ኣብ ህንጻ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝበጽሐ ሓደጋ ባርዕ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ኬፕታውን ዝርከብ ህንጻ ፓርላማ ብሓያል ባርዕ ምንዳዱ ስዒቡ፤ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቐይዲ ኣትዩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከምዝበሎ በቲ ሓደጋ ምብጻሕ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ሒዝካ ብምንቅስቓስ፣ ናብ ገዛ ሰይርካ ብምእታውን ብስርቅን ዝተኸሰ ኸይኑ፤ ጽባሕ ሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ብዙሓት ሰራሕተኛታት ምቁጽጻር ሓደጋ ባርዕ ናብቲ ቦታ ዝተዋፈሩ ኮይኖም፤ መንቀሊ እቲ ባርዕ ብዝምልከት ግን ዛጊድ ኣብ ምጽራይ እዩ ይርከብ።

ብቪድዮ ዝተዘርግሐ ምስሊ፤ ናብ ሰማይ ዝተኽኽ ጸሊም ትኪ ከምኡ’ውን ካብ ውሽጢ ህንጻ ፓርላማ ዝወጽእ ሃልሃልታ ሓዊ የርእይ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ስነስርዓት ምስናይ ሬሳ ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ-ጳጳስ ዴስሞንድ ቱቱ ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ ፓርላማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ዝካየድ ድሕሪ ሰዓታት’ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ናብቲ ከባቢ ከይዱ ነቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝተመልከተ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ተጓንፎ "ኣዝኡ ዘስንብድን አዕናዋይን ፍጻመ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ልዕሊ'እንዳ ዲሞክራሲና ዝተፈነወ መጥቃዕቲ' ክብል ድማ ነቲ ተግባር ኮኒኑዎ።

ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሕዚ ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝኮነ ሰብ ከምዘይነበረን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳ ማሴኮ፡ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ጠቂሱ፤ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ [ደርቢ] ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽህፈት ጀሚሩ ናብ ኣዳራሽ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ከምዝተላበዐ ገሊጹ።

“እቲ ባርዕ ዛጊድ ምቁጽጻር ኣይተኽኣለን። ኣብ መንደቕ እቲ ህንጻ’ውን ምስንጣቕ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ’ሎ” ክብል ወሃቢ ቓል ኣገልግሎታት እዋን ሓደጋ ከተማ ኬፕታውን ብሰንበት ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ቤት ጽሕፈት ፓርላማ እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ገለ ክፋል እቲ ሓድሽ ብመቐጸልታ ዝተሰርሐ ህንጻ እቲ ቤት ምኽሪ 'ንእሽቶ ዘይበሃል ጉድኣት' ከምዝበጽሖ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ኬፕታውን ዘሎ ህንጻ ፓርላማ ኣብ ሰለስተ ዝኽፈል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣረጊት ናይ 1884 ህንጻ፣ ኣብ 1920ታት ዝተሃነጸ ሓድሽ ህንጻ ከምኡ’ውን ኣብ 1980ታት ዝተሃነጸ መእከቢ ኣዳራሽ ባይቶ እዮም።