እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦይንግ ብሰንኪ ናይ 737 ማክስ ውዲት 2.5 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል እዩ
ቦይንግ ኣብ ስርሓት ነፋሪት 737 ማክስ ካብ ሰብመዚ ድሕነት ኣሜሪካ ሓበሬታ ምሕብኡ ዝቐረበሉ ክሲ 2.5 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ትካል "ካብ ግሉጽነት ንረብሓ" ከም ዘቐደመ ሓቢሩ።
ካብቲ ገንዘብ እቲ 500 ሚልዮን ዶላር ናብ ስድራ እቶም ኣብ ክልተ ሓደጋታት ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ዝሞቱ 346 ሰባት ዝወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ዴቪድ ካልሆን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ነዚ መፍትሒ ምቕባል ንዓና ክንገብሮ ዘሎና፡ ቅኑዕ ነገር ምዃኑ እኣምን" ኢሉ።
ወሲኹ'ውን "ስለዚ እዚ ነቲ ናይ ግሉጽነት ንግዴታታትና ክሳዕ ክንደይ ዕቱባት ክንከውን ከም ዘሎናን ነዚ ምስ ዘይነማልእ ትካልና ክገጥሞ ዝኽእልን መዘኻኸሪ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ሰብ መዚ ቦይንግ ብዛዕባ እቲ ኤምካስ ዝበሃል ኣውቶማቲካዊ ስርዓተ መቆጻጸሪ በረራ ሓበሬታ ከም ዝሓብአ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢንዶኔዥያን ኣብ 2019 ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፈርቲ ቦይንግ ዝተኻየደ መርመራታት፤ እቲ ጸገም ምስ ኤምካስ ዝተኣሳሰር ኮይኑ እዩ ረኺብዎ።
እቲ ንኣብረርቲ ዝወሃብ መምርሒ፡ ብዛዕባ እቲ ኣውቶማቲካዊ ስርዓተ መቆጻጸሪ በረራ እኹል ሓበሬታ ዝህብ ኣይነበረን።
ቦይንግ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ መርመርቲ ክተሓባበር ፍቓደኛ ከም ዘይነበረ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ሓቢሩ።