ድሕሪ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተኣጊዳ ዝጸንሐት ቦይንግ 737 ማክስ ነፋሪት በረራ ጀሚራ

እታ ንኣስታት ክልተ ዓመት ካብ ስራሕ ደው ኢላ ዝጸንሐት ስራሓት ቦይን ዝኾነት 737 ማክስ ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት በረራ ጀሚራ።

እታ ነፋሪት፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መጋቢት 2019 ዘጋጠመ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓዲ ውዒል ኮይና'ያ ጸኒሓ።

ብራዚላዊ መንገዲ ኣየር ጎል፡ ነታ ነፋሪት ናብ በረራ ዘዋፈረ ፈላሚ መንገዲ ኣየር ኮይኑ'ሎ።

ብረቡዕ 9 ታሕሳስ 2020፡ ተጓዓዝቲ ዝሓዘት ቦይንግ 737 ማክስ ካብ ቀንዲ መደበር ናይቲ መንገዲ ኣየር ዝኾነት ንግዳዊት ከተማ ሳኦፓውሎ ናብ ፖርቶ ኣለግረ ብሰላም በሪራ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣቐዲሙ ከምዝሓበሮ፡ 140 ኣብረርቱ፡ ምስታ ምምሕያሽ ክግበረላ ዝጸንሐ ነፋሪት ንምልላይ ኣድላዪ ስልጠና ወሲዶም ኣለዉ።

ዛጊት፡ ኣመሪካን ብራዚልን ጥራይ'የን እታ ነፋሪት ናብ ሰማያት ክትምለስ ኣፍቂደን ዘለዋ።

እቲ ኣብ ብራዚል ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ ውሽጢ ዓዲ መንገዲ ኣየር ጎል፡ 5 ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣለወኦ። ካልኦት 95 ኣዚዙ ከምዘሎ'ውን ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ'ቲ ሂወት 346 ሰባት ዝቐዘፈ ኣብ ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋታት፡ ኩባንያ ቦይንግ ናይታ ነፋሪት በረራታት ደው ከብል ተገዲዱ'ዩ።

ኣብቲ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋታት ምዃኑ ዝተነግረሉ፡ ስርዓተ ምቁጽጻርን ካልእን ኣገዳሲ ምምሕያሻትን ምዕራይን ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሓላፊ ምውፋር፡ መንገዲ ኣየር ጎል፡ ሰልሶ ፈረር፡ ድሕሪ'ቲ ዝተገብረላ ምምሕያሻት፡ ኣብ ብቕዓት ናይታ ነፋሪት ምሉእ እምነት ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ተጓዓዝቲ ዓማዊሉ በታ ነፋሪት ክጓዓዙ ምስ ዘይደልዩ፡ ብዘይ ዝኾነ ተወሳኺ ወጻኢ፡ ናብ ካልእ በረራታት ክሰጋገሩ ከምዝኽእሉ'ውን እቲ ትካል ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ነታ ነፋሪት ካብ በረራ ደው ኣቢልዋ ይርከብ።

ምጅማር በረራ ናይታ ነፋሪት፡ ነቲ ዓቢ ክሳራ ዘጋጠሞ ኩባንያ ቦይንግ ዓቢ ብስራት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።