እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጠንቂ ርእሰ ቅትለት ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ እንታይ እዩ?
ብመሰረት ሓዲሽ ካብ ሃገራዊ ጸብጻብ ገበናት ህንዲ [NCRB] ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብ 2020 22 ሽሕን 372 ህንዳውያን ሰብ ሓዳር ርእሰ ቅትለት ፈጺመን ይብል።
እዚ ማለት መዓልታዊ 61 ህንዳውያን ሰብ ሓዳር ርእሰ ቅትልት ይፍጽማ ማለት እዩ።
ዝያዳ ንምርድኡ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 25 ደቂቕ ሓንቲ ህንዳዊት ብዓልቲ ሓዳር ርእሰ ቅትለት ትፍጽም።
ኣብ 2020 ኣብ ህንዲ ካብ ዝተፈጸመ 153 ሽሕን 052 ርእሰ ቅትለት እተን 14.6 ሚኢታዊት ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ ኣብ ህንዲ ካብ ዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለት እቲ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝፍጸም።
ካብ 1997 ጀሚሩ ዝተኣከቡ ሰነዳት ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ልዕሊ 20 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሓዳር ርእሰ ቅትለት ይፍጽማ።
ኣብ ዓመተ 2009 ኸኣ እቲ ቁጽሪ ናብ 25092 ክብ ኢሉ ነይሩ።
ብዙሕ ግዜ እቲ ምኽንያት ናይ ርእሰ ቅትለት 'ጸገማት ስድራ' ወይ'ውን 'ኣብ ሓዳር ብዘጋጥም ጸገም' እናተባህለ እዩ ብድፍኑ ዝግለጽ።
እንተኾነ እቲ በዞም ምኽንያታት ተጎልቢቡ ዝሓልፍ ዘሎ ጠንቂ ርእሰ ቀትለት ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዩ ህንዲ እንታይ እዩ?
ሓካይም ስነ ኣእምሮ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ዘቤታዊ ዓመጻት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ብካየዶ መጽናዕቲ'ውን 30 ሚኢታዊት ካብ ሰብ ሓዳር ዲቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ቤተን ብመጻምደን ዓመጻት ከም ዘጋጥመን እየን ኣረጋጊጸን።
ኣብ ከተማ ቫራነሳይ ሓኪም ስነ ኣእምሮ ዝኾነት ዶክተር ኡሻ ቨርማ ሰሪቫስታካ "ደቂ ኣንስትዮ ናይ ብሓቂ [ነቲ ዓመጻት] ብስቅታ እየን ዝሓለፍኦ ዘለዋ፤ እንተኾነ ተጻዋርነት'ውን ደረት ኣለዎ" ትብል።
ብምስዓብ "ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ 18 ዓመት ምስ ደፈና እየን ዝምርዓዋ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብዚ ዕድሚኣ በዓልቲ ሓዳርን ኣደን ትኸውን። በዚ ምኽንያት ዝበዝሕ ግዝኣ ኣብ ገዛ መግቢ እናሰርሐት፣ ገዛ እናጽረየትን ካልእ ስራሕቲ እናወገነትን ተሕልፎ። ኩሎም ኽልኸላታት ክኣ ኣብ ርእሲኣ ስለ ዝኾኑ ናጽነታ ይድረት። መዋእላ ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ መቁሕ እየን ተሕልፎ፣ ገንዘብ ኣይትረክብን" ትብል።
ስለ ዝኾነ ድማ "ቀስ ብቀስ ሕልማን ትምህርታን ዋጋ ክስእን ይጅምር። እዚ ተደሚሩ ድማ ሕርቃንን ቅብጸት ተስፋን የምጽኣላ። እዚ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብስቓይ'ያ ትሓልፎ" ትብል ዶክተር ኡሻ ቨርማ ሰሪቫስታካ።
ኣብተን ዕብይ ዝበላ ሰብ ሓዳር እቲ ጠንቂ ርእሰ ቅትለት ካብዚ ፍልይ ዝብል ምዃኑ ከኣ ተረድእ።
"ዝበዝሓ ደቀን ኣኺሎም ነናብ ሓዳሮምን ዋኒኖምን ምስ ከዱ ባዶነት ይስመዐን። ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ዘጋጥም ጸቅጢ ኣእምሮ ኣብ ጎነን ኮይኑ ኣጆኺ ዝብለንን ንብዓተን ዝደርዝን ኣይረኽባን፤ ምስቲ ኣቐዲሙ ዘጋጥመን ዝነበረ ውህሉል ጸቅጥታት ናብ ርእሰ ጽልኣትን ርእሰ ቅትለትን" ከም ዘምርሐን ትሕብር።
