳ፡ ወዲ ገብሩ ክሳብ መፋርቕ ሰብዓታት ብዘፍረዮ ሃገራዊ ዜማታት ድሮ ኣብ ልቢ ህዝቢ ከም ዝሰፈረን ኣብታ ኣብ ኣስመራ ዝነበረት ናይ እንዳ ሙዚቃ ትካሉ ዓማዊል መመጺኦም በጃኻ እባ ናይ ወዲ ገብሩ ካሴት ወልዓልና ይብሉዎ ከም ዝነበሩን ይዝክር።
"ደርፍታቱ፡ ብያታዊ ዜማታት ዝተቐናበረ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ሃገራዊ ስምዒት ዘበራብር ተዘካሪ እዩ" ክብል ብኣድናቖት ይገልጾ።
ኣብ ከተማ ለንደን ዝነብር "ሚ - ሬኤካ ትም፡ ወም- ሰማዕካ ትም" ብእትብል ኣንጻር ምልኪ ብዜዘማ ደርፊ ዝዝከር፡ ኣባል ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ነበር ገዲም ስሙይ ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ "ወዲ ገብሩ ካብቶም መዘናታቱ ድምጻውያን ቁሩብ ስጉም ዘበለ፡ ብድምጹን ክራሩን ንመንእሰያት ኤርትራ ዘበራበረ ተባዕ ድምጻዊ ስለ ዝነበረ ኣነ ዶክተር ክብል እየ ዝሰምዮ" ክብል ብሕልፈቱ ዝተሰመዖ ሓዘን ይገልጽ።
ወዲ ገብሩ ህዝብን መንእሰያትን ኣለዓዒሉ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኣይበለን።
እቲ ብኽቱር ሃገራዊ ስምዒት ዘንጎድጉዶ ዝነበረ ደርፍታቱ ንዕኡ እውን ኣብ 1974 ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ሜዳ ኤርትራ ንባርካ ኣውሪዱዎ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጀብሃ ተሰሊፉ።
እቲ ደፋር ተቓውሞኡ ኣብ ጀብሃ ምስ ከደ እውን ኣይገደፎን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ አሕዋት ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድ ይቃወሞ ከምዝነበረ ሑሴን ማሕሙድ ዓሊ ይገልጽ።
"ወዲ ገብሩ ዓሌትን ወገንን ዘይፈልጥ ንጹህን ተባዕን ሃገራዊ እዩ" ከኣ ይብሎ።
እቲ ኣብ ፋንዎኡ ዝተነበ ጽሑፍ " ተኽለንኪኤል ገብሩ ብቃላቱ ምስልታት ዝስእል፡ ብዜምኡ ስምዒታት ዘዕርግ፡ …… ኣብ ኩሉ መድረኽት፡ ክሳብ ሕጂ ብግዜ ተፈቲኖም ዘይሃሰሱ ኣማኢት ረዘንቲ ስርሓት ዘበርከተ ኣርካን'ዩ" ክብል ይገልጾ።
እቲ ዓበይትን ዓድን ሽማግለታትን ኣስመራን ከባቢኣን ኣብ መንጎ ኵናት ክልተ አሕዋት ኣትዮም ዝሸምገሉዎ ብዙሓት ሃገራውያን ተቓለስትን ምሁራትን ዓገብ ዝበሉዎ ኵናት ሓድሕድ ስለዝቐጸለ ተኽለንኪኤል ገብሩ ተሓኤ ጠቕሊላ ናብ ሱዳን ቅድሚ ምእታዋ ናብ ስደት ኣምሪሑ።
ፈለማ ኣብ ሱዳን ዳሕራይ ኣብ ስዑዲ ካብኡ ከኣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክነብር ጸኒሑ።
ይኹን እምበር ዋላ እኳ ኣርሒቑ እንተተሰደ ኣካሉ እምበር መንፈሱ ኣይረሓቐን።
ወዲ ገብሩ ኣብ 1988 እውን ህዝባዊ ግንባር ናብ ዝቆጻጸሮ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ምስቶም ንነጻነትን ሃገራዊ ክብረትን ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልትን ንጥፈታት እቲ ውድብን ተላልዩ ነይሩ።
ናጽነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ ከኣ ካብ ስደት ንሃገሩ ተመሊሱ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ኣብታ ዝፈትዋን ዘኽብራን ኤርትራ ክነብር ጸኒሑ።
ተኽልንኪኤል ገብሩ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት "ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉን፤ ኣሳጉማይ ወሲኸሉ ዘበዘብን ዝብላ ክልተ ኣዝየን ተዘከርትን ረቂቕ መልእኽቲ ዘለወን ደርፍታት ሓድጊ ገዲፉ ኣሎ።
