ኢቲ 302 ቦይንግ 737፡ ኣብዛ ነፋሪት ዘጋጠመ ነገር እንታይ'ዩ?

ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ኢትዮጵያ፡ ንብዙሓት ዓመታት ደርገፍገፍ እናበለ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝሰፍሐ ሰማያት ኣፍሪቃ ክትዕብልሎ ገይሩ እዩ።

ብትርፊ፣ ብብዝሒ ነፈርቲ፣ ብቁጽሪ ዝበረሎም ቦታታት፡ ብመስተንግዶን ጽርየትን ናእዳ ተፈልዩዎ ኣይፈልጥን። ብሓፈሻ ሓፍ እምበር ትሕት ኢሉ ኣይፈልጥን።

ሰንበት ሓደ መጋቢት 2011 ዓ.ም፡ ንኢትዯጵያውያን መሕበረሰ-ሰብ ዓለምን ዘሰንበደት ዕለት ነይራ።

ኣብታ ዕለት፡ 'ማክስ-8' ዝዓይነታ ነፋሪት ኢትዮጵያ ንታሕቲ ገጻ ምስበለት፡ ቅንዕ ክትብል ኣይከኣለን፤ ኣብረርቲ ዝከኣሎም ጽዒሮም ኣይሰመረሎምን።

ኣፍረይቲ እታ ነፋሪት፡ ንኣብረርቲ ካብ ንምንቃፍ ዝቀደሞም የለን። መጀመርታ ጥርጣርኦም ገለጹ፤ ኣስዒቦም ብሜዲያ ወፍሪ ቀጸሉ።

እቲ ጸገም ካብ ኣብረርቲ ዘይኮነስ፡ ካብ ተክኒሻናት እታ ነፋሪት ከም ዝኸውን ጠፊኡዎም ኣይኮነን።

ነገር ናብኦም እንተዘንብል ድማ ካልእ ሃሚሙ ዝነበረ ቑስሊ ተነኽአ፤ ኢንዶኔዢያ። እዚ ቑስሊ መመሊስኻ ምንኻእ ሽምን ዝናን ቦይንግ ጸራሪጉ ዝወስድ ጸገም ከስዕብ'ዩ።

ስለዚ፡ ብዝተኽኣሎም መጠን እዚ ጉዳይ ካብ ዝባኖም ከርሕቑሉ ዘኽእሎም ኣንፈት ክኽተሉ ግድን ነይሩ።

ሰንበት ንጉሆ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣይኮነን ነታ ሃገር ንመገዲታት ኣየር ኣፍሪቃ'ውን ዝሕሰም ኣይኮነን።

ኣብዚ ልዕል ኢሉ ክብሪ ዝረኸበሉ ደረጃ እናሀለወ ግን እዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ ተኸሲቱ።

ከምቲ ልሙድ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ናይሮቢ እትበርር ዘመናዊ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ብንጉሁኡ ኣሰናዲኡ።

መብዛሕትኡ ግዘ ሙሉእ ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ እዚ ናብ ናይሮቢ ዝግበር በረራ፡ 149 ተጉዓዝቲ ኣሳፊሩ ነይሩ። ብተወሳኺ 8 ሰራሕተኛታት'ውን ነይሮም።

ቁጽሪ በረራ ኢቲ 302 ናብ ኬንያ ናይሮቢ ንምብራር ካብ መሬት ፍንትት ኢላ ክትብገስ ፍቓድ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ንጉሆ ሰዓት 02፡37 ረኺባ።

ልክዕ ድሕሪ ሓደ ደቒቕን 10 ካልኢትን ግን፡ ካብቲ ዝተለመደ ዝተፈለየ ኩነታት ከም ዘጋጠመ እቶም ኣብረርቲ ክግንዘቡ ክኣሉ።

ተሓጋጋዚ ኣብራሪ እታ ነፋሪት እዚ ጉዳይ እቲ ኣብራሪ ክፈልጦ ገበረ። ዋና ኣብረርቲ ድማ እዚ ጸገም ንከወግዱ፡ እታ ነፋሪት ብናይ ባዕላ ስርዓት ክትበርር ንምግባር ጻዕሪ ቀጸሉ።

