ፖሊስ ኬንያ ነቲ ምስ ቅትለት ዘተሓሓዝዎ ሞት ብሪጣንያዊት ሰራሕተኛ ቢቢሲ ይምርምርዎ ኣለዉ

ፖሊስ ኬንያ፡ ንጉዳይ ናይታ ኣብ ናይሮቢ ሞይታ ዝተረኽበት ሰራሕተኛ ቢቢሲ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ብሪጣንያዊት ኬት ሚሸል፡ ኣባል 'ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን' ብምዃን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተመዲባ ዝሰርሕት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ያ ሞይታ ተረኺባ።

ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን ኣካል ቢቢሲ ኮይኑ ኣብ ናይ ግብረሰናይ ንጥፈታት ዝነጥፍ ትካል'ዩ። ቀንዲ ኣድህቦኡ ድማ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን (ሜድያ) ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይነት ምውጋድ'ዩ።

ሞት ናይታ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝተረኽበት ኬት ሚሸል ግን ምስቲ እተካይዶ ናይቲ ትካል ስራሕ ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነ'ዩ ዝጥርጠር።

ዋላ'ኳ ዛጊት ብዛዕባ ኩነታት ኣማውትኣ ዝተረጋገጸ እንዘየለ፡ ፖሊስ ቅትለት'ዩ ብምባል፡ መበገሲኡ ንምፍላጥ መርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ንማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢሮም ኣለዉ።

"እቲ ጥርጡር . . .ናይቲ ሆቴል ሓለውቲ ጸጥታ ዝመጽዎ መሲልዎ፡ ካብ ሻምናይ ደርቢ ናይቲ ሆቴል ብመስኮት ዘሊሉ" ክብል ኣዛዚ ዞባዊ ፖሊስ ናይሮቢ ኣጎስቲን ንቱምቢ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኬት ሚሸል፡ ኣብ ዝቐረባ እዋን ኣብታ ርእሰከተማ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ሜድያ ኣክሽን ክትሰርሕ ዝጸንሐት'ያ።

"በዚ ዘሕዝን ዜና ኩላትና ሰንቢድናን ጒሂናን ኣለና" ክብል ዋና ኣካያዲት ናይቲ ትካል ካሮሊን ነርሲ ገሊጻ።

"ኬት፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፕሮጀክት ዝነበረትን ምሳና ን14 ዓመት ዝሰርሐትን ፍትውቲ ኣባልና'ያ ነይራ። ኣብ ትካልና ምሉእ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዛምቢያን ለንደንን ጽቡቕ ተፈላጥነት ዝነበራ'ያ" ክትብል እታ ዋና-ኣካያዲት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ጠቒሳ።

"ንስድራቤታን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት መሓዙታን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል" ድማ ኢላ።

ሓዋ ፒተር ብወገኑ "ኬት፡ ኣዝያ ፍትውቲ ውላድ፡ ሓፍቲን መሓዛን እያ ነይራ። ንዓኣ ምስንኣና ዘለዎ ክብደት ብሕጂ'ዩ ክርድኣና ዝጅምር ዘሎ። ኩነታት ኣማውትኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ መርመራ'ዩ ዘሎ፡ ስለዚ ኣብ ገለ ክፋል ሜድያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝውረ ዘሎ ግምታት ሸለል ክትብልዎ ንምሕጸነኩም። ንኬት ምስንኣና ኣብ ዓቢ ሓዘን ብምህላውና ተረዲኡ ኩሉሰብ ንብሕታውነትና ከኽብር ንሓትት" ኢሉ።