እንተኾነ ርእሰ ቅትልት ብቀሊሉ ክውገድ ዝኽእል ምዃኑ ዶክተር ኡሻ ቨርማ ሰሪቫስታካ ትገልጽ።
"ኣብታ ከምዛ ሓሳብ እዚኣ ትመጽኣላ ህሞት ነታ ካልኢት ከስግራ ዝኽእል ሰብ ኣብ ጎነን እንተሃልዩ ደው ክብል ዝኽእል ክስተት እዩ" ኢላ።
ክኢላ ሕክምና ኣእምሮ [ሳይካትሪስት] ሳማቱራ ፓትረ ነቲ ኣብ ህንዳውያን ሰብ ሓዳር ዝርአ ተደጋጋሚ ርእሰ ቅትለት "ሰብኣይ ካብ ደገ ናብ ገዛ ይኣቱ፤ ንሰበይቱ ይሃርማ፤ ንሳ ኸኣ ርእሰ ቅትለት ትፍጽም" ብምባል እያ ኣሕጽር ኣቢላ ገሊጻቶ።
ሓደ ብውልቂ ብዘይሻራዊ ኣካል ዝተገበረ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ ኣብ ህንዲ ርእሰ ቅትለት ካብ ዝፈጸማ ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ እተን ሓደ መሰለስ ኣቐዲመን ዘቤታዊ ዓመጻት የጋጥምን ከም ዘሎ ሓቢረን ዝነበራ ምዃነን የርኢ።
እንተኾነ ኣብቲ ብሃገራዊ ጸብጻብ ገበናት ህንዲ ዝተዋህበ ጸብጻብ ኣብ ጠንቂ ሞት ዘቤታዊ ዓመጻት ዝብል ኣይሰፈረን።
ሓኪም ስነ ኣእምሮ ዶክተር ቻይታይ ሲንሃ፡ ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ሙምባይ ኣብ ናይ መንግስቲ ሆስፒታል ንሰለስተ ዓመታት ሓኪም ስነ ኣእምሮ ኮይና ስሪሓ እያ።
ኣብቲ ሕምክምና ፈተነ ርእሰ ቅትለት ዘካይዳ፡ ሞያዊ ምኽሪ ትህብ ከም ዝነበረት ኸኣ ትሕብር።
እቲ መጠን ርእሰ ቅትለት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝወሰኸ ከኣ ዶክተር ቻይታይ ሲንሃ ትሕብር።
"ቅድሚ ለበዳ ምኽሪ ዝደልያ ይመጽኣና ነይረን እየን፡ ዕጽዋታት ምስ ተኣወጀ ግን ምስቶም ዝቕጥቅጡወን ኣብ ሓደ ገዛ እየን ተዓጽየን። ውጽእ ኢለን ምስ ካልእ ከይማኸራን ዕብዑበን ከየውጽኣን ኸኣ ዕጽዋ ኮይኑ። እታ ሓንቲ ኣብ ርእሰን ትመጽን ነገር ርእሰ ቅትለት እያ ብኸምዚ ብዙሓት ጠፊአናና እየን" ትብል።
ህንዲ ብደረጃ ዓለም እታ ዝበዝሐ ርእሰ ቅትለት ዝፍጸመላ ሃገር እያ።
ኣብ ዓለም ርእሰ ቅትለት ካብ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ድማ እቶም ሓደ ርብዒ ህንዳውያን እዮም።
ብደረጃ ዓለም ካብ 15 ክሳብ 39 ዓመትን ርእሰ ቅትለት ካብ ዝፍጽማ ደቂ ኣንስትዮ እተን 36 ሚኢታዊት ህንዳውያን እየን።
እንተኾነ እቲ መንግስቲ ህንዲ ዝህቦ ብዝሒ ርእሰ ቀትልት ዝፈጸሙ ዜጋታቱ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ እዩ ዝብሉ ኣለዉ።
ዶክተር ፓትረ ኣብ ህንዲ ብዛዕባ ርእሰ ቅትለት ብኽፉት ዘተ ከም ዘይግበርን ንምግትኡ እኹል ስጉምቲ ይውሰድ ከም ዘየሎን እዩ ዝገልጽ።
"ሓደ ኣባል ስድርኡ ብርእሰ ቅትለት ዝሞቱ ሰብ ኣዝዩ እዩ ዝሽቁረርን ክሓብኦ ዝፍትንን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት'ውን እቶም ሃፍታማት ብርእሰ ቅትለት ዝሞተ ሰቦም ብሓደጋ ከምዝሞተ ክም ዝገበሎም ንፖሊስ ብላዕ [ጉቦ] ይህቡ'ዮም" ኢሉ።
ብምስዓብ "ኣብ ህንዲ ፈተነ ርእሰ ቅትለት ገይሮም ተባሂሎም ዝተመዝገቡ እንተርኢና ኣዝዩ ትሑት እዩ። ብደረጃ ዓለም እንተርኢና ቁጽሪ ናይቶም ፈተነ ርእሰ ቅትለት ገይሮም ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ሰባት ዕስራ ዕጽፊ ናይቶም ርእሰ ቅትልት ዝገብሩ እዩ። ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 150 ሽሕ ርእሰ ቅትለት ተመዝጊቡ። በዚ መሰረት እቲ ፈተነ ርእሰ ቅትለት ክሳብ 3 ሚልዮን እዩ ክኸውን ዝግብኦ" ይብል።
ዶክተር ፓትረ ኣብ መወዳእታ "ሕቡራት ሃገራት ክሳብ 2030 መጠን ርእሰ ቅትለት ብሓደ መሰለስ ከጉድሎ እዩ ውጥን ኣውጺኡ ዘሎ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ህንዲ መጠን ርእሰ ቅትልት ብ10 ሚኢታዊት እዩ ወሲኹ" ብምባል ኣብ ህንዲ ብኣንጻሩ ምዃኑ ኣብሪሁ።