እቶም ኣብረርቲ ዘጋጠሞም ጸገም ንምዕራይ ተደጋጋሚ ጻዕሪ እንተገበሩ'ውን ክዕወቱ ኣይክኣሉን።

ድሕሪኡ፡ እቲ ተሓጋጋዚ ኣብራሪ ንተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገም ክፈልጡ ገበረ።

እታ ነፋሪት እቶም ኣብረርቲ ካብ ቑጽጽሮም ወጻእ ንምኻን ግን ግዜ ኣይወሰደላን። ኣፍንጭኣ ናብ መሬት እናዘምበለ ኣጸጋሚ ኩነታት ፈጠረት።

እቶም ኣብረርቲ እዚ ንምዕራይ ብቕልጡፍ ጻዕሪ እናገበሩ ምስ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ብምርኻብ ኣብ 14 ሽሕ ጫማ ክጸንሑ ከም ዝደልዩ ገለጹ።

እታ ነፋሪት ግን ክትቐንዕ ኣይክኣለትን፤ ፈጺማ'ውን ክትእዘዝ ኣይክኣለትን።

ኣብረርቲ፡ እቲ ዝጀመሩዎ በረራ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዝኾነ ናብ ዝተበገስሉ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክምለሱ ከም ዝደልዩ ኣፍለጡ።

ሽዑ ንሽዑ ፍቓድ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ተውሃቦም። እዚ ኹሉ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ዝተፈጥረ ታሪክ እዩ።

ሕጂ'ውን እቶም ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ዝተደፍአ ርእሳ ከቕንዑ ጻዕሮም ኣየቋረጹን። እታ ነፋሪት ግን እቲ ጸገም ካብ ኣፈጣጥርኣ ምኻኑ ንምግማት ብዘየጸግም መልክዑ ክትእዘዘሎም ኣይክኣለትን።

ኩነታት ብኢሱ ንታሕቲ ክትወርድ ጀመረት። ኣብ መወዳእታ ኣብረርቲ ምስ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ዝነበሮም ርክብ ሙሉእ ንሙሉእ ተቛረጸ።

ዝኽሪ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም

ልዕሊ 100 ሰባት ዝሓዘት ነፋሪት ኢቲ 302 ከይተሓምሸሸት ከም ዘይተርፍ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ስግኣት እንተሓደሮም'ውን፡ ንደቓይቕ ዝኸውን ተስፋ ኣይቖረጹን ነይሮም።

ድሕሪ ዝተወሰና ደቓይቕ ግን እዚ ዘሕዝን ክሓብኡዎ ዘይክእሉ ስግኣቶም ተፈጢሩ ክርእዩ ግድን ኮነ።

ብዛዕባ እዚ ሓደጋ ቐዲሙ ዝሰምዐ ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ቕዳሴ ሰንበት የብጽሕ ነይሩ።

"ንጉሆ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ ሰሚዐ። ብጣዕሚ ደንጊጸ፤ ብጣዕሚ . . . ብጣዕሚ ሓዚነ" ክብል ንጉሆ ሓደ መጋቢት ዝነበሮ ስምዒት ይዝክር።

ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር፡ ብሰንበት ረፋድ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ብማሕበራዊ ሚዲያ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ገበረ።

በዚ ሃንደበታዊ ሓደጋ ግዳያት ንዝኾኑ ስድራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ድማ ሓዘኑ ገሊጹ።

ድሕሪ'ዚ፡ እዚ ሓደጋ ቀንዲ ዛዕባ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ኮነ። ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን እውን በዚ ክስተት ኣብራኹ ማይ ኮና።

