እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፓርላማ ኣውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ 'ንምስይጣን' ይሰርሕ ኣሎ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ
ኤርትራ፡ ፓርላማ ኣውሮጳ "ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ" ከም ጉልባብ ብምጥቃም ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምጽላም ተዋፊሩ ኣሎ ብምባል ከሲሳ።
ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ሓደ ካብቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ 8 ጥቅምቲ፡ ፓርላማ ኣውሮጳ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ንመንግስቲ ስዊድን ከፍልጥን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖን ጸዊዑ ነይሩ።
ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ፓርላመንታዊ ባይቶ ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ሰላማዊ ውቅያኖስን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ምልዋጥ ሕዱር ሕልሚ ኣለወን ኢሉ።
እዘን ሃገራት ኣብ ኤርትራ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ንምምጻእ ዘለወን ሃቐነ "ንኣጀንዳ ሰባዊ መሰላት" ክጥቀማሉ ከምዝጸንሓ ይኸስስ።
"ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ዘለዎ እከይ ኣጀንዳ ንምዕዋት ን'ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ' ከም ምኽንያት ተጠቂምሉ" ይብል እቲ ብመን ከምዝቐረበ ዘይተነጸረ መግለጺ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ "ሰፊሕ" ምግሃስ መሰረታዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዳዊት ዝርከቦም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መግስቲ ዝነበሩ ሰባትን፡ ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን'ዩ። ብዛዕባ'ቲ ፈጺሞሞ ዝበሃል "ክሕደት" ውግዓዊ ክሲ ቀሪብሎም ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን።
ንዳዊት ኢሳቕ'ውን፡ ምስቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ንምልካዊ ኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምንቃፎም ዝተኣስሩ ሰበስልጣን ርክብ ስለዝነበሮ ከምዝተኣስረ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ ፓርላማ ኣውሮጳ ብዛዕባ ምዕጻው ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝውነናን ዝመሓደራን ዝነበራ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ምዝራቡ'ውን ቅኑዕ ከምዘይኮነን፡ "ንፖሊሲታትን ምሃብ ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን ኤርትራ ዝድውን" ጠቐነ'ዩ ኢሉ። ብመሰረት፡ እቲ ኣብ 1995 ዝወጸ ኣዋጅ ከምዝተሃገራ'ውን ሓቢሩ።
ፓርላማ ኣውሮጳ እንታይ'ዩ ኢሉ?
ብ8 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኒካራግዋን ስዑዲ ዓረብን ብዘሎ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰለስተ እማመታት ኣሕሊፉ።
ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፡ ኩሎም እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ናይ ሕልና እሱራትን ክፍትሑን ብፍላይ ድማ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ዜጋ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ሓቢሮም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ጠለብ ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምኹናን፡ እቲ መንግስቲ፡ ንተቓወምቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ሰባትን ምእሳር ከቋርጾ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ባይቶ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም መሻርኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘጣዕስ ኩነታት ንምፍታሕን፡ ዓለማዊ ክብርታት ደሞክራስን መሰላት ደቂ-ሰባትን ንክኽበር ክስርሕ ተማሕጺኑ።