ኣብዚ፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኤርትራ፡ ከም ኣብ እዋን መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ብጸቢብ ናይ ምምያ (ሳንሱር) ቁጽጽር ዝሓለፈሉ ዘሎ እዋን ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉን፡ ኣሳጕማይ ወሲኸሉ ዘብዘብ ዝብል ረቂቐ ትሕዝቶ ዘለዎ ደርፊ ምድራፉ ከኣ መርኣያ ናይቲ ተባዕን ደፋርን ባህሪያቱ እዩ ይብል ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ።
ብዙሓት ካልኦት እውን ነቲ ኣረኣእያ ይሰማምዑሉ።
ኣብታ ነቐፌታ ዘይጸውር ስርዓት ኤርትራ ተኽልንኪኤል ገብሩ በቲ ነቓፊ ባህሪያቱ ጸገማት ከየጋጥሞ ዝሰግኡ ፈለጥቱ ብዙሓት እዮም።
ግን ከኣ ኣብ ርእሲ እቲ ድፍረቱ ስነ-ጥባበዊ ርቀት እውን ስለዝሓገዞ ክሳብ ሕልፈቱ ንሓንሳብ "ኣንታ ገለ'ኳ ይብሉኒ" እናበለ ክነብር ከም ዝጸንሐ ቀረባ ፈለጥቱ ይዛረቡ።
"ኣሳጉማይ ወሲኸሉ ዘበዘብ
ጌና'ለኹ፡ ጌና፡ ዘሎ ይትዓዘብ
ሚዶ'ንታይ ይኾኖም ንበራሓት
ምኽሪ ኣይደልን'የ ካብ ፈራሓት
ክቅጽል'የ ብዘለኒ ብልሓት
ዓባሩ'ምበር ኣይርእን ስቡሓት" ዝብል ነግሒ ሕዳመኡ፡ ናብ ዝደለኻዮ ከተሽርፎ እኳ ዝከኣል እንተኾነ፡ ንባህርን ጠባይን ተኽልንኪኤል ዝፈልጡ ብዘይ ምኽንያት ኣይበላን ዝብል ርእይቶ እዮም ዘቕርቡ።
"ከዕልለኩም ቀንዲ ሕመረቱ
ታሪክ ኣሎ ንታሪኽ ዘዘንቱ
ሴፍ እንዳ ጉራደ ዘይኣቱ
ኣይህውትትን'የ ምስ'ቶም ዝሃውተቱ" እትብል ካልአይቲ ነግሒ እውን ዋላ'ኳ
"ዓጢቐዮ'ለኹ፡ ሓምላይ ክቕይራ
ኣታ ነዛ ሃገር፡ መሬታ ምስ ባሕራ
ወረ ናይ ጀጋኑ፡ ኣለኒ ሓደራ
እዚ ኹዳ እዩ ጌና'ሎ እቲ ስብራ" ዝብል እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዓመት ዓመት ዝብሎ ግን ከኣ ገና ንሰላሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ውጽኢቱ ዘይተራእየ ሓውሲ ጭርሖ መሰል ማይ ቤት ኣኸቲሉ ነብሱ ክከላኸል እንተፈተነ፡ ካልአይቲ ነግሒ ግን ከምቲ ቐደም ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝድረፍ ዝነበረ ሰብ ናብ ዝደለዮ ከእትዎ ዝኽእል መልእኽቲ ኣለዋ ይብል ሑሴን መሓመድ ዓሊ።
ገዲም ሃገራዊ ድምጻዊ ተወልደ ረዳ፡ ንተኽለንኪኤል ገብ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ምፍልላይ ቅድሚ ወርሕን ፈረቓን ስልኪ ደዊሉ፡ ጥዕንኡን ሃለዋቱን ሓቲቱዎ ነይሩ። ተኽልንኪኤል ጥዕንኡን ናብርኡን ጽቡቕ ከም ዘሎ ገሊጹሉ።
ክልቲኦም ብክቱር ናፍቖት ደሃይ ሓድሕድ ተለዋዊጦም። ኣብ ዝቕጽል ግዝያት ብዝሰፍሐ ከዕልሉን ክዘራረቡን ተሰማሚዖም ከኣ ተፈላልዮም።
እንተኾነ ሞት ከይጸዋዕካዮ እዩ ዝመጽእ ከም ዝበሃል ሃንደበት ተኽልንክኤል ገብሩ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ ተወልደ ረዳ " ካልኣይ ሳዕ ከየዕለልኩዎ!" ብማለት ብልቢ ሓዚኑ።
ኩሎም እቶም ብሞት ተኽልንኪኤል ገብሩ መሪር ጓሂ ዝተሰመዖም ኣብዚ ዓንቀጽ ንቢቢሲ ርእይተኦም ዘካፈሉን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሓዘኖም ዝገለጹን ኩሎም ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ ንስድራ ቤትን ፈተውትን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ተመንዮም።