ተመሳሳሊ ነፋሪት ዝዓደጋ ሃገራት ተደናገጻ፤ ክዕድጋ ዝሓሰባ'ውን ዘከፈልኦ ዕርቡን ክምለስ ክሓታ ጀመራ። ዕዳጋ ⶅይንግ ድማ ባይታ ዘበጠ።

ቅድም ኢሉ፡ መገዲ ኣየር ኢንዶኔዢያ ላየን ኤር ብባህሪኡ ተመሳሳሊ ዝኾነ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ከም ዝነበረ ክዝከር ምስ ጀመረ፡ እቲ ኩነታት ናበይ ከም ዝኽእል ግልጺ ክኸውን ጀመረ።

ምኽንያት እቲ ሓደጋ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ዝተብሃሉ ዝተፈላላዩ ምክንያታት እንተቐረቡ'ውን፡ ኣብታ ነፋሪት ዘሎ ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእል ስለ ዝተገልጸ፡ ናብ መፍረዪ ኩባንያ ቦይንግ ዘነጻጸሩ ከበድቲ ሕቶታት ክቐርቡ ጀመሩ።

በዚ ምክንያት፡ ካልእ ሓደጋ ንምክልኻል ዘመነዎት ከም ዝኾና ዝንገረለን ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ 8፡ ካብ በረራ ክእገዳ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መገዲታት ኣየር ወሰዳ።

ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ሓደጋ እቲ ዝኸፍአ ስለ ዝነበረ ዋላ ሓደ ሰብ ብህይወት ክተርፍ ኣይክኣለን።

ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ቱሉ ፈራ ዝወደቐት ነፋሪት፡ ዝተረፈ ኣካላታን ሬሳ ግዳያትን ንምርካብ መዓልታት ዝወሰደ ካዕቲ ክካየድ ዘገድደ ነይሩ። እዚ ንስድራ ግዳያት ድርብ ሓዘን ኾነ።

ምስቲ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ገለ ወገናት ኣብረርቲ ዝፈጠሩዎ ጸገም ገይሮም ከቕርቡዎ እንተፈተኑ'ውን፡ ፈላማይ ጸብጻብ እቲ ሓደጋ ግን ኣብረርቲ እዚ ክስተት ከትርፉ ከም ዝጸዓሩን ኣብታ ነፋሪት ዝተገጠመ መቆጻጸሪ ስርዓት ምኽንያት እቲ ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ነይሩ።

ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ አታኦ ተወልደ ገብረማርያም፡ ምስቲ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ብዝተሓሓዝ፡ "ኣብረርቲ ኣብ ውሽጢ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ዝኾነ ኩነታት ኮይኖም ካብኦም ትጽቢት ዝግበር ስጉምቲ ንምውሳድ ዝከኣሎም ሞያዊ ብቕዓት ስለ ዘመስከሩ" እቲ መገዲ ኣየር ከም ዝሕበነሎም ምስክርነቱ ሂቡ'ዩ።

እቲ ሓደጋ፡ ህይወት ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ክጠፍእ ገይሩ፤ ኣብ ልዕሊ መፍረዪ ነፈርቲ ኩባኒያ ቦይንግ'ውን ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ስለ ዘስዓበ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ካብ ስርሖም ተባሪሮም'ዮም።

ተመሳሳሊ ነፈርቲ ከቕርበሎም ዝኣዘዙ መገዲታት ኣየር ዓለም ትእዛዞም ብምስራስ ኣብ ስራሕ ዝነበራ ነፈርቲ'ውን ካብ በረራ ወጻኢ ክኾና ገይሮም።

በዚ ምኽንያት፡ ነፈርቲ ብምቕራብ ህቡብ ዝነበረ ቦይንግ ብቢሊዮን ዶላር ዝቑጸር ክሳራ ኣጋጠሞ።

እዚ ጉዳይ ኣብ ምርመራ ብምህላዩ፡ ክሳብ እዛ እለት መእሰሪ ኣይረኸበን።