ቤት ፍርዲ ስፐይን፡ ንፓርላማ እታ ዓርሰ ውሳነ ዘካየደት ካታላን ኣኼባ ከየካይድ ኣጊዱ

ቤት ፍርዲ ስፐይን ዝመፅእ ሶኑይ ንዝካየድ ኣኼባ ካታላን ዝኣገደ፡ ድሕሪ ድምጺ ዓረሰ ውሳንኦም ክግበር ንዝኽእል ቀፃሊ ምንቅስቓስ ንምግታእ እዩ።

"ከምዚ ዝዓይነቱ ድፍኢት ንሕገ-መንግስቲ ከም ምጥሓስ'ዩ ዝቑፀር" ኢሉ'ሎ እቲ ቤት ፍርዲ።

ቅድም ክብል፡ ቀዳማይ ሚንስተር ስፐይን ማርያኖ ራጆ፡ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ዓርሰ ውሳነ፡ ዞባዊ ምምሓዳር ካታላን ናፅነት ከይእውጅ መጠንቀቕታ ሂቦም ነይሮም።

ኣማሓዳሪ ካታላን ካርለስ ፒግዴሞንት፡ ዝመፀእ ዘሎ ሰሙን ናፅነቶም ክእውጁ ከምዝኽእሉ ኣሚቶም እዮም።

ብሰንበት 01 ጥቅምቲ ንዝተኻይደ ዓርሰ ውሳነ ንምዕንቃፍ ብቤት ፍርዲ ተመሓላሊፉ ዝነበረ ውሳነ ብመራሕቲ ካታላን ፀማም እዝኒ ከምዝተዋህቦ ይዝከር።

ካብ መተሓባበርቲ ዓርሰ ውሳነ እቲ ንናፅነት ዝድግፍ ዝተውሃበ ልዑል ድምፂ ብኣግባቡ ዕላዊ ኣይተገበረን ዝብል ቅሬታ ይስማዕ'ዩ።

ዓርሰ ውሳነ ከይካየድ ብቤት ፍርዲ ዝተውሃበ መምርሒ ከፈፅም ፖሊስ ኢዱ ብምታዉ፡ ኣብ መድመፂ ጣብያታት ዓመፅ ተወሊዑ ነይሩ። ፖሊስ ድምፂ ዝእከበሎም ሳናዱቕ ክወስድን መረፅቲ ክብትንን ፈቲኑ።

ብሓሙስ ድማ ሳባዴል ዝተብሃለ ዓብዪ ባንኪ፡ ሕጋዊ ምዝገብኡ ካብ ባርሴሎና ኣብ ደቡብ ምብራቕ ናብ እትርከብ ኣሊሳንቴ ዝተብሃለት ከተማ ከሰጋግር ወሲኑ። ዋና ቤት ዕዩኡን ሰራሕተኛታቱን ግን ኣብ ባርሴሎና ክፀንሕ እዩ።

ሲያክሳባንክ ዝተብሃለ ካልእ ኣብ ባርሴሎና ዝርከብ ዓብዪ ትካል እውን፡ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምዝውስን ይግለፅ ኣሎ። እዚ ውሳነ ድማ እቶም ባንክታት ኣብ ዞባ ዩሮ ክፀንሑን ብሕግታት ማእከላዊ ባንኪ ኣውሮፓ ክመሓደሩን ይገብር።

ሓለቓ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ባርሴሎና ኣንድሬስ ኢንየሽታ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝፀሓፎ ፅሑፍ "ብሰላም ምንባር'ዩ ዘድልየና" ክብል ምሕፅንትኡ ኣቕሪቡ።