እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስድራ ግዳያት ነፋሪት ቦይንግ ኣንጻር መንግስቲ ኣመሪካ ሕጋዊ ጥርዓን ኣቕሪቦም
ስድራ ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት ቦይንግ ማክስ 737 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣመሪካ ሕጋዊ ጥርዓን ኣቕሪቦም።
ንሳቶም ኣመሪካ ቦይንግ ንርእሱ ካብ ክሲ ገበን ንምክልኻል ውሕስና ንክረክብ ዘኽእሎ ምስ ናይ ዘይምኽሳስ ስምምዕ ዝመሳሰል ሰነድ ብሚስጢር ኣዳሊያ ኢሎም ይኸሱ።
እዚ 'Deferred Prosecution Agreement' (DPA) ዝብሃል ኮይኑ ዓቃቢ ሕጊ ተኸሳሲ ዝተወሰኑ ረቛሒታት ንምምላእ ክሰማማዕ እንከሎ ዓቃቢ ሕጊ ምሕረት ንክህቦ ዝሰማምዐሉ ኣብ ፍቓድ ዝተሞርኮሰ ኣማራጺ'ዩ።
ኣብ መጋቢት 2019 ዓ.ም [አቆጻጽራ ኤውሮጳ] ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቑጽሪ በረራ ET302 ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተበገሰት ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ደቓይቕ ሓደጋ ምውዳቕ ከም ዘጋጠማ ይዝከር።
እዚ ምስቲ ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት መገዲ ኣየር ማሊዢያ ዝኾነት ማክስ 737 ተደሚሩ ካልኣይ ሓደጋ እዩ።
ድሒሩ ብዝተኻየደ ምጽራይ ኣብ ክልቲኡ ሓደጋታት ኣብ ናይ በረራ መቆጻጸሪ 'ሶፍትዌር' ዘጋጠመ ጌጋ፡ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ ብጠቕላላ 346 ሰባት ሞይቶም።
ክሳብ ሕጂ ምስቲ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ላዕለዋይ ፓይለት ቴክኒክ ዝነበረ ማርክ ፎርክነር ዝተባሃለ ሓደ ሰብ ጥራይ'ዩ ክሲ ገበን ቐሪብሉ ዘሎ።
ንሱ ኮነ ኢሉ ብዛዕባ ናይቲ መቆጻጸሪ በረራ ሶፍትዌር ሓበሬታ ንምሕባእ ንምምሕዳር ኣቪየሽን ኣመሪካ ኣታሊሉ ዝብል ክሲ ቐሪብሉ ኣሎ።
እቶም ስድራ ግዳያት እቲ ሓደጋ ነፋሪት ናብ ቤት ፍርዲ ቴክሳስ ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባኒያ ቦይንግ ዝካየድ መርመራ ገበን ምህላው ሓቢኡ ክብሉ ይኸሱ።
ብተወሳኺ እቲ ምጽራይ ንምፍታሕ ምስ ቦይንግ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ንስድራ ግዳያት ነፋሪት ET302 ከምዚ ዓይነት መርመራ ብዛዕባ ምህላው ክሒዱ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው።
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ዝነበራ መዓልታት''ዩ እቲ ቦይንድ ንርእሱ ካብ ክሲ ገበን ንምክልኻል ውሕስና ዝህቦ ስምምዕ [DPA] ወግዓዊ ኮይኑ።
ቦይንግ ድማ 2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳን መቕጻዕትን ክኸፍል ተሰማሚዑ።
ኣብቲ እዋን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ "ሰራሕተኛታት ቦይንግ ኣሰራርሓ ማክስ 737 ዝምልከት ንምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል ሓበሬታ ኣታሊሎም ንምሕባር ብምፍታን ናይ ከስቢ መገዲ መሪጾም" ኢሉ ነይሩ።
ጠበቓታት ስድራ ግዳያት ኣብቲ ስምምዕ ናይ ምድርዳር ሓላፍነት ዘለዎ ጠበቓ ሕጊ እቲ ቤት ጽሕፈት ንቦይንግ ናብ ዝውክል ናይ ሕጊ ትካል ከም ዝተጸንበረ ይገልጹ።
ስለ ዝኾነ ድማ ቤት ፍርዲ ናይ ቦይንግ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ንክስረዝ ሓቲቶም።
ቦይንግ ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን።