ቦይንግ 737 ማክስ ካልእ ጸገም ገጢሙዎ

ኣሜሪካውያን ተቖጻጸርቲ ኣብቲ ፍርያት ቦይንግ ዝኾነ፡ ካብ በረራ ተኣጊዱ ዘሎ 737 ማክስ፡ ካልእ ጸገም ምርካቦም ተገሊጹ።

በዓልመዚ ኣቭየሽን ፈደራል (ኤፍኤኤ) ፈተነታት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ኩነታት፡ ዝርዝራቱ ዘይገለጾ፡ "ሓደጋ ናይ ምስዓብ ተኽእሎ ዘለዎ" ሽግር ከም ዝረኸበ ገሊጹ።

እቲ ካብ ፍርያት ቦይንግ ብብዝሒ ዝተሸጠ ማክስ 737 ዝተብሃለ ኣይሮፕላን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ መንገድታት ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋታት ካብ በረራ ተኣጊዱ ኣሎ።

ኩባንያ ቦይንግ ንሶፍትዌር ናይቲ ኣይሮፕላን ምምሕያሻት ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ።

በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቦይንግ መፍትሒ ከናድየሉ ዘለዎ፡ ጉድለት ምርካቡ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቦይንግ ኣብ 737 ማክስ ኣካይድዎ ዘሎ ምምሕያሻ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ ክጸድቕ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ፈተነ በረራ ክካየድ ተወጢኑ ነይሩ።

ኣይሮፕላን 737 ማክስ ኣብ ከባቢ መስከረም ናብ ስራሕ ክምለስ፡ ብዙሓት ትጽቢት ገይሮም እኳ እንተነበሩ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ካብ ስራህ ደው ኢሉ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ቦይንግ ብወገኑ ን 737 ማክስ ናብ ስራሕ ንምምላስን፡ ነቲ ናይ ሶፍትዌር ምዃኑ ዝገልጾ ጸገም ንምፍታሕን ምስ በዓል መዚ ፈደራል ኣቭየሽን ብቐረባ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ።

በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ግና እቲ ጸገም ካብ ሶፍትዌር ወጻኢ እንተኾይኑ'ውን ክፍትሽ እዩ።

እቶም መርመርቲ እቲ ናይ ሶፍትዌር ምምሕያሽ እኹል ኮይኑ ምስ ዘይረኽብዎ፡ ማይክሮፕሮሰሰር ምቕያር ከድሊ ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተወጠነ ዝያዳ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእልን ይግለጽ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ዋንነት ናይ መንገዲ ኣየር ኢትጵያን መንገዲ ኣየር ላየን ኢንዶነዥያን ዝኾና 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፍልልይ እዩ ተኸሲቱ።

ክልቲኡ ሓደጋታት ብምኽንያት ስርዓተ መቆጻጸሪ በረራ ዝሰዓበ ምዃኑ፡ ካብ ክልቲኡ ሓደጋታት ዝወጸ ኣፈናዊ ጸብጻብ የመልክት።

በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ብዘይ ግቡእ መርመራ ንማክስ 737 ናይ በረራ ፍቓድ ምሃቡ ይኽሰስ።